ዝርዝር ዜና 09-01-2018

0
285

ኣብ እስራኤል ንዝኽሪ 3 ፓትርያርክ እንጠንዮስን ንዓሚቕ ሽግር ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራን ዝምልከት መብርሂ ክወሃብ ምዃኑ ተሓቢሩ፡፡

ብስርዓት ህግደፍ ን12 ዓመታት ኣብ ማሕዩር ዝርከቡ 3 ሕጋዊ ፓትርያርክ ቅዱስ ጳጳስ እንጠንዮስ ኣብ ትሕቲ መቑሕ ህግደፍ ካብ ዝኣትው 13 ጥሪ 2018 መበል 12 ዓመቶም ዝመልኡ ኮይኖም፡ ብልምዲ ኣብ እንዳ ሳዕሪ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቦታ ኣብ እስራኤል ንኤርትራውያን ፍሉይ መደብ ክካየድ ምዃኑ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ቅድስት ማርያም ቴልኣቪብ ሓቢራ’ላ፡፡

ኣብቲ ንመርገጽን ማእሰርትን ኣቡነ እንጠንዮስ ከምኡ ’ውን ቡዙሕ መከራ ትሓልፍ ንዘላ ቅድስት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ ዝገልጽ ሰፊሕ ትንተና ዝቀርበሉ መድረኽ፡ ኣብታ ቤተክርስትያን ብሓፈሻ ወሪዱ ንዘሎ ሕንፍሽፍሽ ዝምልከት ሰፊሕ ዘተ ክካየድ ምዃኑ ኣብ ዝዘርገሐቶ ሓበሬታ ገሊጻ’ላ፡ ኣብ እስራኤል ንዘለው ኤርትራውያን ክርስትያን ክሳተፉ ብምልባው፡፡

እዚ ዕድመ’ዚ ቀዳም 13 ጥሪ 2018 ንኣስታት 4 ስዓታት ክሰላሰል ከምዝኾነ ’ውን ሓቢራ’ላ፡፡

—————————————////////////////////———————————– 

ሰሉስ 09/01/2018

ኣብ ዞባዊ ጉዳያት ዝግበር ዘሎ ጦብሎቕሎቕ ህግደፍ ንኤርትራ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ምዃኑ ተሓቢሩ፡፡

ካብ 30 ታሕሳስ ክሳብ 2 ጥሪ 2 ስሩዕ ኣኼብኡ ዘሰላሰለ ፈጻሚ ኣካል ግንባር ሃገራዊ ሓድነት ኤርትራ፡ ከም ትካል መጥፍኢ ሓዊ ኣብ ዘዝተኣጉደ ኲናት እናተረኽበ ብዋጋ ህይወት ህዝብታት ኤርትራን ልኡላዊ መሬታን ጉጅለኣዊ ረብሕኡ ከረጋግጽ ጠብሎቕሎቕ ክብል ዝጸንሐን ዘሎን ህግደፍ ሕጅን ንመጻእን ንህዝብታት ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ዘእቱን ፍጹም ሓላፍነት ዝጎደሎን ተግባር ከምዝኾነ ገምጊሙ፡፡

ብደረጃ ዞባ ኮነ ብደረጃ ዓለም ላዕለዋይ ኢድ ዝሓዛ ሃገራት ኣብ ዝገብርኦ ዘለዋ ውድድር ኣብዚ ከባቢ ንዝካየድ ዘሎ ፍትሓዊ ቃልሲ ህዝብታት ይጎድእ ኣሎ ክብል ዝጠቐሰ እቲ ወግዓዊ መግለጺ፡ እዚ ድማ ኣብ መንጎ ህዝብታትን ሃገራትን ዝያዳ ግፍዓዊ ኣካይዳ ክፍጸም ጠንቒ ክኸውን ይኽእል’ዩ ክብል ገሊጹ፡፡

—————————————////////////////////———————————– 

ሰሉስ 09/01/2018

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ እናበረኸ ይኸይድ ብዛዕባ ዘሎ ወጥሪ ሻቕሎቱ ገሊጹ፡፡

