ዝርዝር ዜና 05-01-2018

0
306

መላኺ ኢሳይያስ ጀራዲኖም ንዝመንዘዖም ዜጋታት ኣብ ትሕቲኡ ክግዝኡ የገድዶም ከም ዘሎ ይግለጽ ኣሎ።

ሃብቲ ህዝቢ  ብምርሳይን ፍርሒ ብምስራጽን ስልጣን ንነዊሕ ዓመታት ተቆጻጺሩ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ሕጂ’ውን እቲ ብጋህዲ ሃብቲ ህዝቢ ናይ ምብራስ ተግባሩ ዝቅጽለሉ ዘሎ ኮይኑ ጀራዲኖም ንዝመንዝዖም ወገናት ኣብ ትሕቲኡ ክግዝኡ የገድዶም ኣሎ።

እዞም ኣብ ዓዲሃሎ ዝርከቡ ወነንቲ ጀራዲን 7 ዓድታት ጀራዲኖም ከረክቡ ካብ ምእዛዝ ንላዕሊ ወርሓዊ 1 ሽሕ ናቕፋ እናተኸፍሉ ኣብቲ ብሓይሊ ዝተመንዝዐ መሬቶም ብግዴታ ክሰርሑ ይግበር ከም ዘሎን ነጻ ጉልበት ሰራዊት  ዝተኣማመነ ህግደፍ ከኣ ኣብ ከባቢ ዓዲሃሎ ሰፊሕ ሕርሻ መሬት ከልምዕ መደብ ከምዘለዎን ተገሊጹ’ሎ።

ተቓውሞታቶም ዘስምዑ ወነንቲ ጀራዲን ኣንጻር ልምዓት ትቃወሙ ኣለኹም ብዝብል ጸቕጥን ታህዲድን ሱቅ ክብሉ ከም ዝተገብሩ’ውን ተጠቒሱ’ዩ ክትብል ነዚ ዜና ዝዘርገሐት ሬደዮ ኤረና  ገሊጻ’ላ ።

——————————–////////////—————————– 

ዓረቢ 05/01/2018

መንግስቲ ሱዳን ኣብዚ ሓድሽ ዓመት ምስ ኤርትራ ዘራኽቦ ዶባት ዓጽይዎ ይበሃል ኣሎ።

ከም ሓበሬታ ሬድዮ መድረኽ ብስርዓት ህግደፍ ዝካየድ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ንብረት ከቆጥዖ ዝጸንሐን ተደጋጋሚ መሰማዕታ ኣቅሪቡ ካብቲ ስርዓት ንዕቀት ዝተመለሰሉን መንግስቲ ሱዳን ምስ ኤርትራ ንዘራኽቦ ዶባት ዓጽይዎ’ሎ።

ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ እዚ መንግስቲ ሱዳን ወሲድዎ ዘሎ ስጉምቲ መርኣያ ናይቲ ኣብ መንጎ ክልቲኦም መራሕቲ እናሓርፈፈ ክመጽእ ዝጸንሐ ዝምድና ኮይኑ ከም ሳዕቤኑ ድማ ካብ ሱዳን ናብ ኤርትራ ይኹን ናብ ሱዳን ንዝኣትው ገያሾ ዝኽልክል’ዩ።

እዚ ካብ 3 ጥሪ 2018 ጀሚሩ ክትግበር ተመሓላሊፉ ዘሎ ትእዛዝ እኩብ ውጽኢት ናይቲ መንግስቲ ሱዳን ምስ ጉጅለ ህግደፍ ዝጸንሖ ምትሕርፋፍን ንምዝርራብ ቅሩብነት መላኺ ኢሳይያስ ዘይምንባሩን ከም ዝኾነ’ውን ተጠቒሱ’ሎ።

