ዝግምገም ሃገራዊ መደባት ዘይብሉ ህግደፍ: ፌስቲቫል ይግምግም

0
333

ብኣረፋይነ እልፉ

እዚ ቅንያት’ዚ፡ ከተማ ኣስመራ ብፍርያት በለስን ካልእ ሸዊትን ፍሉይ ግርማ እትለብሰሉ፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ሓያል ዝናብ ኣብቂዑ ጀለምታ ዝናብ ነሓሰ ጀበብ ዝብለሉ ቅንያት እዩ፡፡ እዚ ግሩም ወቕቲ’ዚ ግን፡ በቲ ’ፌስቲቫል’ እናተባህለ ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ነጋሪት ዝህረመሉ ናይ ቅጥፈትን ስርቅን ዳንኬራ ካብ ዝድወንን ዝብለልን ሓያለ ዓመታት ኣቑጺሩ ኣሎ፡፡

ኣብ ሃገርና፡ ንዝሞተ ሰብ ሕሩድን ሜስን ኣዳሊኻ ምዝካር ልሙድ’ዩ ዝነበረ፡፡ ስርዓት ህግደፍ ግን፡ ነታ ሃገር ካብ ዝተረከበላ ሰዓት ጀሚሩ ነዚ ልምዲ’ዚ፡ ጎዳኢ ባህሊ፡ ትርጉም ዘይብሉ ናይ ማል ክሳራ ወዘተ…. ብምባል ከልኪልዎ፡፡ ከም ሳዕቤኑ ከኣ፡ ተዝካር ዝገበረት ስድራ ከቢድ መቕጻዕቲ እዩ ዝብየነላ፡፡ እዚ ግን ብዙሕ ኣይመዛረበን፡፡ የግዳስ፡ ንስድራቤታት ተዝካር ኣይትግበሩ ኢልካ፡ ንባዕልኻ፡ ከም መንግስቲ፡ ሰፊሕ ሃገራዊ ተዝካርን ዳንኬራን ምግባር ደኣ፡፡

ፌስቲቫል ቀጽሪ ኤክስፖ፡ ሰፊሕ ሃገራዊ ተዝካር ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእ መግለጺ ዝርከቦ ኣይኮነን፡፡ ሃገር ቀቲልካ፡ ኣብ ልዕሊ ከርሳ ዝህረም ከበሮን ዝኹደድ ትልሂትን እሞ ካብ ተዝካር ሓሊፉ ካልእ እንታይ ክበሃል ይከኣል?

እዚ  ኣብ ልዕሊ’ታ ባዕሉ ዝቐተላ ሃገር ኮይኑ ህይወት ዘለዎ ዝመስሎ ዘሎ ግስሩጥ ስርዓት፡ ብዘይካ ንጉጅለኻን ንውልቕኻን፡ ካብኡ ንዝዓበየ ካልእ ዓበይቲ ሃገራዊ ጉዳያት ናይ ምሕሳብ ባህርይ ኣይተዓደሎን፡፡ ህዝብን ሃገርን ናብ ገደል እናኣተወ እንከሎ፡ ነቲ ጉጅለ ዘገልግል ሳናቲም ዝእከበሉን ዕድሜኡ ዘናውሕን ዳንኬራታት እናወደብካ፡ ህዝቢ እዋናዊ ሽግራቱን ጉዳያቱን ከይዝክር ዓፊንካ፡ ኣብ መቓብር ስውኣቱን  ሃገሩን ክስዕስዕ ተገድዶ፡፡

