ዝርዝር ዜና 30-12-2016

0
1364

ኤርትራ ብድኽነትን ትሑት ደረጃ ምዕባለን ካብ ዓለም ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ከምትርከብ ተገሊጹ፡፡

ኣብ ንግድን ምዕባለን ኣተኵሩ ዝነጥፍ ትካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዓመተ 2016 ኣብ መወዳእታ ወርሒ ኣብ ዝዘርገሖ ጸብጻብ ኤርትራ ብድኽነትን ትሑት ደረጃ ምዕባለን ካብ ዓለም ኣብ ሳልሳይ ተርታ ከምትርከብ ገሊጹ፡፡

እቲ ኣህጉራዊ ትካል ን188 ሃገራትን ዘለዎኦ ቁጠባዊ ትሕዝቶን ንጥፈትን ብምድህሳስ ኣብ ዘቕረቦ መጽናዕታዊ ጸብጻብ ኤርትራ ንሃገራት ማእከላይ ኣፍሪቃን ኒጀርን ጥራሕ ብምቕዳም ኣብ 3ከምትርከብ ኣፍሊጡ፡፡

ማእከለይ ገምጋም ዓመታዊ ውልቃዊ እቶትን፡ ውህሉል ሃብቲ ዜጋታትን ከም ቀንዲ መለክዒ ዝወስዶ እቲ ጸብጻብ ናይ ሓደ ኤርትራዊ ዓመታዊ እቶት 390 ዶላር ኮይኑ ብመሰረት መለክዒ ድኽነት ከኣ ሓደ ኤርትራዊ መዓልታዊ እቶቱ ትሕቲ 2 ዶላር ከምዝኾነን ኣብ ትሕቲ መስመር ድኽነት ከምዝርከብ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ፡፡

—————————-////////////////////———————————— 

ዓርቢ 30/12/2016

ዓመተ 2016 ብመዓር ዝተሸፈነ ዕረ ምኹላስ ዘብቀዐሉ ግዜ ክኸውን ከምዝግባእ ተገሊጹ፡፡

ንልዕሊ ርብዒ ዘመን ብሰንኪ ግፍዒ ጉጅለ ህግደፍ ዝኾለስናዮ ብመዓር ዝተሸፈነ ዕረ ኣብዚ ንዛዝሞ ዘለና ዓመት ክኽትም ይግባእ ክብሉ ግዱሳት ወገናት ገሊጾም፡፡

መላኺ ኢሳይያስ ንዘይትግብሮ ክፍጽም’የ እናበለ ዘኾለስና ዕግበት ዘይረኸብናሉ ናይ ተስፋ እንጌራ፡ ክሳብ ሕጂ ናብ ዝደለዮ ኣንፈት ክጠዋወየና ሰፊሕ ዕድል ፈጢሩሉ’ዩ ዝበሉ’ቶም ወገናት ሕጂ ግን ናይ ተስፋን ምትዕሽሻውን ግዜ ኣብቒዑ ሓቀኛ ሓርነት እንጎናጸፈሉ እዋን ክኸውን ይግባእ ክብሉ ኣተሓሳሲቦም፡፡

መላኺ ኢሳይያስ ሓቅነት ስለዘይብሉ ሕጂ’ዉን እንተኾነ ህዝቢ ናይ ምድንጋር ስልቱ ዘቋርጾ ኣይኮነን ዝበሉ’ቶም ወገናት ንሕና ከኣ በንጻሩ ክንነቅሕን ሰሚርና ክንቃለስን’ዩ ዝግባኣና ክብሉ ኣገንዚቦም፡፡

—————————-////////////////////————————————

 ዓርቢ 30/12/2016

ጉጅለ ህግደፍ ህዝቢ ኤርትራ ብዓሌትን ሃይማኖትን እናኸፋፈለ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ካብ ዝጥቐመሉ ሜላታት ፕሮፖጋንዳ ሓደ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ስርዓት ህግደፍ ህዝቢ ብኩሉ መዳይ ክርመስ ምግባሩ ከይኣክል ሕጂ ድማ ኣብ ዝተፈላለየ መራኸቢ ቡዙሃን ዕስባቱ ኣዋፊሩ ዘካይዶ ዘሎ ዘመተ ኣውራጃን ሃይማኖትን ሓደ ሜላ  መናውሒ ዕድሚኡ ምዃኑ ሓሊፉ ካሊእ ረብሓ ከም ዘይብሉ ግዱሳት ዜጋታት ገሊጾም።

ብመሰረት ሓበሬታ ‘ቶም ዜጋታት፡ ጉጅለ ህግደፍ ምስ ሃገራት ኢማራት ዓረብ ርክብ መስሪቱ ጅቡኡ ንምምላእ ይሰርሕ ኣብ ዘለወሉ እዋን ህዝቢ ኣተኩሮ ከይህበሉ ኣብ ካልእ ዕዮ ገዛ ንምጽማድ ኮነ ተባሂሉ ዝተገብረ ምዃኑ ኣነጺሮም።

ባህሪያት እዚ መላኺ ጉጅለ ወትሩ ተመሳሳሊ ብምዃኑ ህዝቢ ካብ ግርህነት ተገላጊሉ ከይተሓላለ ንሓርነቱ ‘ዩ ክቃለስ ዘለዎ ክብሉ ‘ውን ኣተሓሳሲቦም።

———————————////////////////————————————

 ዓርቢ 30/12/2016

ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ጸሎት ዝነበሩ ኣመንቲ ክርስትና ከም ዝኣሰረ ተሓቢሩ።

