ዝርዝር ዜና 30-08-2017

0
290

ርክብ ሱዳንን ስርዓት ህግደፍን ኣብ ሕማቅ ኩነታት ከም ዝርከብ ይሕበር ኣሎ።

ከም ሓበሬታ ድምጺ ሰላምን ዲሞክራስን ኤርትራ ካብ ቀደሙ ንህዝባዊ ረብሓ መሰረት ጌሩ ዘይተሰረተ ዘይወግዓዊ ዲፕሎማስያዊ ዝመድና መንግስቲ ሱዳንን ጉጅለ ህግደፍን መንግስቲ ሱዳን ንተግባራትን ኮንትሮባንዳዊ ንጥፈታትን እቲ ስርዓት ዝነበሮ ተጻዋርነት ብምጉዳሉ ተጻዋርነቱ ይውዳእ ከም ዘሎ ዘመላኽቱ ነገራት ይረኣዩ’ለው።

ንክልቲኤን ሃገራት ኣብ ዘዳውብ ቦታታት ዝረኣ ወግዓውነት ዘይብሉ ኣሰራርሓ ቤት ጽሕፈት ኤምባስን ቆንስላን ህግደፍ ምስ ነጋዶ ሰብ ተኣሳሲሩ ዘካየዶ ዘሎ ዘይሕጋዊ ተግባራት ከምኡ’ውን ክሳብ ዓበይቲ ከተማታት ሱዳን  ኣስፋሕፊሑ ዝርከብ  ስግኣት ጸጥታ ገለ ካብቲ ዝምድና ክልቲኦም ክሕርፍፍ ዝገበሮ ምኸንያት ምዃኑ’ውን ጠቒሱ።

ብ ምሕዝነት ሱዳንን ኢትዮጵያን ዘይተሓጎሰ መንግስቲ ግብጺ ህግደፍ ምስኡ ተሻሪኹ ሰላም እተን ሃገራት ንምዝራግ ዘካይዶ ዘሎ ሽርሒ’ውን ካልእ ኣብነት ናይቲ ርክብ ሱዳንን ጉጅለ ህግደፍን ክሕርፍፍ ዝገበሮ ጉዳይ ምዃኑ ተገሊጹ’ዩ።

———————————/////////////————————— 

ኣብ ኤርትራ ማይ ብጸሊም ዕዳጋ ይሽየጥ ከም ዘሎ ተገሊጹ።

ኣብ ትሕቲ መላኺ ኢሳይያስ ትመሓደር ኣብ ዘላ ሃገርና ኤርትራ ሕጽረት ኩሎም ዓይነት ቀረባት ብሰፊሑ ይረአ ብምህላው ሓደ ካብቶም መሰረታዊያን ቀረባት ዝኾነ ማይ ድማ ብጸሊም ዕዳጋ ንመሸጣ ይቐርብ ከም ዘሎ መርበብ ሓበሬታ ዓዋተ ዶት ኮም ጸብጺባ።

ልክዕ ከምቲ ካልኦት ጽላታት ንጉዳይ ቀረብ ማይ’ውን ገቢቱ ዝሓዘ መላኺ ጉጅለ ኢሳይያስ ብዘይ ኣፍልጦ መንግስቲ ማይ ምሻጥ ክልኩል’ዩ ዝብል መምርሒ ኣውሪዱ፡ ካብ ታንከራቶም ብጸሊም ዕዳጋ ክሸጡ ንዝተረኽቡ 4 ዜጋታት ነበርቲ ከተማ ኣስመራ ከም ዝኣሰሮም ድማ ተሓቢሩ’ሎ።

ትሕተ መሬታዊ ትሕዝቶ ማይ ኣዝዩ ኣንቆልቂሉ፡ መብዛሕትኦም መከፋፈሊ ማይ ዝነበሩ ነቑጣታት ደሪቖም ኣለው ዝበለ መርበብ ሓበሬታ ዓዋተ ዜጋታት ማይ ክንረክብ ኢና ብምባል ንኣዝዩ ነዊሕ ሜትሮታት ዕምቆት ዘለዎ ጎዳጉዲ ንምኹዓት ይግደዱ ምህላዎም ኣፍሊጡ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ከተማታት ኤርትራ ማይ ዓዲ ኣርሒቑ’ሎ ዝበለ ኣብቲ መርበብ ሓበሬታ ዝሰፈረ ዜና እቲ ዝርከቡ’ውን ንሓደ በርሚል ካብ 300 ክሳብ 550  ናቕፋ ብሕቡእ ይሽየጥ ምህላው ኣብሪሁ።

———————————/////////////————————- 

ረቡዕ 30/08/2017

ትካል ኢሜግሬሽን እስራኤል ንኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ንምምላስ ንዝኣተዎ ውዕል ሰሪዙ።

