ዝርዝር ዜና 31-03-2017

0
2589

ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከብ ኤርትራዊ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቅ ተሸላሚ ዩኔስኮ ዓመተ 2017 ኮይኑ።

ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከብ ኤርትራዊ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቅ ተሸላሚ ዩኔስኮ ዓመተ 2017 ኮይኑ።

ብስርዓት ህግደፍ ተኣሲሩ ኣበይ ከም ዘሎ ዘይፍለጥ ኤርትራዊ መበቆል ዘለዎ ሽወደናዊ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቅ ብኣህጉራዊ ነጻ ጋዜጠኛታት ዓመተ 2017 ተሸላሚ ኮይኑ ከም ዘሎ UNesco ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቅ ነዚ ሽልማት’ዚ ዝበቅዐ ኣብ ዓውደ ማዕከናት ዜና ብዝነጠፎ ዘይሻራውያን ኣህጉራውያን መመይቲ ብዝሃብዎ ሓባራዊ ድምጺ ‘ዩ።

እቲ ሽልማት ዩኒስኮ ጁሌርሞ ካኖን ተባሂሉ ከም ዝጽዋዕ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ ጋዜጠኛ ዳዊት ብዘርኣዮ ትብዓትን ጽኑዕ መርገጽን ሓሳብካ ብናጽነት ምግላጽ ዝብል መለክዒ ዘማልእ ከምዝኾነ ከምኡ ‘ውን ነቲ ሽልማት ብቑዕ ምዃኑን ዳይሬክተር ጀነራል ዩኒስኮ ኢርና ቦኮቫ ገሊጻ።

እታ ዳይሬክተር ብተወሳኺ ንመሰረታዊ ሓርነትን ምጥባቕን፡ ትብዓትን ተወፋይነትን ወሳኒ ከም ዝኾነን እዚ ድማ ብሉጽ ክብርታት ሽልማት ጁሌርሞ ካኖ ምዃኑ ዝገለጸት ኮይና፡ ንዳዊት ‘ውን ነዚ ሽልማት ብምሃብ መልእኽቲ ከነማሓላልፍን ኣበርክትኡ ከነጉልሕን ይግበኣና ‘ዩ ኢላ።

ፕረዚደንት ኣህጉራዊ መማያት ሽልማት ዩኒስኮ ሲላ ቦንኮ ብወገኑ ዳዊት ኢሳቅ ነዚ ሽልማት ምብቅዑ ምስቶም ኣብ ዓለምና ዝተርኣዩ ንሓቂ ዝቆሙ ተበዓት ጋዜጠኛታት ከምዝጽምበር ብምጥቃስ፡ ነዚ ሽልማት ብምሃብ፡ ዳዊት ይፈታሕ ብምባል ድማ ነድሂ ኢሉ።

እዚ ናይ 25 ሽሕ ዶላር ሽልማት ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ግንቦት ኣብ ዝጽንበል ኣህጉራዊ መዓልቲ ናጽነት ፕረስ ኣብ ጃካርታ ኢንዶነዥያ ዝውሃብ ‘ዩ።

—————————————/////////////////—————————————

ዓርቢ 31/03/2017

ስድራቤት ኣብ ኤሮቢክስ ምስታፍ ናይ ዝአበዩ ተማሃሮ መቑነን መግቢ ኩፖን ክኽልከሉ ምዃኖም ይሕብር ኣሎ።

ዓመተ መጸ ስርዓት ህግደፍ ፍሉይ ምሽብሻብ ዝገብረሉ ናይ ጓይላን ዳንኬራን ጽንብል 24 ግንቦት ኣብ ዝዳሎ ሳዕስዒት ኤሮቢክስ ምስታፍ ንዝኣበዩ ተማሃሮ ስድራቤታቶም ዝረኽብዎ ዝነበሩ መቑነን መግቢ ኩፖን ክኽልከሉ ምዃኖም ንምንጭታታ ብምጥቓስ ሬድዮ መድረኽ ገሊጻ።