ስርዓት ህግደፍ ካብ ሱደን ካብ ሃለኽቲ ነገራት ጀሚሩ ዝተፈላለዩ ዘይሕጋዊ ስርሓቲ ከም ዝፍጽም ብተደጋጋሚ ምግላጽና ይዝከር።

———————————-////////////—————————- 

ዓረቢ 05/01/2018

ሰራዊት ግብጺ ናብ ኤርትራ ከም ዝኣተወ ዘረጋግጽ ሓበሬታታት ይውጽእ’ሎ።

ዘመናዊ ኣጽዋር ዝተዓጠቐ ሰራዊት ግብጺ ናብ መደበር ታዕሊም ሳዋ ከም ዝኣተወ ማዕከን ዜና ኣልጀዚራ ኣብዚ ሳልስቲ ጸብጺቡ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ ውልቀ መላኺ ጉጅለ ኢሳይያስ ድማ ነቲ ብ2 ጥሪ 2018 ኣልጀዚራ ዘውጽኦ ሓበሬታ ሕሱር ክብል ዘሊፉዎ’ዩ።

እንተኾነ ኣልኣሽራቕ ዝተባህለ ማዕከን ሓበሬታ ንሓቀኝነት እቲ ብኣልጀዚራ ዝወጸ ሓበሬታ ዘረጋግጽ ዜና ዘርጊሑ’ሎ።

ኣልኣሽራቕ ኣብቲ ብ4 ጥሪ 2018 ዝዘርገሖ ዜና ብሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝድገፍ ዝተራቐቐ ኣጽዋር ዝዓጠቐ ሰራዊት ግብጺ ናብ ኤርትራ ምእታው ገሊጹ’ሎ።

ኣልኣሽራቕ ንምንጭታቱ ብምጥቃስ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ እቲ ዘመናዊ ኣጽዋር ዝዓጠቐ ሰራዊት ናብ ኤርትራ ቅድሚ ምእታው ኣብ መንጎ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ግብጽን ኣንጻር መንግስቲ ሱዳን ዝቃለሱ ዑጡቓት እታ ሃገርን ርክብ ከም ዘካየዱ ኣቃሊዑ።

——————————–////////////—————————– 

ዓረቢ 05/01/2018

ኣብ ዓመተ 2017 ልዕሊ 60 ዜጋታት ካብ ሱዳን ብስርዓት ህግደፍ ከም ዝተጨውዩ ተሓቢሩ።

ካብ ዝሓለፉ ዓመታት፡ ዓመተ 2017 ብብዝሒ መጠን እሱራት ዝተራእየላ ዓመት ኮይና ካብ ሱዳን’ውን ብሓይልታት ጸጥታ ስርዓት ህግደፍ 64 ዜጋታት ተጨውዮም ኣለው ከም ሓበሬታ ሬደዮ መድረኽ።

ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ እዚ ምጭዋይ ኣብ ውሽጥን ወጻኢ ሃገራትን ዝተኻየደ ኮይኑ ብ3 ክፍልታት ዝፍጸም ከም ዝኾነ’ውን ገሊጻ።

እቶም ክፍልታት ብጀነራል ፍሊጶስን ብብርጋደር ጀነራል ተኽለ ማንጁስ፡ ኮለኔል ዮናስ፡ ኮለኔል ለኒን፡ ብርጋደር ጀነራል መቐለ ዝምራሕ ምክትታል ዶብ ሰለያ ስግረዶብ፡ ካብ ፕረዚደንት ቀጥታ ትእዛዝ ዝወሃቦ ብኮለኔል ተስፋልደት፡ ብርጋደር ጀነራል ኣብርሃ ካሳ፡ ብርጋደር ጀነራል ስምኦን ገብረድንግል ብብርጋደር ጀነራል ጋይም ዝወሃሃድ ሃገራዊ ድሕነት ቤትጽሕፈት ፕረዚደንት ከምኡ’ውን ጸጥታ ፍሉይ ስርሒት ተባሂሉ ዝፍለጥ፡ ትእዛዝ ካብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ዝቕበልን ካብ ኤምባሲታትን ኣብ ወጻኢ ዘለው ዋህዮታት ስለያን ብዝመጸሉ ሓበሬታ ዝነጥፉ ኮይኖም እዚ ድማ ኣብ ግብጺ፡ ደቡብ ሱዳንን ካርቱምን ብዝርከቡ ልኡኻት ዝሰለሰል’ዩ።

