ዝርዝር ዜና 31-08-2017

0
171

ስርዓት ህግደፍ ስርዓተ ትምህርቲ ሃገርና ንምርማስ ሕጂ’ውን ኣበርቲዑ ይሰርሕ ኣሎ፡፡

ፖሊሲ ምምሃርን ምስትምሃርን ሃገርና  ጉጅለ ህግደፍ  ብዘተኣታተዎ ዓንቃፊ ፖሊሲ ካብ ዓመት ናብ ዓመት እናንቆልቆለ ከምዝኸደ ዝፍለጥ ኮይኑ ሕጂ ድማ ነቲ ተሪፉ ዘሎ ህላዊኡ ትሕቲ መሬት ንምቕባር ኣበርቲዑ ይሰርሕ ኣሎ ከም ሓበሬታ ምንጭታትና፡፡

ብመሰረት’ቲ ዝመጸና ሓበሬታ ስርዓት ህግደፍ ኣብዚ ዝተዛዘመ ዓመተ ትምህርቲ ተማሃራይ ክተርፍ የብሉን ዝብል ፖሊሲ ብምትእትታው ኩሎም ተማሃሮ ናብ ዝቕጽል ክፍሊ ክሓልፉ ዝገበረ ኮይኑ፡ እዚ ድማ ነቲ ምውርራስ ፍልጠት ከምዝቐትሎ ድሕሪ ምግላጽ እቲ ድሌቱ ግን ኣብ መሳርዕ ኣጋጢምዎ ንዘሎ ዋሕዲ ሰራዊት ንምዕባስ ከም ዝኾነ’ዩ ኣነጺሩ፡፡

እዚ ኣብ መባእታ ይኹን ማእከላይ ደረጃ ብሓፈሻ ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ከኣ ብፍላይ ዝመሃሩ ዘለዉ ተማሃሮ ክፍሊ ከይደግሙ ዝግበረሉ ዘሎ ምኽንያት ዘዝጎቦዙ ተማሃሮ ናብ ታዕሊም ንምውሳድ ኮይኑ፡ ብፍላይ እቲ ኣብ ትምህርቲ ዝውዕል ተማሃራይ ውሽጣዊ ቅሳነትን ድሌትን ስለዘይብሉ ኣብ ተፈጥሮኣዊ ይኹን ማሕበራዊ ዓውዲ ትምህርቲ ሓቲትካዮ ዝምልስ ከምዘየለ ’ውን ኣነጺሮም፡፡

ተማሃራይ ብውነ ከይተማህረን ከየጽንዐን ካብ ክፍሊ ናብ ክፍሊ ክሓልፍ ምግባሩ ከኣ በንጻሩ ንምድንቛር ዝዓለመ ብምዃኑ ኣብቶም ዝርካቦም ሓደ 2ተማሃሮ ሕማቕ ጽልዋ የሕድር ከምዘሎ ምንጭታትና ኣረጋጊጾም ኣለዉ፡፡

እዚ ከምዚሉ ከሎ፡ ናብርኦም ክመርሕሉ ዘኽእሎም መሃያ ዝሰኣኑ መምሃራን በብእዋኑ ብብዝሒ ናብ ስደት ዝውሕዙ ዘለዉ ኮይኖም፡ ንቦትኦም ንምትካእ ድማ ስርዓት ህግደፍ 10 ክፍሊ ዝወድኡ ተማሃሮ ብኣስገዳድ እናስሓበ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ትምህርቲ ሒዞም ክምህሩ የገድዶም ከምዘሎ ዘረጋገጹ ምንጭታትና፡ እዚ ከኣ ምንጪ ጭንቀት ስለዝኾኖም ገገዲፎሞ ንስደት ይወጹ ከምዘለዉ ኣብሪሆም፡፡

ስርዓተ ትምህርቲ ሃገርና ካብ ካልእ እዋን ንላዕሊ ኣዝዩ ጋሕሚጡ ብምህላው ፍልጠት ቐሲሞም ናብ ክፍሊ ካብ ዝሓልፉ ክፍሊ ዝደግሙ ተማሃሮ ክፍጠሩ ቀሲቡ ከምዘሎ ብተደጋጋሚ ምግላጽና ይዝከር፡፡

 ሓሙስ 31/08/2017

ብኩባንያታት ዕደና ካብ ቢሻ ተዓዲጉ ናብ ስዊዘርላንድ ዝኣተወ ወርቂ ልዑል መኽሰብ ክርከቦ ጸኒሑ ተባሂሉ፡፡

ንምስጢራት ንግዲ ማዕድናት ኤርትራ ዘቓልዐ SRF1 ዝተባህለ መደብር ተሌቪዥን ስዊዝ፡ ብኩባንያታት ዕደና ካብ ቢሻ ተዓዲጉ ናብ ስዊዘርላንድ ዝኣተወሞ ዳግማይ ተጻርዩን ተመሰሪሑን ናብ መኽዘናት ባንክ ስዊዘርላንድ ዝኣተወ ወርቂ ልዑል መጠን ኣታዊ ይርከቦ’ሎ፡፡