ብመሰረት’ቲ ዝተዘርገሐ ሓበሬታ ስድራቤታት ደቆም ናብቲ ብኣስገዳድ ዝፍጸም ምድላዋት ኤሮቢክስ እንተዘይሊኢኸን ብምምሕዳራት ተጸዊዐን ኩፖን ክኽልክላ ምዃነን ዝተገልጸ ኮይኑ ኣብቲ ንጥፈታት ምስታፍ ዝኣበያ 7 ተማሃሮ ቤት ትምህርቲ ልምዓት ድማ ካብ ትምህርቲ ተስጕጉን ኣለዋ።

ገለ ውሑዳት ኣመሓደርትን ዳይሬክተራትን‘ውን ኣብቲ ንተማሃሮ ዝጎድእ ተግባራት ኣብ ምፍጻም ይተሓጋገዙ ምህላዎም ዝገለጸት እታ ሬድዮ ባህላዊ ጉዳያት ሚኒስትሪ ትምህርትን ህግደፍ ዞባ ማእከልን ልዕሊ 700 ተማሃሮ ኣብ ምስልጣን ከም ዝርከቡ ‘ውን ኣነጺራ’ያ።

ወከልቲ ተማሃሮን ወለድን ደቆም ኣብ ትምህርቲ ምሕማቆም ብተደጋጋሚ’ኳ ይገልጹ እንተለው ሕመቅ ደቆም ጸገም’ቶም ወለዲ ከም ዝኾነ’ዩ ዝንገሮም ዘሎ ክትብል’ውን ኣብሪሃ ።

ስድራቤታት ደቆም ንኤሮቢክስ ኢሎም ክሳብ ለይቲ እናምሰዩ ዘይተደልየ ጠባያት የምጽኡ ከምዘለው ብምሕባር ድማ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኤሮቢክስ ጸኒሓ ኣብ ከባቢ ማይጭሆት ዝተዓመጸት ጓል 15 ዓመት ተማሃሪት ዛጊት ዓመጽታ ከምዘይተረኽቡ ከም ኣብነት ብምጥቓስ ሓቢራ’ላ።

———————————-/////////////———————————— 

ዓርቢ 31/03/2017

ሓለፍቲ ኮሚሽን ስፖርት ስርዓት ህግደፍ ካብ ስፖርታውያን ብመልክዕ ህያብ ግቦ ኣብ ምቅባል ተሸሚሞም ምህላዎም ተገሊጹ።

ብርክት ዝበሉ ሓለፍቲ ኮሚሽን ስፖርት መላኺ ኢሳይያስ ንሃገር ወኪሎም ናብ ውድድራት ንወጻኢ ካብ ዘቅንዑ ስፖርታውያን ብመልክዕ ህያብ ግቦ ከም ዝቅበሉ ኤረና ሓቢራ።

ኣብቲ ናይ ብላዕ ተግባራት ተጸሚዶም ዘለው ብሕልፊ ሓለፍቲ ፈዴሬሽን ኣትሌትክስ ‘ዮም ዝበለ ዜና ኤረና ነቶም ብውልቀ ዝወዳደሩ ኣትሌታት መንቀሳቀሲ ወረቐት ንምድላው፡ መውጽኢ ቪዛ ንምርካብ ናብ ኢሚግሬሽን ናይ ድጋፍ ደብዳቤ ብዘይመሰናኽል ንኽጽሕፈሎም ጉቦ ብመልክዕ ህያብ ምንሳዕ ልሙድ ተርእዮ ብልሽውና ኮይኑ ምህላው ገሊጹ።

ቅድም ክብል እቶም ስፖርተኛታት ከም ስዓት፡ ጨና፡ ክዳን ዝኣመሳሰሉ ነገራት ሒዞምሎም ይመጹ ከም ዝነበሩን ሕጂ ግን ጥረ ገንዘብ ምስ ካልእ ህያባት ተሓዊሱ ይውሃቦም ከም ዘሎ ‘ውን ኣብሪሁ ‘ዩ።

ብዘይካ እዚ  ሓለፍቲ ኮምሽን ስፖርት ካብ ኣሰልጠንቲ ‘ውን ከምኡ ዓይነት ብላዕ ምቅባል ልማድ ጌረሞ ከም ዘለው ተፈሊጡ ኣሎ።

—————————————/////////////////—————————————

ዓርቢ 31/03/2017

ዲምክራስያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኩናማ ኤርትራ 5 ውድባዊ ጉባኤኡ ኣሰላሲሉ።