እዞም 3 ክፍልታት ኩሎም ብኮዳት ዝተዋህቦም ኣባላት ሃልዮሞም ኩሉ መሳለጢ ዘለዎም ኮይኖም ደሞዞም ኮነ ርክባቶም ብዘይ ወግዓዊ ዝሰርሕ ከም ዝኾነ ተገሊጹ’ሎ።

እዞም 64 ዝኾኑ ሰባት ብኮድ 84 ዝተመዝገቡን ኣብ ፍሉይ ቦታታት ተኣሲሮም ዘለውን ኮይኖም 23 ሰባት ካብአቶም ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት’ዮም።

እዚ ቑጽሪ ነቶም ምስኩነታት 31 ጥቅምቲ ዝተኣሰሩ ዜጋታት ዝሓውሰ ኣይኮነን።

——————————–////////////—————————–

ዓረቢ 05/01/2018

ሱዳንን ምስ ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን ዘተኣሳስራ መስመር ባቡር ናይ ምህናጽ መደብ ከም ዘለዋ ገሊጻ።

ሱዳን ምስ ጎረባብታ ሃገራት ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን ከራኽባ ዝኽእል መስመር መገዲ ባቡር ናይ ምህናጽ ትልሚ ከም ዘለዋ ፕረዚደንት እታ ሃገር ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ዕላዊ ገይሩ’ሎ።

እቲ ፕረዚደንት ነዚ ዝገለጸ ንከተማታት ካርቱምን ኣልጀዜራን ንዘራኽብ መስመር መገዲ ባቡር መሪቑ ኣብ ዝኸፈተሉ እዋን’ዩ።

እዚ መስመር ምስ ጎራባብትና ኢትዮጰያን ደቡብ ሱዳንን ክነራኽቦ ኢና ዝበለ ፕረዚደንት ኣልበሽር፡ እዚ ድማ ካብን ናብን እተን ሃገራት ዝግበር ናይ ሰብን ኣቑሑን ምንቅስቓስ ቅልጡፍ ክኸውን ዝለዓለ ተራ ክጻወት’ዩ ዝብል ጽኑዕ እምነት ከም ዘለዎ ሓቢሩ።

ኢትዮጵያን ጁባን  ዘፍረየኦ ምህርቲታት ናብ ወጻኢ ሃገራት ንምልኣኽ ወደባት ሱዳን፡ ኬንያን ጅቡትን ከም ዝጥቀማ ዝጠቐሰ እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ፡ ይረኣ ብዘሎ ሓቢርካ ናይ ምስራሕ ድልየት እተን ሃገራት ንዘጋጥም ሕልኽላኽ ኣብ ምብጥጣስ ዝለዓለ ተራ ከም ዘለዎ ኣብሪሁ።

———————————–//////////////———————— 

ዓረቢ 05/01/2018

ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ እስራኤል ሃገርና ሰላም ክሳብ ዝኸውን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሆሎት ክነብር ይሕሸና ኢሎም።

ከም ሓበሬታ SBS፡ መንግስቲ እስራኤል ኣብ ሃገሩ ዘለው ስደተኛታት ብቅልጡፍ እንተዘይ ወጽኦም ክሳብ ናይ ምእሳር ስጉምቲ ከምዝወሰድ ድሕሪ ምግላጽ ኤርትራውያን ሃገርና ሰላም ክሳብ ዝኸውን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሆሎት ክነብር ይሕሸና ክብሉ ገሊጾም።

መንግስቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ እዞም ስደተኛታት  ዝወሰዶ ዘሎ ስጉምቲ ብትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከይተረፈ ከምዝተኾነነ ዝዝከር’ዩ።

 እዞም ናብ ሃገሮም ንምምላስ ጸገም ኮይንዎም ዘሎ ዜጋታትና፡ እንተተመሊሶም ዕጨኦም ሞት ምዃኑ ሰለዝፈልጡ’ዮም  ቤት ማእሰርቲ ሆሎት ክመርጹ ዝግደዱ ዘለው።

እቶም ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ስደተኛታት ካብ ዝተፈላለዩ ኣፍሪቃ ሃገራት ዝመጹ ዜጋታት ምዃኖም ይፍለጥ።

——————————-///////////////————————- 

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here