እቲ ካብ 2011 ክሳብ 2013 ኣብ ዝነበረ ዓመታት ብሕቡእ ክግበር ዝጸንሐ ንግዲ 22ቶን ዝተረኸቦ ኮይኑ ልዕሊ 400 ሚሊዮን ፍራንክ ዝግመት ብዝተፈላለያ ኩባንያታት ስዊዘርላንድ ከምዝተዓደገን ካብቲ ወርቂ ዳግማይ ተጻርዩ ዝተረኽበ ልዑል መኽሰብ ድማ ኣብ ባንክታት ስዊዝ ክኽዘን ከም ዝጸንሐን እቲ ሓበሬታ ገሊጹ’ሎ፡፡

እዚ ከምዚሉ ከሎ ቀንዲ ምንጪ ሃብቱ ወርቂ ቢሻ ጌሩ ዘሎ ባንክ ስዊዝ ኣብ ሓጺር ግዜ ልዑል ብርኪ ካብ ዝውንና ኩባንያታት ክኸውን ኣብቒዕዎ’ሎ፡፡

ባንክታት ስዊዝ ምስ ጉጀለ ህግደፍ ክገብርኦ ዝጸንሓ ምስጢራዊ ንግዲ ነዊሕ ስረት ዘለዎ ምዃኑ ’ውን ተፈሊጡ፡፡

ቅድሚ ዝተወሰነ እዋናት ላዕለዎት ስርዓት ህግደፍ ብስም 32 ኤርትራውያን ዝተመዝገበ 690 ሚሊዮን ዶላር ኣብ HSBC ባንክ ከምዝዓቖሩ ገሊጽና ምንባርና ይዝከር፡፡

—————————————/////////////////————————————–

 ሓሙስ 31/08/2017

መላኺ ጉጅለ ህግደፍ ንባህልን ልምድን ህዝቢ ኤርትራ ሕጂ’ውን ይብርዞ ኣሎ ተባሂሉ፡፡

ምንጭታት ሬድዮ ወጋሕታ ኣብ ዝለኣኽዎ ሓበሬታ፡ ስርዓት ህግደፍ ነቲ ቡሉጽ ባህልን ልምድን ህዝቢ ኤርትራ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናበረዞ ይመጽእ ከም ዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ ሕጂ ’ውን ኣብ ልዕሊ መቓብር ዝሞቱ ዜጋታት መስቀል ንኸይግበሩ ኣዚዙ’ሎ፡፡

መላኺ ኢሳይያስ ነቲ ዘይተለመደ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፍጸም ዘሎ ዓቕሊጽበታዊ ተግባር፡ ነቲ ሃገርን ህዝብን ንምብራስ ተዓጢቑ ዝሰርሓሉ ዘሎ ውዲት መቐጸልታኡ’ዩ ክብሉ ኣነጺሮም፡፡

ጉጅለ ህግደፍ ቅድም ክብል ህዝቢ ኣብ ዝኣመነሉ ቦታ ኮይኑ ብዘይፍቓዱ ምህለላ ከይገብር ንኣመንቲ ሙስልምናን ክርስትናንን ትእዛዝ ኣውሪዱ ምንባሩ ዝፍለጥ’ዩ፡፡

—————————————/////////////////————————————–

 ሓሙስ 31/08/2017

ኣህጉራዊ መዓልቲ ሃለዋቶም ዝጠፍኡ ጋዜጠኛታት ብደረጃ ዓለም ተዘኪሩ፡፡

ኣብ ፓሪስ ዝመደበሩ ኣህጉራዊ ትካል ጋዜጠኛታት ብዘይ ዶብ ን30 ነሓሰ ኣህጉራዊ መዓልቲ ሃለዋቶም ዝጠፍኡ ጋዜጠኛታት ዝርከብዎም እሱራት ብደረጃ ዓለም ዘኪርዋ ውዒሉ፡፡

ኣብ ኤርትራ ኣብ መስከረም 2001 ብጃምላ ዝተኣሰሩ ኣዳለውትን ጋዜጠኛታት ብሕታውያን ጋዜጣታትን ዝርከብዎም 10ታት ሰባት ሃለዋቶም ከምዝጠፍአ ዘዘኻኸረ እቲ ኣህጉራዊ ትካል ጉጅለ ህግደፍ ነዞም ንልዕሊ 15 ዓመታት ኣሲሩዎም ዝርከብ ኤርትራውያን፡ ንስድራቤቶም ኮነ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ብዛዕባ ሃለዋቶም ምሕባር ሓንጊዱ ከምዘሎ’ዉን ጠቒሱ፡፡

ሓያሎ ካብዞም ንነዊሕ ዓመታት ብሕማቕ ኣተሓሕዛ ክሳቐዩ ዝጸንሑ ኤርትራውያን፡ ሞይቶም ክኾኑ ከምዝኽእሉ’ዉን ብተደጋጋሚ እናተገለጸ ጸኒሑ’ዩ፡፡

