ዳሕድሕዮ እቲ ሓቂ!

1
2117

ዳሕድሕዮ እቲ ሓቂ!

ኣንቲ ድምጺ ሓቂ ረኺብኪ’ምበር ጋዶ
እቲ ጓይላ *ዘለምቲ ማንከይ ዚኣጎዶ *ጨቆንቲ፡ ረገጽቲ
ወፍሪ ኤርትራውያን ማዕበል ምስ ጋረዶ
ነዚ ኹሉ ዕሸል ልኡኽ በጋሚዶ
ፍሽለትን ሕርቓንን ሓዊ ከም ዘንደዶ
ስርሒት ሆላንድስ ቅያ ሰሚዕኪዶ?

በሊ ድምጺ ሓቂ ስምኪ ልበስዮ
ነቲ ውጹዕ ህዝቢ እተታልልዮ
ፍሽለትን ስዕረትን ናይቲ ተምልኽዮ
ሎምስ ዚበለ ይበል ሓቂ ንገርዮ
ንደጋፊ ምልኪ ከይተቐይምዮ!

ወስለትለት ዘይትብሊ ሽግር ዘይጽዕደኪ
ንኣመሪካን ወያነን ዝበዳህኪ
ተጻብኦ ዓለም ንኹሉ ዘፍሸልኪ
እንኮ ድምጺ ሓቂ መዘና ዘይብልኪ
ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣገልጋሊት ምልኪ
ሓቂ ከም ትገልጺ ወትሩ እናመደርኪ
ክውን ንምዝራብ ከመይ የፍርሓኪ?

እቲ ወፍሪ ጥፍኣት ማንከይ ዚጽዕተሉ
ገንዘብ ኤርትራውያን ከም ማይ ዚፈሰሉ
ብደለይቲ ፍትሒ ትማሊ ምፍሻሉ
ዳሕድሕዮ እቲ ሓቂ ዝበሉ ይበሉ!

ክንደሳዕ ደኣ እሞ ክትክውሊ ሓቂ
ብሰንኪ ስዕረቶም ፈዂስኪ ከም ጨርቂ
ሎምስ ዚበለ ይበል ኢሳያስ ኣፈወርቂ
ሓፊርና በልዮ ዋላ ተሸፍለቒ!

እቶም ጀጋኑ ደቁ ሃገሮም ዘፍቅሩ
ብሓያል መኸተ ንህግደፍ ዘሕፈሩ
ስደቶም ኣብቂዑ ኣብ ዓዶም ኪነብሩ
ምእንቲ ሓርነት ትማል ከም ተኣስሩ
ንገርዮ ንህዝቦም ሕሰም ከም ዚጸሩ
ምስ ደቁ ኪሓድር ዓወት ተደሪሩ!

ዮሃና ደለይቲ ፍትሒ ሆላንድ!

ክብርን ምስጋናን ነቶም ኣብ ጎድኒ ፍትሒ ደው ዚበሉ፡ ህዝብን መንግስትን ሃገረ ሆላንድ!

ኤርትራና ክሓልፈላ፡ ስርዓት ምልኪ ንእለየላ!

ካብ ሓውኹም መሲናስ 14/04/2017

1 COMMENT

LEAVE A REPLY