ጉጅለ ህግደፍ ብ24 ታሕሳስ 2016፡ ኣብ ኣስመራ ኣብ ከባቢ ቀሓውታ ብምኽንያት ብዓል ልደትን ሓድሽ ዓመትን ኣብ ጸሎት ዝነበሩ ብዓስርተታት ዝቁጸሩ ኣመንቲ ክርስትና ኣብ ቀይዲ ከምዘውዓለ ሬድዮ ኤረና ሓቢራ።

እቶም ኣብ ቃሓውታ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ኣባይቲ ኣብ ድሮ ልደት ፈረንጂ ጾምን ጸሎትን ዝገብሩ ዝነበሩ ዜጋታት ሓይልታት ጸጥታ ጉጅለ ኢሳይያስ ጫማ ታቶም ብምምንዛዕ፡ ጥራይ እግሮም ፒክኣብ ኣብ ዝዓይነታ መኪና ኣሳፊሮም ከም ዝወሰድዎምን  ስድራ ቤት እቶም ግዳያት ድሃዮም ከም ዘይረኸቡን እቲ ሓበሬታ ወሲኹ የረድእ።

መላኺ ኢሳይያስ ብምስምስ ሃይማኖት፡ ፖለቲካ፣ ስግረ ዶብን ካልኦት ጉዳያትን ዝቀየዶም ዜጋታት  ልዕሊ 90 ዓመት ንዝዕድሚኦም ፖትሪያሪክ ኦርቶዶክስያዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ኣቡነ አንጠንዮስ ሓዊስካ ልዕሊ 10 ሽሕ እሱራት ከም ዘለው ዝተፈላለዩ ጸብጻባት ከም ዝሕብሩን፡ እዚ ናይ ሕጂ ተግባር ማእሰርቲ ግን ብዙሓት ሃገራት ዓለም ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት ንብርክት ዝበሉ እስራት ዜጋታታን ምሕረት ይገብራ ኣብ  ዘለዋሉ እዋን ዝተፈጸመ ብምዃኑ እቲ ስርዓት ንእሽተይ ርሕራሔ ዘይብሉ ኣረሜን ከም ዝኾነ ዘርኣየሉ ተግባር’ዩ ክብሉ ዜጋታት ገሊጾም።

—————————————////////////////——————————

 ዓርቢ 30/12/2016

ንግዳዊ ርክባት ኢትዮጵያን ቱርኪን ናብ ዝለዓለ ብርኪ ይግስግስ ምህላው ተሓቢሩ።

ከምጽብጻብ ማዕከን ዜና ቱርኪ ኣናዶሉ ንነዊሕ እዋን ዝቐጸለ ርክባት ኢትዮጵያን ቱርክን ብንግዳዊ ርክባት ክልትኤን ሃገራት’ውን ናብ ዝለዓለ ደረጃ ንምብጻሕ ይስርሓሉ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ከም ናይዚ ውጽኢት ድማ ልዕሊ 100 ነጋዶን ኣውፈርትን ዝሓቖፈ ብሚኒስተር ቁጠባ ቱርኪ ዝምራሕ ልኡኸ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ሓደ መዓልቲ ዑደት ብምፍጻም ንግዳዊ ርክባት ክልቴኤን  ሃገራት ናብ ዝለዓለ ብርኪ ክግስግስ ኣብ ሓበራዊ ምርድዳእ በጺሑ ‘ሎ።

እቲ ብሚኒስትር ቁጠባ ዝምራሕ ልእኽ ቱርኪ ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ኣብዘካየደሉ እዋን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ምስ ዝርከቦም ሓያሎ ሰበስልጣን እታሃገር ብምርኻብ ንግዳዊ ልውውጥ ክልቲኤን ሃገራት ብዛዕባ ዝዓብየሉ ተክእሎታት ከምዝዘተዩ ተገሊጹ ኣሎ።

ንግዳዊ ልውውጥ ኢትዮጵያን ቱርክን ዓመታዊ ኣስታት 420 ሚልዮን ዶላር ከም ዝበጽሕ ተፈሊጡ ኣሎ።

———————————////////////////////——————————-

 ዓርቢ 30/12/2016

መንግስቲ ሶርያን  ኣንጻሩ ዝቃለሱ ዓመጽትን ቶኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ከቲሞም።

ኣብ ሶርያ ዘላቒ ሰላም ንምስፋን ዓሊሞም መንግስቲ ሶርያን ኣንጻሩ ዝቃለሱ ዓመጽትን ዘተ ከካይዱ ዝጸንሑ ኮይኖም ቶኹሲ ደው ከብሉ ስምምዕ ከም ዝኸተሙ ንፕረዚደንት ሩስያ ቪላድሚር ፑቲን ብምጥቃስ ቢቢሲ ጸብጺቡ።

እቲ ቶኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ካብ ሓሙስ 29 ታሕሳስ 2016 ዝጅምር ኮይኑ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቱርኪ ድማ ነቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ ውሕስነት ከም ዝህብ ኣፍሊጡ ‘ሎ።

እቲ ስምምዕ ዳዒሸ፡ ጃባሃን ፈታሕን ንዝተባህሉ ኣኽረርቲ ጉጅለታት ከም ዘይሓቁፍ ተገሊጹ ‘ሎ።

———————————–////////////////———————————-

NO COMMENTS

LEAVE A REPLY