ዝርዝር ዜና 31-05-2018

0
235

ብዓፋኒ ምሕደራ ጉጅለ ህግደፍ ዝተማረሩ ኣባላት ክፍለ ሰራዊት 38 ተወዲቦም ንስደት የምርሑ ኣለዉ፡፡

ኣብ ሃገር ብሰንኪ ዘሎ ዓምጻጺ ምሕደራ ጉጅለ ህግደፍ ብፍላይ ኣብ ግምባራት ዝርከቡ ኣባላት ሰራዊት ዝረኽብዎ ዕድል እናተጠቕሙ በበእዋኑ ናብ ስደት ይውሕዙ ከምዘለዉ ዝፍለጥ ኮይኑ ኣብ ቅንያት 24 ግንቦት ከኣ 7 ወተሃደራት ኣባላት ክፍለሰራዊት 38  ተወዲቦም ናብ ኢትዮጵያ ከምዝኣተዉ ጉዳይ ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን ኢትዮጵያ ኣብ ዝለኣኸልና ሓበሬታ ገሊጹ፡፡

ብፍላይ ኣብ ዓሰብ ተመዲቦም ዝርከቡ ወተሃደራት ምብራቓዊ እዚ ንነዊሕ ዓመታት ዕረፍቲ ከምዘይወሃቡ፡ ብሰንኪ ኩነታት ኣየር እቲ ከባቢ ድማ ግዳይ ዝተፈላለዩ ሕማማት ከምዝኾኑን ከምዝሞቱን ዝፍለጥ ኮይኑ፡ በዚ ሕሱም ኣታሕዛ ዝተማረሩ ዜጋታት ድማ ብፍላይ ካብ ክ/ሰራዊት 38 ብድምሩ 14 ወተሃደራት ዑቕባ ክሓቱ ከምዝኸኣሉ ተጠቒሱ’ዩ፡፡

ኣብ ቅንያት መዓልቲ ናጽነት ስርዓት ህግደፍ ጽዑቕ ግፋን ተፍትሽን ከምዘካይድን ህዝቢ ትርጉም ናጽነት ግሉጽ ምዃን ክሳብ ዝኣብዮ ኣብ ሸቐልቀል ከም ዝጥሕልን ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ካብ ዘለዎ ሃለዋት ዝኸፍአ ከምዘየለ ብምግንዛብ ድማ እዞም ወተሃደራት ኣብ ቅንያት’ዚ ክቡር በዓል ንስደት ክወጹ ከምዝመረጹ ከምዝገለጹ’ዉን ሓቢሩ’ዩ፡፡

———————————//////////////////————————————————-

ሓሙስ 31/05/2018

3 ኣባላት ስለያ ስርዓት ህግደፍ ሕጂ’ዉን ኣብ ውሽጢ ሱዳን ከምዝተታሕዙ ይግለጽ ኣሎ፡፡

ከምሓበሬታ ስሙር ዲሞክራሲያዊ ግንባር ኤርትራ፡ ቅድሚ ዝተወሰነ መዓልታት ኣባላት ጸጥታ ሱዳን ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ኣባላት ማሕበረኮም ህግደፍ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ከኣ 3 ኣባላት ስለያ እቲ ስርዓት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ፡፡

እዞም ኣባላት ስለያ፡ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ጸረ ስለያ ቃሮራን ማህሚመትን ዝጥርነፉ ኮይኖም ካብ ፍሉይ ስለያዊ ተልእኾ ተላኢኾም ስዋኪን ምስ በጽሑ ከምዝተታሕዙን ኣብ ውሽጢ ሱዳን ክፍጽምዎ ዝተዋህቦም ተልእኾ እንታይ ከምዝነበረ ብዕሊ ክፍለጥ ከምዘይተኻእለን’ዉን ጠቒሱ’ሎ፡፡

ስርዓት ህግደፍ ንምፍታሕ ’ዞም ኣብ ስዋኪን ተኣሲሮም ዘለዉ ኣባላቱ ጻዕርታት’ኳ እንተካየደ ክሰልጦ ከምዘይከኣለ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ኤርትራን ሱዳንን ካብ ዝፈሓፋሓ ንነጀው ስርዓት ህግደፍ ናብታ ሃገር ኣባላቱ ብምልኣኽ ዘካይዶ ዘሎ ረባሺ ፈተነታት ከኣ እቲ ኩነታተ ናብ ሕማቕ ደረጃ ንክሰጋገር ዝድረኽ ከምዝኾነ ገሊጹ’ሎ፡፡