ኣብ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከባ መንግስታት ነቲ ኣብኣተን ዝኽፈት ናይ ግዳም ወተሃደራዊ መደበራት ክዓጽዋን ካብቲ ንመሰረታዊ ረብሓታት ናይ ህዝብን ዘየዕቁብ ምትእኽኻባት ክወጻን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብ8 ጥሪ 2018 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ጸዊዑ’ሎ እቲ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ እናበረኸ ዝኸይድ ዘሎ ወጥሪ ከምዘሻቀሎ ብምግላጽ፡፡

እቲ ሰልፊ ንህዝቢ እዚ ዞባ ንነዊሕ ግዜ ግዳይ ክገብርዎ ዝጸንሑ ዘይቅኑዕ ምምሕዳር፡ ውግኣትን ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታትን ብሓፈሻ ድሕሪ ምጥቓስ፡ ብፍላይ ከኣ ናብ ኤርትራ ብምትኳር፡ ብሰንክ’ቲ ኢጣልያዊ መግዛእቲ ዝፈጠሮ ሰንሰለታዊ ውግኣት ጥራይ ዘይኮነ ኣብዚ ዝሓለፈ 26 ዓመታት ዝተኻየደ ውግኣት ዘውረድዎ ጉድኣት ሓቢሩ፡፡

ኤርትራውያን ዞባውን ዓለምለኻውን ረቛሒታት ንመጻኢ ኩነታት ኤርትራ ከም ዝጸልውዎ ከስተውዕሉ ከምዝግብኦም ዘተሓሳሰበ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ናብ ዓቢ ስእሊ ናይቲ ጸገም ክድህቡን ነቲ ናይ ሓባር ብድሆታት ብሓባራዊ ዓቅሚ ክገጥምዎን ተላብዩ፡፡

—————————————////////////////////———————————– 

ሰሉስ 09/01/2018

ቀዳማይ ሚኒስተር ሊብያ ዝተረጋገአት ሊብያ ምፍጣር ንዝብል ንድፈ ሓሳብ ሙሉእ ደገፉ ገሊጹ፡፡

ቀዳማይ ሚኒስተር ሊብያ ፋይዝ ስራጅ ብሰኑይ 8 ጥሪ 2018 ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንዘውጽኦ ርግእትን ዘላቕነት ሰላም ዘለዋን ሊብያ ንምፍጣር ዝሕግዝ ንድፈ ሓሳብ ሙሉእ ደገፍ ከም ዝህቦ ኣረጋጊጹ ክብል ዥንዋ ጸብጺቡ፡፡

ቀዳማይ ሚኒስተር ፋይዝ ነዚ ዘረጋገጸ ምስ ልኡኽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተራኺቡ ኣብ ዘካየዶ ዘተ’ዩ፡፡

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ዘረብኡ፡ ብቅዋማዊ መስርሕ ምርጫ ተሳሊጡ፡ ዲሞክራስያዊ ምሕደራ ኣብ ሊብያ ዘላቕነት ንክህሉዎ ዝግበር ስራሕ ብወገን ሊብያ ቀዳምነት ከም ዝወሃቦ ኣነጺሩ፡፡

—————————————////////////////////———————————– 

ሰሉስ 09/01/2018

ምሕዝነታዊ ርክብ ፈረንሳን ቻይናን ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ይሰጋገር ከም ዘሎ ተገሊጹ፡፡

ኣብ ቻይና ወግዓዊ ዑደት ስራሕ ዘሳልጥ ዘሎ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን፡ ዑደቱ ንርክብ ክልቲኤን ሃገራት ናብ ሓድሽን ተስፋ ዝህብን መድረኽ ዘሰጋግር ከም ዝኸውን ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ፡፡

ፕረዚደንት ማክሮን ቤይጂንግ ድሕሪ ምእታው ምስ ቻይናዊ መዘንኡ ዢ ጂፒንግ ብምዃን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ክልተኣዊ ርክባተንን ኣህጉራዊ ጉዳያትን ምስ ላዕለዎት ሰብ መዚ ቻይና ክዘራረበሎም ካብ ዝሓዞም መደባት ምዃኖም ኣፍሊጡ፡፡

ወፍሪ ለውጢ ኩነታት ኣየር፡ ንግዲን፡ ጉዳይ ሰሜን ኮርያን ድማ ገለ ካብቶም ብዕምቆት ዝዝተየሎም መደባት ’ዮም ምንጪ ዜናና CGTN’ዩ፡፡

—————————————////////////////////———————————–

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here