ዝርዝር ዜና 31-07-2017

0
796

ኩነታት ሃገር ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናኸፍአ ይመጽእ ከምዘሎ ተረጋጊጹ፡፡

ምንጭታት ወጋሕታ ከምዝሓበሩልና ህዝቢ ኤርትራ ከምዚ’ዩ ኢልካ መግለጺ ክትረኽበሉ ኣብ ዘይትኽእል ሕማቕ ኩነታት ወዲቑ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ እዚ ከኣ ሕጂ’ዉን ይቕጽል ከምዘሎን ኣብ ኩሉ ጽላት ሕማቕ ከምዘሎን ተፈሊጡ’ሎ፡፡

ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ ኣብ ገጠራት ሬሳ መቕበሪ ጉድጓድ ዝኹዕት ሰብ ተሳኢኑ፡ ኣረጋውያን ዘልዕሎም ስኢኖም፡ ጠበንጃ ተዓጢቑ ማይ ወይ ላምባ ክደሊ ዝውዕል ሰብ በዚሑ ዝብሉ ዘረባታት በየኹርንዑ ብተደጋጋሚ ዝስማዕ ዘሎ ሓቅታት ምዃኑ ዝገለጹ ምንጭታት ካብ ወጻኢ ዝመጹ ገለ ኤርትራውያን ብምምጽኦም ሕማቕ ከምዝተሰምዖም ገሊጾም፡፡

ኣብዚ ቀረባ እዋናት ኣብ ወጻኢ ዝነብር ኤርትራዊ ናብ ኤርትራ ኣብ ዝገሸሉ እዋን ሕማቕ ኩነታት ከም ዝተዓዘበን ወላዲኡ ኣብ ዘለዎ ኮይኑ ንፍትሒ ክቃለስ ጸቕጢ ከምዝገበሩሉን ዝገለጹ ምንጭታትና እቲ ህዝቢ’ዉን ፍትሒ ክርከብ እንተኾይኑ ቃልሲ ክህሉ ከምዘለዎ ተረዲእዎ ከምዘሎን ኣነጺሮም፡፡

————————————-/////////////////——————-

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

ሰኑይ 31/07/2017

ካብ ኤርትራ ከምዝተበገሰት ዝተነግረላ ሓንቲ መርከብ ውግእ ኢማራት ዓረብ ብሓይልታት ሑቲ ተጠቒዓ።

ካብ ኤርትራ ከምዝተበገሰት ዝተነግረላ ዋንነታ ናይ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝኾነት መርከብ ኲናት፡ ብሓይልታት ሑቲ ናይ የመን መጥቃዕቲ ከምዝወረዳ ኣሶሼትድ ፕረስ ገሊጹ።

እታ ናይ ውግእ መርከብ ብዕለት 29 /2017 ካብ ከባቢታት ወደብ ዓሰብ ከም ዝተበገሰት ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ ኣብ ክፋል ማያዊ ዶባት የመን ኣብ ዝቀረበትሉ እዋን፡ ካብ ሓይልታት ሑቲ ብዝተፈነወላ መጥቃዕቲ ከምእተወቅዐት ኣፍሊጡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ክሳብ ሕጂ ሰበስልጣን ሑቲ፡ ኣብ ልዕሊ እታ ወተሃደራዊ ኣጽዋር ጽዒና ካብ ወደብ ዓሰብ ዝተበገሰት ናይ ውግእ መርከብ ዝወረደ ዕንወት ክሳብ ክንደይ ምዃኑ ግና ኣየነጸሩን ዘለው።

ኣብዚ ዓመት’ዚ ጥራይ ብስዑዲ ዓረብን መሻርኽታን ዝውነና መራኽብ ኲናት ፡ ካብ ወደብ ዓሰብ ተበጊሰን ናብ የመን ክኣትዋ ኣብ ዝነበራሉ እዋን መጥቃዕቲ ዝተፈጸመለን እዚ ንሳልሳይ እዋኑ ምዃኑ ሑቲ ዝዘርገሖ  ሓበሬታ የመልክት።

——————————–////////////////——————-

 

 

 

 

 

 

 

 

ሰኑይ 31/07/2017

ደምበ ተቓውሞ ኣብ ሃገርና ምስ ዘሎ ኩነታት ዝመጣጠን መድረኽ ለውጢ ንክፈጥሩ ለበዋ ቀሪቡ፡፡

ካብ 24 ክሳብ 29 ሓምለ 2017 3 ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ቤትጽሕፈቱ ዘካየደ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ኤርትራውያን ደምበ ተቓውሞ ምስ ናይ ሃገርና ኩነታት ዝመጣጠንን ነዚ ዘሎ መድረኽ’ዉን ዝተዓጸፎን ናይ ለውጢ መድረኽ ክፈጥሩ ተላብዩ፡፡

ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኣባላትን ደለይቲ ለውጢ ደምበ ተቓውሞን ሽርሓዊ መሓውራት ህግደፍ ንምቑጻይ ምቅላስ እቲ ቀንዲ ረቋሒ ምዃኑ ዝገለጸ ናህዳ ኤርትራ ኩሎም ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዲሞክራሲያዊት ኤርትራ ንምህናጽ ኣብ ጎኒ ህዝቢ ኤርትራ ደው ክብሉ’ዉን ጸዊዑ፡፡

ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ንዲሞክራሲያዊ ተጋድሎ እቲ ሰልፊ ክድግፉን ነዚ ዘሎ ኩነታት ሃገር ኣብ ግምት ኣእትዮም ድማ ንህዝቦም ፍሉይ ቆላሕታ ክገብሩን ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ተማሕጺኑ’ዩ፡፡

———————————////////////////////——————–

 

 

 

 

 

 

 

 

 

ሰኑይ 31/07/2017

ካቢነ ደቡብ ሱዳን ብመዳይ ምክልኻል ምስ ኢትዮጵያ ሓቢርካ ንምስራሕ ዝተበጽሐ ስምምዕ  ኣጽዲቑ።

ደቡብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብ መዳያት ምክልኻል ሓቢረን ክሰርሓን ክተሓጋገዛን ኣብ ስምምዕ ዝበጽሓ ኮይነን ካቢነ ደቡብ ሱዳን ድማ ነቲ  ዝተበጽሐ ስምምዕ ኣጽዲቑዎ’ሎ።

ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት 2017 ክልቲአን ኣብ ብርክት ዝበለ ጽላታት ሓቢረን ንምስራሕ ከም ዝተሰማምዓ ዝጠቐሰ ሚኒስተር ሓበሬታ እታ ሃገር ሚካኤል ማኩዌ’ዪ፡ ጉዳይ ምክልኻል ድማ ሓደ ካብቲ ስምምዓት’ዩ ክብል ኣነጺሩ።

ብመሰረት ሓበሬታ እቲ ደቡብ ሱዳናዊ ሚኒስተር፡ ምውሓስ ሰላም ኣብ ዶባት ክልቲአን ሃገራት ካብ ቀንዲ ሕመረት ምትሕግጋዝ እተን ሃገራት’ዩ ተባሂሉ’ሎ።

ትሕተ ቅርጻ፡ ወፍርን ንግድን’ውን ካልኦት እተን ሃገራት ተሓባቢረን ክሰርሓሉ ዝተሰማማዓሉ ጽላት ምዃኑ’ዩ ተገሊጹ ዘሎ።

———————————///////////—————————-

 

 

 

 

 

 

 

 

 

ሰኑይ 31/07/2017

ኣውስትራልያ ኣብ ልዕሊ ነፋሪት ሽበራዊ መጥቃዕቲ ክፍጽሙ ሓሲቦም ንዝበለቶም ጥርጡራት ኣብ ቀይዲ ኣውዒላ።

መንግስቲ ኣውስትራልያ ኣብ ልዕሊ ነፋሪታ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ንምብጻሕ ኣብ ምቅርራብ ነይሮም ንዝበሎም ኣርባዕተ ጥርጡራት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣውዒለ ምባሉ ቢቢሲ ጸብጺቡ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራልያ ማልኮልም ቱሩምቡል ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቶም ጥርጡራት ኣሸበርቲ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ዝኣተው፡ ሓይሊ ዕማም ጸረ ግብረሽበራን ፖሊስ እታ ሃገርን ኣብ ዘካየዱዎ ልፍንታዊ ወፍሪ’ዩ ክብል ገሊጹ።

እቲ ነቶም ጥርጡራት ኣብ ቀይዲ ዘውዓለ ሓይሊ ዕማም ብተርኡ ንመፈብረኺ ነቶጉቲ ዝኸውን ጥረ ነገራት ኣብ ኢድ እቶም ጥርጡራት ከም ዝረኸበ ኣፍሊጡ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ማልኮልም ኣብ መግለጺኡ፡ ንሓይሊ ዕማም ሃገሩ ድሕሪ ምንኣድ ድሕነት መጓዓዝያን ተጓዓዝትን ንምሕላው ከምዚ ዓይነት ስርሒት ቀጻልነት ከም ዝህሉዎ ኣነጺሩ።

—————————–///////////////————————-

 

 

 

 

 

 

 

NO COMMENTS

LEAVE A REPLY