——————————-///////////////////////—————————————–

ሓሙስ 31/05/2018

ኣብ ከባቢና ዝምዕቡሉ ዘለዉ ፖለቲካዊ ምቅያያራትን ሓደስቲ ተርእዮታትን ኣብ ህዝቢ ኣዘራራቢ ዛዕባ ይኸውን ምህላዉ ተገሊጹ፡፡

ኤርትራውያን ሙሁራት፡ ከምዝሕብርዎ ኣብ ከባቢና ዝምዕብል ዘሎ ቅልጡፍ ፖለቲካዊ ምዕባለን ምቅይያራትን ብፍላይ ኣብ ኢትዮጵያ ኮነ ሱዳን ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ኣዘራራቢ እናኾነ ይመጽእ ከምዘሎ ሓቢሮም፡፡

እቲ ብጎረባብቲ ሃገራት ዝግበር ዘሎ፡ ናይ ፖለቲካ እሱራት ምፍታሕ ምሕረት ምግባር ንፖለቲካዊ ዕርቅን ሰላምን ዝወስድ ጎደና ካብ ውሽጢ ሰጊሩ ናብ ጎደቦ ዘቕንዕ ናይ ሰላም ጻዊዒት ምውሳድ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዓቢ ተስፋ ፈጢሩ’ዩ ዝበሉ እቶም ምሁራት እንተኾነ ንሰላም ቅርቡነት ዘይብሉ ስርዓት ህግደፍ ክሳብ’ዚ ሕጂ ሰዓት መልሲ ብዘይ ምሃቡ ህዝቢ ተስፍኡ ክቅህም ጌርዎ ምህላዉ’ዉን ጠቒሶም፡፡

ብፍላይ ስርዓት ህግደፍ ብጽንብል መዓልቲ ናጽነት ኣመልኪቱ መደረ ኣብ ዝገበረሉ ሰዓት ንጉዳይ ሰላም ይኹን ዘለዎ ዝምድና ምስ ጎረባብቲ ብዝምልከት ሓድሽ ፖለቲካዊ ስጉምቲ ክወስድ ብዘይ ምኽኣሉ ህዝቢ ዝነበሮ ተስፋ ኣዐርዩ ክቕህም ጌርዎ’ዩ ኢሎም፡፡

መንገዲ ሰላም መንገዲ ዕርቂ ሃገር ዘጽሕን’ዩ ህግደፍ ግን ከምኡ ዝበለ ባህርን ልምድን የብሉን ብምባል ሙሁራት ኤርትራውያንን ካልኦትን ብሓባር ብምዃን ድሌት ህዝቢ ክውን ክንገብር ኣለና ክብሉ ለበወኦም ገሊጾም፡፡

—————————————-///////////////////—————————————-

ሓሙስ 31/05/2018

ስምረት ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ድሕነት ሃገር ጨንፈር ስዊዝ 24 ግንቦት መዓልቲ ናጽነት ብክብ ዝበለ ስነስርዓት ምጽንባሎም ተሓቢሩ፡፡

ስምረት ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ድሕነት ሃገር ጨንፈር ስዊዝ 24 ጉንበት መዓልቲ ናጽነት ንቃልሲ ብሓድነት ብራኢ ንሓድነት ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ብኽብ ዝበለ ስነስርዓት ምጽንባሎም ተሓቢሩ፡፡

እቲ ጽንብል ብዝኽረ ሰማእታት ድሕሪ ምጅማር፡ ኣቦወንበር ናይቲ ጨንፈር ኣክሊሉ ዮሴፍ፡ ቃልስና ቃልሲ ወሎዶታት’ዩ፡ 24 ግንቦት ከኣ ሓደ ካብቲ ህዝቢ ኤርትራ ዘካየዶ ቃልስታት ሓደ ምዕራፍ’ዩ ብምባል እዛ ዕለት ረዛንን ታሪኽ ዝተኸፈለላ መዳርግቲ ኣልቦን’ያ ኢሉ፡፡

ነዛ ዕለት ክውንቲ ንምግባር ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሓራ መሬቱን ብሓርነቱን ብሰላም ንክነብር ኢሎም፡ ሂወቶም ዝኸፈሉ ሰማእታት ጀጋኑ ዝዝልፍን ንታሪክ ህዝቢ ኤርትራ ዘናሽውን ሓይልታት ጸረ ህዝብን ሃገርን ምዃኖም ብምግላጽ ህዝቢ ኤርትራ ዝኸፈሎ ዋጋ ነዚ ሕጂ ዝገጥሞ ዘሎ ኩነታት ከምዘይኮነ’ዉን ኣብ መወዳእታ ተገሊጹ’ዩ፡ ከም ሓበሬታ ሬድዮ ስምረት፡፡