ማዕኸን ዜና ሃረጽ ኣብ ዘውጸኦ ሓበሬታ፡ መንግስቲ እስራኤል ንኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ንምምላስ ዘኽእል መጽናዕቲ ንኸዳሉ ማእከል ፖሊሲ ስደተኛታት ምስ ዝተባህለ ዘይመንግስታዊ ትካል ዝኣተዎ ውዕል ኣብዚ ሳልሰቲ ከም ዝሰረዞ  ገሊጹ።

ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ፡ ኤርትራውያን ናይ ቁጠባ ስደተኛታት እምበር ናይ ፖለቲካ ኣይኮኑን እናበለ ዝማጎትን 20 ሚኢታዊት ካብ ኣታዊታት ነፍሲ ወከፍ ስደተኛ ክቕረጽ ክገብር ዝጸንሐን እዚ ትካል ኣቐዲሙ ፡ ነቲ ብዴንማርክን ብርጣንያን ዝቐረበ፡ ኣብ ኤርትራ ምምሕያሽ ሰብኣዊ መሰላት ይረኣሎ ንዝብል ጸብጻብ ከም መወከሲ ብምጥቃሙ ከም ዝተወቕሰ’ውን እቲ ማዕኸን ዜና ይሕብር።

እዚ ከምዚሉ ከሎ፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እስራኤል፡ ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ምወጻእ ዝኣበዩ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ሓተቲ ዕቐባ ልዕሊ ክልተ ኣዋርሕ ክእሰሩ ከም ዘይብሎም ወሲኑ’ሎ።

እቶም ካብ ስራኤል ናብ ዝተፈላለያ ቦታታት ዝለኣኹ ኤርትራውያን ኣዝዩ ሓደገኛ ጎዕዞ ስደት ከም ዘጋጥሞምን፡ ሓያሎ ካብኣቶም ግዳያት ሞትን መጭወይትን ከም ዝኾኑን ብተደጋጋሚ ይግለጽ ኣሎ።

———————————///////////————————– 

ረቡዕ 30/08/2017

ኤርትራዊ ፕሮፌሽናል ተቐዳዳማይ መርሃዊ ቅዱስ ተዓዋቲ ግራንድ ቱር ኮይኑ።

በ23 ነሓሰ ኣብ ዝተኻየደ 175፡ 7 ኪሎ ሜትር ዝሸፈነ ሓሙሻይ መድረኽ ቅድድም ቮላታ ሰጰኛ፡ ኤርትራዊ ፕሮፌሽናል ተቀዳዳማይ መርሃዊ ቅዱስ፡ ኣብ ታሪኽ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ እቲ ዝበለጸ ናይ ግራንድ ቱር ናይ መድረኽ ዓወት ተጓናጺፉ’ሎ።

እዚ ምስ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ክለብ ዳይሙንሽን ዳታ ተጠርኒፉ ዝቀዳደም ዘሎ መርሃዊ ካብ 193 ተቀዳዳምቲ ካልኣይ ተርታ ሒዙ ከም ዝተወዳደረን፡ ኣብ ታሪኽ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ፡ ብኤርትራውያን ተቀዳደምቲ ተታሒዙ ንዝጸንሐ ግራንድ ቱር ናይ መደረኽ ዓወት ከም ዝሰበሮን’ዩ ተጠቒሱ ዘሎ።

መርሃዊ ቅዱስ፡ ዓወታቱ ብዝያዳ ንምምሕያሽ ወጢኑ’ኳ እንተ ነበረ ኣብ ዝተኻየደ መበል ሻድሻይ መድረኽ ብሰንኪ ዘጓነፎ ናይ ምወደቕ ሓደጋ ካብ ቅድድም ቮላታ ስጳኛ  ተኣልዩ’ዩ ከም ሓበሬታ ሬድዮ ኤሬና።

———————————/////////////////———————–

ረቡዕ 30/08/2017

ጉዳይ ስደተኛታት ጸቕጢ ዝፈጠረለን ሃገራት ኤውሮጳ ንምግትኦም ዝሕግዝ ዋዕላ ኣካይደን፡፡

3 መራሕቲ ኣፍሪቃን 4 መራሕቲ ሃገራት ኤውሮጳን ዝተሳተፍዎ ኣብ ፓሪስ ዝተኻየደ ዋዕላ ዋሕዚ ስደተኛታት ካብ ዓቕመን ንላዕሊ ብምዃኑ ጸቕጢ ዝፈጠረለን ሃገራት ኤውሮጳ ነዞም ስደተኛታት ንምግታእ ዝሕግዝ ዋዕላ ኣካይደን ከምሓበሬታ ዝተፈላለዩ ጸብጻባት፡፡