—————————————/////////////////————————————–

 ሓሙስ 31/08/2017

ዕላማ ባሕቲ መስከረም ንዝጠለሙ ግቡእ መቕጻዕቶም ክቕበሉ ክንረባረብ ከምዝግባእ ጻውዒት ቀሪቡ፡፡

ባሕቲ መስከረም ንምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ሰረት ዘንጸፈት ብምዃና ነቲ ቆጽሊ ህዝቢ ዘይተነብሮ ስልጣን ገቢቱ እልቢ ዘይብሉ ግፍዕታት ዘውርድ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ኣሊና ሩፍታ ንረኽበላ ወርሒ ክትከውን ኩላትና ኤርትራውያን ክንረባረብ ኣለና ክብሉ ግዱሳት ሓቢሮም፡፡

እቲ ንዓመታት ብዝተፈላለዩ ባዕዳውያን ዝላደየ ህዝቢ ሰሚሩን ተዋሃሂዱን ቃልሲ ስለዘካየደ ናጽነቱ ክጎናጸፍ ክኢሉ’ዩ ዝበሉ’ቶም ግዱሳት ሕጂ ድማ ንዝመሽመሸን ዝቦኽቦኸን ስርዓት ህግደፍ ንምእላይ ውህደት ፈጢርና ራህዋና ከነቃላጥፍ ኣለና ኢሎም፡፡

እቶም ግዱሳት ብተወሳኺ ነዛ ብበረኻዊ ኣገዛዝኣ ህግደፋውያን ትበርስ ዘላ ሃገር ንክትድሕንን፡ ህዝቢ ድማ ዝተጨወየ ሓርነት ንከምልሶን ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ቃልሱ ከሐይልን ክሰምርን ኣለዎ ኢሎም፡፡

—————————————///////////////——————————————-

 ሓሙስ 31/08/2017

ብሩንዲ 1800 ወተሃደራት ናብ ሶማልያ ልኢኻ፡፡

ብሩንዲ ኣብ ሶማልያ ተዋፊሩ ኣልሸባብ ኣብ ምህዳን ንዝርከብ ሰራዊት ዓቃቢ ሰላም ኣፍሪቃዊ ሕብረት፡ ኣሚሶም ዝሕግዙ ልዕሊ 1800 ወተሃደራታ ናብ ሶማልያ ከም ዝለኣኸት ኣገልግሎት ዜና ዥንዋ ገሊጹ፡፡

ብመሰረት ሓበሬታ ዥንዋ፡ ብሩንዲ ሓንቲ ካብተን ንኣሚሶም ዝበዝሐ ሰራዊት ዘበርከታ ሃገራት ኮይና፡ ካብ ዓመተ 2007 ጀሚራ ክሳብ ሕጂ ናብ ኣሚሶም ናይ ዘበርከቶም ወተሃደራት ቁጽሪ ልዕሊ 5000 በጺሑ ’ሎ፡፡

እዞም ሕጂ ብሩንዲ ዝለኣኸቶም ወተሃደራት ኣብ ትሕቲ ኣሚሶም ተልእኾኦም ክፍጽሙ ንዝጸንሑ ወተሃደራታ ዝትክኡ’ዮም ተባሂሉ’ሎ፡፡

—————————————/////////////////————————————–

 ሓሙስ 31/08/2017

ዒራቕን ዮርዳኖስን ዓጽየንኦ ዝጸንሓ ዶባተን ዳግም ከፊተነኦ፡፡

ካራሚል ቱራቢል ኣብ ዝተባህለ ንክልቲኤን ሃገራት ዘዳውብ ቦታ ኣሸባሪ ጉጅለ ዳዕሽ ሰፊሩ ምንባሩ ስዒቡ ዒራቕን ዮርዳኖስን ዶባተን ዓጽየን ምጽንሐን ዝፍለጥ ኮይኑ ሕጂ ግና ዳግም ከም ዝኸፈተኦ ማዕከን ሓበሬታ ABC news ጸብጺቡ፡፡

ምኽፋት እዚ ዶብ ኣብቲ ከባቢ ተፈጢሩ ንዝነበረ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ ኣብ ምፍታሕ ዝለዓለ ተራ ዝጻወት ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ ተቛሪጹ ንዝጸንሐ ንግዳዊ ርክብ እተን ሃገራት ኣብ ምቕጻል’ውን ሓጋዚ’ዩ ተባሂሉ’ሎ፡፡

ኣሸባሪ ጉጅለ ዳዒሽ ነቲ ከባቢ ምቁጽጻሩ ዕንቅፋት ኮይኑ ምጽንሑ ዝጠቐሰ ኤቢሲ፡ መንግስቲ ዒራቕ ምስ ሓይልታት ኣሜሪካ ተላፊኑ ድሕሪ ዘካየዶ ወፍሪ ግን እቲ ኣሸባሪ ከምዝተጸረገ ኣፍሊጡ፡፡

ኣብ ስነ ስርዓት ምኽፋት እቲ ዶብ ሰበስልጣን ክልቲኤን ሃገራት ዝተረኽቡ ኮይኖም፡ ንኩለመዳያዊ ርክብ እተን ሃገራት ዳግማይ ከምዝሳዕረረ ኣበሲሮም’ዮም፡፡

—————————————/////////////////————————————–

 

NO COMMENTS

LEAVE A REPLY