——————————–////////////////////———————————————–

ሓሙስ 31/05/2018

ልዕሊ 1 ቢልዮን ህጻናት ዓለምና ኣብ ኣዝዩ ኣሰካፊ ኩነት ተሳጢሖም ከምዘለዉ ተገሊጹ፡፡

ማዕከን ዜና ኣልጀዚራ ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ፡ ኣብ ዓለምና ብሰንኪ ተኸሲቱ ዘሎ ሓያል ድኽነት ግርጭትን ጾታዊ ኣድልዎን ግዳይ ዝኾኑ ኣስታት 1.2 ቢልዮን ህጻናት ዓለምና፡ ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛ ኩነታት ከምዝርከቡ ሓድሽ መጽናዕቲ ትካል ኣድሕን ህጻናት ሕቡራት ሃገራት የነጽር፡፡

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝመደበሩ ትካል ኣድሕን ህጻናት save the children ብረቡዕ 30 ግንቦት ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ፡ ኣስታት 1.2 ቢልዮን ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ብሓደ ካብዞም ስግኣታት ዝተገድዑ ክኾኑ ከለዉ፡ 153 ሚልዮን ግና ግዳያት ድኽነት፡ ግርጭትን ጾታዊ ኣድልዎን ከምዝኾኑ’ዩ ኣገንዚቡ፡፡

ህጹጽ ዓለምለኻዊ ስጉምቲ ክሳብ ዘይተወሰደ ድማ፡ ሕድሕድ ሃገር፡ ኣብ ዓመተ 2015 ዝኣተወቶ መብጻዓ፡ ማለት ኣብ 2030 ዝኾነ ህጻን ብህይወቱ ክስዕርር፡ ክማሃርን ሓለዋ ክግበረሉን ዝብሉ ውጥናት ክንበጽሖም ማለት ዘበት’ዩ ክብል ላዕለዎይቲ ፈጻሚት ኣካል save the children ሄሊ ቶርኒንግ ስቺሚድት ገሊጻ፡፡

1 ቢልዮን ዝኣኽሉ ህጻናት፡ ድኽነት ኣብ ዝነገሰለን ሃገራት ዝነብሩ ኮይኖም፡ 240 ሚልዮን ኣብ ትሕቲ ግርጭት ዘለዎም መንግስታት፡ 575 ሚልዮን ደቂኣንስትዮ ድማ፡ ጾታዊ ኣድልዎ ንቡር ኣብ ዝኾነለን ሃገራት ተገዲዔን ይነብራ ምህላወን እቲ ብምኽንያት 1 ሰነ መዓልቲ ህጻናት ዓለም ኣመልኪቱ ዝወጸ ሓድሽ መጽናዕቲ ትካል ኣድሕን ህጻናት የነጽር፡፡

——————————–/////////////////////———————————————

ሓሙስ 31/05/2018

ኲናት ሕድሕድ ደቡብ ሱዳን በዚ ዘለዎ ክቕጽል ከምዘይተፍቅድ ኢትዮጵያ ገሊጻ፡፡

ከም ሓበሬታ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር፡ ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫኪር ማርዲያት ናብ ኢትዮጵያ ዑደት ስራሕ ብምግባር፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ተራኺቡ ኣብ ክልተኣውን ዞባውን  ጉዳያት ኣድሂቡ ዝተዘራረበ ኮይኑ፡ ኢትዮጵያ እዚ ሕጂ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝርአ ዘሎ ሕድሕድ ኲናት ክቕጽል ፍጹም ከምዘይተፍቅድ ገሊጹሉ፡፡

ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ነዚ ዝገለጸ፡ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ጉዳይ ዝርርብ ሰላም ደቡብ ሱዳንን፡ ኩነታት ጸጥታ ዞባናን ኣድሂቦም ድሕሪ ዘካየድዎ ዓሚቕ ዘተ’ዩ፡፡

ብሸምጋልነት በይነ መንግስታዊ በዓል ስልጣን ንልምዓት ምብራቅ ኣፍሪቃ ኢጋድ ዝካየድ ዘሎ ልዝባዊ ዝርርብ፡ ኣብ ደቡብ ሱዳን ተኸሲቱ ንዘሎ ኣዕናዊ ሕድሕድ ኵናት ደው ከብል ዘኽእል ከምዝኾነ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ስምምዕነት በጺሖም’ዮም ከም ሓበሬታ ማዕከን ዜና ፋና፡፡