ኣብቲ ዋዕላ ነቶም ሰሃራ ሰንጢቖም ማእከላይ ባሕሪ ሰጊሮም ናብ ኤውሮጳ ከምዝኣትዉ ዝገብሩ ዘለዉ ኣሰጋገርቲ ብኸመይ ከምዝምክትዎ ዝዘተዩ ኮይኖም እዚ ኩነታት ንዲፕሎማሲያዊ ዝምድናታት ሃገራት ኤውሮጳ ተፈታቲንዎ’ሎ፡፡

ነዚ ብብዝሒ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናወሰኸ ዝመጽእ ዘሎ ቁጽሪ ስደተኛታት ንምጉዳል ገለ ካብቲ ዝተወጠነ መደብ ንሊብያ ምርግጋእን ነተን መሰጋገርቲ ሃገራት ሓገዝ ምውሳኽን ዝብል ይርከቦ፡፡

ነቲ ዋዕላ ዝወደበ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኩልና እንተተሓባቢርና ዕውት ስራሕ ክንሰርሕ ንኽእል ኢና፡ እዚ ጸገም’ዚ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ጥራይ ዘይኮነስ ናብ ሕብረት ኣፍሪቃ ብድሆ’ዉን’ዩ ክብል ኩሎም ተጋባእቲ ክተሓባበሩ ጸዊዑ’ሎ፡፡

———————————–//////////////////——————– 

ረቡዕ 30/08/2017

ቤት ፍርዲ ናይጀርያ ኣብ ባንክ ንዘሎ ገንዘብ ሚኒስተር ነዳዲ እታ ሃገር ነበር ክውረስ ወሲኑ።

ቤት ፍርዲ ናይጀርያ፡ ሚኒስተር ነዳዲ እታ ሃገር ኮይና ካብ 2010 – 2015 ናይ ዘገልግለት ዲዛኒ ኣሊሰን ማዱኬ ኣብ ባንኪ ዝተዓቖረ 21 ሚልዮን ዶላር ክውረስ ከም ዝወሰነ ቢቢሲ ጸብጺቡ።

ቤት ፍርዲ ናይጀርያ ነዚ ውሳኔ ዘሕለፈ እታ ሚኒስተር ነበር ንስልጣና ተጠቂማ ብዘይ ኣገባብ ዘዋህለለቶ’ዩ ዝብል ብመርትዖ ዝተደገፈ ክሲ ካብ ኮሚሽን ጸረ ብልሽውና እታ ሃገር ስለ ዝቐረበሉ’ዩ።

ቅድም ኢሉ’ውን ብስም እታ ሚኒስተር ኣብ ባንኪ ተዓቝሩ ንዝጸንሐ 22 ሚልዮን ዶላር ክውረስ ከም ዝኣዘዘ ዘዘኻኸረ እቲ ሓበሬታ፡ ካብ ሽያጥ ነዳዲ ዝተረኽበ ሃብቲ ህዝቢ ከም ዝኾነ ኣነጺሩ’ዩ።

——————————////////////////————————— 

ረቡዕ 30/08/2017

ብሰላም  ምዝታይ እንኮ ኣማራጺ ሰሜን ኮርያ ክኸውን ኣሜሪካ ጸዊዓ።

ሰሜን ኮርያ ንክሊ ኣየር ጃፓን ዝደፈረ ምውንጫፍ ሚሳይል ምክያዳ ስዒቡ ኣዘራራቢት ዛዕባ ኮይና ምህላዋ ዝፍለጥ ኮይኑ ኣሜሪካ ድማ ምርጫ ሰሜን ኮርያ ናብ መኣዲ ዘተ ዘምጽእ ክኸውን ጸዊዓ’ላ።

ፕዮንግንግ ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ብተዳጋጋሚ ሚሳይላት ክትውንጭፍ ምጽንሓ ዝጠቐሰ ቢቢሲ ዘወሃሃዶ ዜና እዚ ብሰሉስ 29 ዘካየደቶ ሚሳይል ግን ምስ ዝሓለፉ ዘይነጻጸርን ፍልይ ዝበለን’ዩ ክብል ሓቢሩ።

ምምሕዳር ኣሜሪካ ድሕሪ እቲ ብሰሜን ኮርያ ዝተወስደ ስጉምቲ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ፕዮንግዮንግ ትኸዶ ዘላ ጉዕዞ ኣብ ልዕሊ ማሕበረሰብ ዓለም ዘለዋ ንዕቐት ዘንጻባርቕ’ዩ ክብል ኮኒኑዎ’ሎ።

———————————-//////////////////———————

NO COMMENTS

LEAVE A REPLY