ኣብ ፌስቲቫል ኤክስፖ፡ ሽዱሽቲአን ዞባታት ዘለወን ያታዊ መሳርሒታትን ቅርስታትን ዓመት ዓመት ከገዓዕዛ ረብሪበን እየን፡፡ ኩሉ’ቲ ኣብኡ ዝቐርብ ባህላዊ ንዋትን ጸወታታትን፡ ዝኾነ ይኹን ለውጢ ዘይብሉ ንልዕሊ 20 ዓመታት ዝቐረበ እዩ፡፡ አረ ገሊኡስ ብምሒር ምምልላስን ገልታዕታዕን ከቢድ ናይ እርጋን ሓደጋ ዘንጸላለዎ እዩ፡፡ ሓንቲ ዘይኣረገት ዘላ፡ እታ ’እምኒ ሓይሊ’ እትበሃል ዓባይ ደንጎላ ጥራይ እያ፡፡ ክፍሊ ባህላዊ ጉዳያት ህግደፍ ሓቂ እንተዝህልዎ፡ ነዚ ካብ ምሉእ ሃገር ክረምቲ ክረምቲ ናብ ኤክስፖ፡ መስቀል ክበርቕ ከሎ ከኣ ነናብ ዝመጸሉ ዞባታት ክመላለስ መሃነኑ ጠፊእዎ ዘሎ ባህላዊ ነዋትን ያታዊ መሳርሒታትን/ዝበዝሕ ናውቲ ማእቶት እዩ/፡ ሰፊሕ ቤተመዘክር ሃኒጹ ብግቡእ ምዓቀቦ ነይሩ፡፡ እዚ ግን፡ ነቲ ስርዓት ዘየገለግል ናይ ውርዙያት ስራሕ ስለዝኾነ፡ ይትረፍ ክትግበርሲ ክሕሰብ’ዉን ኣይተደልየን፡፡

ካልእ ዝዓበየ ትሕዝቶ ናይቲ ዳንኬራ፡ ጓይላ እዩ፡፡ ኣብቲ ቀጽሪ ዝስለፍ ክራራትን ከበሮታትን እንተቖጺሩ፡ ካብ ቁጽሪ ትካላት ናይቲ ቀጽሪ ከይበዝሐ ኣይተርፍን እዩ፡፡ ማእለያ ዘይብለን ጉጅለታት ተጸጋጊዐን ነናተን ጓይላ ስለዝገብራ፡ ዋላ ጓይላ ዝፈቱ ሰብ’ውን ፈልዩ ዝሰምዖ ወይ ዘስተማቕሮ ነገር የለን፡፡ ኣእዛንካ ዝቐድድ ዝተሓዋወሰ ድምጺ ጥራይ እዩ ዝቃላሕ፡፡ እዚ እዩ እምበኣር እቲ ቀንዲ ተደላይ ነገር፡፡ ንሰባት ሰሚዖምዎ ብዘይፈልጡ ሃዋኺ ድምጺ ወይ ብሓድሽ ፋሽን ዝተኣንፈተ ረብሓ ጌርካ ተደንቁሮም እሞ፡ ደሓር ነቲ ረብሻ ካልእ ሃገራዊ ረብሓ ከምዘለዎ ኣምሲልካ ሰፊሕ ናይ መራኸቢ ብዙሓን ሸፈነ ትህቦ፡፡ በዚ ከኣ፡ ዋላ ነቲ ኣብኡ ዘሎ ሰብ እንተዘየጋገኻዮ፡ ነቲ ብርሑቕ ዝሰምዕ ግን ብቐሊሉ ተተዓሻሽዎ ማለት እዩ፡፡ ፌስቲቫል ኤክስፖ ብኣገላልጻ ህግደፋውያን፡ መግለጺ መንነት ኤርትራውያን፡ ታሪኽን ባህልን ኤርትራ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝወራረሰሉ መድረኽ፡ ምልእቲ ኤርትራ ኣብ ሓንቲ ቀጽሪ ትውከለሉ ኣጋጣሚ፡ መንእሰያት ዝኹስኮስሉ ቅንያት፡ ሓድነትን ስኒትን ኤርትራውያን ዝንጸባረቕሉን ክብርታቶም ዝዕቀብሉን ዓቢይ ሃገራዊ ጉዳይ’ዩ፡፡ እዚ ፍጹም ካብ ሓቂ ዝረሓቐን ምስ ክውንንት ዘይቃዶን እኳ እንተኾነ፡ማዕከናት ዜና ህግደፍ ግን መዓልታዊ ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ዝደጋግምኦ ሃለውለው እዩ፡፡ በዚ ከኣ፡ ንገለ ክፋል ኣእምሮ ናይ ሰባት ገዚእካ፡ ናይ ስልጣን ዕድሜኻ ንምንዋሕ ገለ ሓገዝ ትረክብ ማለት እዩ፡፡