5 ውድባዊ ጉባኤ ደምሓኩኤ ብ28 መጋቢት 2017 ኣብ ስዓታት ድሕሪ ቀትሪ ካብ ሽመልባን ሱዳንን ዝመጹ ኣባላት ኣብ ዝተረኸቡሉ ኣጋጣሚ ከም ዝተሰላሰለ ኣብ መርበብ ሓበሬታ መሰል ብሄራት ዝተዘርገሐ ዜና ገሊጹ።

ብመሰረት’ቲ ዝተዘርገሐ ሓበሬታ ኣቦ ወንበር እቲ ምንቅስቓስ ኣቶ ቀርነሌዎስ ዑስማን ንተሳተፍቲ ጉባኤ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ቃል ምስ ኣስመዐ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ጸብጻብ ስርሓ ኣቅሪባ።

ድሕር’ዚ 5 ዝኣባላታ ቀዋሚ ሽማግለ ተመሪጻ ርእሳ ድሕሪ ምስራዕ መድረኽ ምርኢት ናብ ዘዳለወት ጉጅለ ባህሊ ኤርኩ ተሰጋጊሩ ዝተፈላለዩ ጣዕመ ዜማታትን ግጥምታትን ከም ዝቐረቡ እታ መርበብ ሓበሬታ ገሊጻ’ላ።

—————————///////////////////————————— 

ዓርቢ 31/03/2017

ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ ጉዳይ ጸጥታ ዶብ ኣመልኪተን ተዛትየን።

ኢትዮጵያን ሱዳንን ብመንገዲ ላዕለዎት ወተሃደራውያን መኮነናተን ኣቢለን ኣብ ጉዳይ ጸጥታ ዶብን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰብን ዘተኮረ ዘተ ኣብ ካርቱም ከምዘካየዳ ሱዳን ኣብ ዘውጽኣቶ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢራ።

ኣብቲ ንክልተ መዓልቲ ዝተኻየደ ዘተ፡ እዘን ሃገራት ካብን ናብን ዶባተን ንዝፍጸም ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰብን ካልእ ገበናትን ንምግታእ ኣብ ዶባተን ሓባራዊ ሰራዊት ንምውፋር ውጥን ከምዘለወን ጠቒሰን ‘የን።

ፍኑው ዋሕዚ ስደት ንምግታእ ብርክት ዝበላ ሃገራት ኤውሮጳ በብእዋኑ ይዘራረባ ከም ዘለዋ ይፍለጥ።

—————————///////////////////————————— 

ዓርቢ 31/03/2017

ኣብ ውሽጢ ሒደት ኣዋርሕ 2017 ጥራሕ 60 ሽሕ ደቡብ ሱዳናውያን ስደተኛታት ናብ ሱዳን ሰጊሮም።

ላዕለዋይ ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዝጸብጸቦ ካብ ወርሒ ጥሪ ክሳብ እዚ ንዛዝሞ ዘለና ወርሒ መጋቢት 2017 60 ሽሕ ስደተኛታት ደቡብ ሱዳን ኣብ ሃገሮም ብዝተፈጥረ ዘይምርግጋእ ናብ ሱዳን ሰጊሮም ኣለው።

ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእን ብድርቂ ዝሰዓበ ጥምየትን ብዘስዓቦ ቅልውላው እቲ ዋሕዚ ልዕሊ ትጽቢት ዝተገብረሉ‘ዩ ዝበለ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ማሕበረሰብ ዓለም ነዞም ጽጉማት ንምርዳእ ዝከኣሎ ሓገዝ ከበርክትሎም ጸዊዑ።

እቲ ኣህጉራዊ ትካል ኣብ መግለጺኡ ብዝሒ ደቡብ ሱዳናውያን ስደተኛታት ልዕሊ መጠን ይኸውን ምህላው ብምጥቃስ ብውሑድ 166 ሚልዮን ዶላር ከም ዘድሊ ኣነጺሩ።

—————————///////////////////—————————

NO COMMENTS

LEAVE A REPLY