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ወ/ሮ ኒኪ ሃሊ ብረቡዕ 30 ግንቦት ኣብ ዝገበረቶ ጻውዒት፡ ኣብ ደቡብ ሱዳን ሕድሕድ ኲናት ክቕጽልን ናብ ዝተጎድኡ ዜጋታት ሓገዝ ንከይበጽሕ ማሕለኻ ንዝኾኑን ተሓተቲ ውልቀ ሰባት ዓለምለኻዊ እገዳ ክግበረሎም ኣተሓሳሲባ ኣላ፡፡

ኣሜሪካ ነዛ ሓዳሽ ሃገር ደቡብ ሱዳን ዝካኣላ ሓገዝ ብምግባር ስጋብ 11 ቢልዮን ዶላር ወፍሪ ኣካይዳ’ያ ዝበለት እታ ኣምባሳደር ሕጂ ግና በዚ ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው ዓቕልና ተጸንቂቑ’ዩ ኢላ’ያ፡፡

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ሓሙስ 31 ግንቦት 2018 ኣብ ጉዳይ ደቡብ ሱዳን ኣድሂቡ ንዝቐረበ ናይ ውሳኔ ሓሳብ መርሚሩ ከጽድቅ ትጽቢት ተገይሩ’ሎ፡፡

—————————–////////////////////——————————————-

ሓሙስ 31/05/2018

ሕብረት ኤውሮጳ፡ ንሱዳን ቴክኒካዊ ሓገዝ ክገብር ድልው ምህላዉ ኣፍሊጡ፡፡

ከምሓበሬታ ሱዳን ትሪቡን፡ ላዕለዋይ መራሒ ሉኡኽ ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ሱዳን ኣቶ ጂን ሚቸል ዳሞንድ፡ ንጽላት ቁጠባ ሱዳን ቴክኒካዊ ሓገዝ ንምሃብ ሕብረት ኤውሮጳ ድልው’ዩ ክብል ገሊጹ፡፡

እቲ ኣምባሳደር ነዚ ዝገለጸ፡ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ኦሳማ ፋይሰል፡ ብሰሉስ 29 ግንቦት ተራኺቡ፡ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሱዳን ዞባውን ዓለምለኻውን ናይ ሓባር ጉዳያቶም ኣድሂቡ ኣብ ዝተዛራረበሉ እዋን’ዩ፡፡

ሚኒስተር ፋይሳል፡ ኣብ ጉዳይ ፖለቲካውን ቁጠባውን ምዕባለታት ሱዳን ኣድሂቡ ንኣምባሳደር ዳሞንድ መብርሂ ዝሃበ ኮይኑ፡ ብፍላይ ሱዳን ኣጋጢምዋ ካብ ዝነበረ ቁጠባዊ ቅልውላው ተንሳዕርር ከምዘላ ገሊጽሉ’ዩ፡፡

ንሱ ብተወሳኺ ፡ ሃገሩ፡ ኣብ ጉዳይ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ከምእትታሓባበር ብምግላጽ፡ ኩባንያታት ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ሱዳን ኣትየን ወፍሪ ክገብራ ኤውሮጳዊ ሕብረት ከበራትዐን ጸዊዑ’ዩ፡፡

ኣምባሳደር ዳይሞንድ ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ሱዳን፡ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘላቒ ሰላም ንክዓስል፡ ምስ ኢጋድ ኮይና ትጻወቶ ዘላ ግደ ኣዝዩ ከምዘድንቖ ድሕሪ ምሕባር ሕብረት ኤውሮጳ፡ ብፍላይ ኣብ መዳይ ጽገናዊ ለውጢ ፊናንስን፡ ምስፋሕ ኣዕኑድ ኣታዊታትን ማለት ግብሪ ሱዳን ቴክኒካዊ ሓገዛት ክገብር ሙሉእ ድሌት ኣለዎ ኢሉ’ዩ፡፡

ኣብ ዝሓለፉ ሳምንታት ፡ ኣብታ ሃገር ምብጻሕ ዘካየደ ልኡኽ ባንኪ ዓለም’ዉን ሱዳን ተርእዮ ንዘላ ፖለቲካውን ቁጠባውን ምምሕያሻት ብምናኣድ፡ ቴክኒካዊ ሓገዛት ክገብረላ ምዃኑ ቃል ምእታው ይፍለጥ፡፡

———————————///////////////////———————————————–

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here