እቲ ካልእ ድጉል ዕላማ ናይ ፌስቲቫል ከኣ፡ ብወጮ ናይ ሓድነትን ሃገራዊ ስኒትን ተጎልቢብካ፡ ረሃጽ ድኻታት ዜጋታት ምግሓጥ እዩ፡፡ ኣብ ውሽጢ ቀጽሪ ኤክስፖ ዝርከብ ባዶ ቦታታት ኣብ እዋን ፌስቲቫል ብምሉኡ ንወሃብቲ ኣገልግሎት ትካላት እዩ ዝካረ፡፡ መጠን ናይቲ ክራይ ንሰማዒ ዘርምም’ዩ፡፡ ሓንቲ ትርብዒት ሜትሮ ልዕሊ 10 ሽሕ ናቕፋ እያ ትካረ፡፡ ሓደ ሽዱሽተ ትርብዒት ሜትሮ ተኻርዩ ቴንዳ ዝተኸለ፡ እንበቲቶን በለስን ዝሸይጥ ሰብ ን10 መዓልታት 60 ሽሕ ናቕፋ ይኸፍል ማለት እዩ፡፡ ከም ውጽኢት ናይዚ ከኣ ዋጋታት መግብን ቆሎ ጥጥቖን ኣዝዩ ክቡር እዩ፡፡ ህጻናት ደቆም ከዘናግዑ ዝመጹ ብዙሓት ወለዲ፡ ኣብ ገዝኦም መግቢ ኣዳልዮም ብስልጣንያ ሒዞም ክመጹ ምርኣይ እምበኣር ብዙሕ ዝገርም ኣይነበረን፡፡ እዚ ምዝመዛ’ዚ፡ ነቲ ንነፍሲ ወከፍ ናብቲ ቀጽሪ ዝኣቱ ሰብ ዘኽፍልዎ ናይ ትኬት ኣታዊ ኣብ ግምት ከየእተኻ እዩ፡፡

ህዝቢ ግን ዓመት መጸት ኣብቲ ቀጽሪ ዘለዎ መረረ ብግልጺ ካብ ምዝራብ ዓዲ ውዒሉ ኣይፈልጥን፡፡ ’’ክሳብ ንግድን ፌስቲቫልን ፍልልዩ ምርዳእ ኣብዩና’’ ዝተባህለሉ እዋን ነይሩ፡፡ ኣብ መወዳእታ ከኣ፡ ፌስቲቫል ህጸናት ቆልዑ ንምዝንጋዕ ኢልካ እትኸዶ መዋእለ ህጻናት እናኾነ ከይዱ፡፡ ኣብዚ ናይ መወዳእታ ኣርባዕተ – ሓሙሽተ ዓመት፡ ነቶም ደቆም ከጻውቱ ስልጣኔኦም ሒዞም ዝኸዱ ወለዲ ገዲፍካ፡ ፌስቲቫል ብመንእሰያትን ዓበይትን ዳርጋ ተፈንፊኑ እዩ ነይሩ እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን፡፡ ካልእ ህይወት ናይታ ሃገርን ህዝብን ዕጥጥ ከይበሎም፡ ን10 መዓልታት ፍንጥሪዕ ዝብሉ ዝነበሩ፡ እቶም ኣብ ወጻኢ ሃገራት በቲ ስርዓት ተሰቢኾም ዝተመልመሉ ’መንእሰያት ህግደፍ’ ዝበሃሉ ናይ ዳያስፖራ ካድራት ጥራይ እዮም ነይሮም፡፡ እዚኣቶም’ዉን ከም ቀደሞም ክረምቲ ክረምቲ ናብ ኤርትራ ምምጻእ ዝተመነዎም እዮም ዝመስሉ፡፡ እዚኣቶም፡ ቀንዲ ምንጪ ስእሊ ተሌቪዥን ህግደፍ ዝነበሩ እዮም፡፡ ናታቶም ካብ ፌስቲቫል ምብኳር ወይ ምዝሕታል ማለት ከኣ፡ ማዕከናት ዜና ናይቲ ስርዓት ብጎረርአን ተታሒዘን ማለት’ዩ፡፡ ስለዚ ሓደ ነገር ክሕሰብ ኣለዎ፡፡ እቲ ፌስቲቫል ዝተወጠነሉ ዕላማ ኣተሓሳስባ ናይ ሰባት ምድንጋርን ገንዘብ ህዝቢ ምምንጣልን ብግቡእ ይወቅዕ ኣሎዶ የለን ዓመት ዓመት ብደቂቕ ክከታተሎ ዝጸንሐ ጉጅለ ህግደፍ ሎምዘበን ሓድሽ ቃና ኣምጺኡ ኣሎ፡፡ ዘይከም ናይ ቀደም፡ ሎምዘበን እቲ ፌስቲቫል ንሰለስተ መዓልታት ማለት፡ ካብ 18 ክሳብ 20 ነሓሰ ጥራይ እዩ ክካየድ፡፡ ብመሰረት መግለጺ ኣቦመንበር ኣዋሃሃዲ ሽማግለ በዓላት ፡ እቲ ምኽንያት ፡ ዝሓለፈ ፌስቲቫላት ብግቡእ ተገምጊሙ፡ ንዝመጽእ ብሓድሽ መልክዕ ክውደብን ክካየድን ስለዝተደልየ እዩ፡፡ እንታይ ዓይነት ገምጋም ተገይሩ፡ ንዓመታ እንታይ ዓይነት ፌስቲቫል ኢና ክንርኢ፡ እቲ በሃሊኡን ንዕኡ ዝለኣኸ ጉጅለን ጥራይ ዝፈልጥዎ እኳ እንተኾነ፡ ሞጎታዊ ገምጋም ንምሃብ ግን ዘጸግም ኣይኮነን፡፡ ፌስቲቫል ዕድመ ህግደፍ ኣብ ምንዋሕ ናቱ እጃም ጸኒሕዎ እዩ፡፡ ሕጂ ግን ህዝቢ ደም ጥዒምዎ፡ ናይ ኤክስፖ ዋሕዚ ኣቋሪጹ እዩ፡፡ እቶም ዶላር ሒዞም “መን ከም ህግደፍ’’ እናበሉ ዘጣቕዑን ምሉእ ለይቲ ዝስዕስዑን ዝነበሩ ናይ ዳያስፖራ ካድራት’ውን ከም ቀደሞም ኣይኮኑን፡፡ ሓድሽ ሜላ ክፍጠር ኣለዎ ማለት እዩ፡፡

ኣብ ካልእ ሃገራት’ሲ ሕጊ ክግምገም፡ ልምዓታውን ሃገራውን ስርሓት ክግምገሙን ብኡ መሰረት ከኣ ሓደስቲ መደባት ክሕንጸጹ ንፈልጥ፡፡ ህግደፍ ግን ኩሉ ሃገራዊ ጉዳያት ኣብ ጉሓፍ ደርብዩ ፌስቲቫል ክግምግም እየ ይብለና ኣሎ፡፡ ብዓንተብኡስ፡ ንልዕሊ ርብዒ ዘመን ሃገር ኣብ ምጥፋእን ህዝቢ ኣብ ምጽናትን ተጸሚዱ ዝጸንሐ ጉጅለ፡ ነየናይ ስርሓት ክግምግም ክንጽበዮ ብዝኾነ፡ ዝሓለፈ ናይ ርብዒ ዘመን ናይ ፌስቲቫል ጸወታ ኣገልግሎቱ ኣብቂዑ እንተኾይኑ፡ ዝመጽእ ዓመት እንታይ ዓይነት ጭርጭር ዓበደ ሒዞምልና ከምዝመጹ ብሓባር ክንርእዮ ኢና፡፡ ካብ ሕጂ ንደሓር ግን፡ ተገዲዱ እንተዘይኮይኑ፡ ብናይ ህግደፍ ጸወታ ተታሊሉ፡ ግዚኡ፡ ኣተሓሳስብኡን ገንዘቡን ዝኸስር ሰብ ክንደየናይ ከይህሉ፡፡

NO COMMENTS

LEAVE A REPLY