መፍትሒ ሽግር ብዛዕብኡ ምዝራብ ዶ ንምፍትሑ ምስራሕ;

0
52

መፍትሒ ሽግር ብዛዕብኡ ምዝራብ ዶ ንምፍትሑ ምስራሕ;

ኤርትራውያን ካብ ፈለማ ናጽነት ኣትሒዝና ክሳብ’ዚ ዘለናዮ ግዜ ጥዒሙና ዝወዓልናሉ ግዜ ዘየለ ብምዃኑ ወትሩ ኣጋጢሙና ኣብ ዘሎ ሽግር ጥራይ ኣድሂብና ምስ ተዛረብና ኢና፡፡ እንተኾነ ግን እቲ ዘረባ ካብ ዘረባ ዝዘልል ቑም ነገር ተራእይሉ ኣይፈልጥን’ዩ፡ እቲ ምኽንያት ቡዙሕ ክኸውን ይኽእል’ዩ፡ እቲ ኣውራን ከም ጠንቒ ዝግለጽን ግን ዝጀመርናዮ ክሳብ መፈጸምትኡ ዘይንቅጽሎን ተወሃሂድና ናብ ተግባር ዘይነሽርፎን ምዃኑ’ዩ፡፡

ዝዓበየን ዝነኣሰን ኤርትራዊ ህይወቱ ብኣዝዮም ሕማቃትን በዳህትን ኩነታት ዝተሓጽረትን ገና’ውን ትሓልፎ ዘላን ከም ምዃና መጠን፡ ኩሉ ሸነኻ ሽግር ጥራይ’ዩ፡፡ ዋላ’ኳ ተፈጥሮኣዊ ጸገማት ዘምጽኦ ሽግር’ውን ከም ዘለዎ ኣብ ግምት ዝኣቱ እንተኾነ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ እናተቐያየረ ዝወርድ ዘሎ ኣደራዕን በደልን ግን ሰብ ዝሰርሖን ኮነ ኢልካ ዝተሃንደሰን ሽግር’ዩ፡፡ ምሕደራ ህግደፍ ኩሉ ብኡ ክበሓት ካብ ዘለዎ ድሌት ብምብጋስ ህዝቢ’ውን ክፈርሖን ክምለኸሉን ስለዝደሊ ኣብ ልዕሊ ኣበሳ ዘይብሉ ህዝቢ ቡዙሕ ሕሰማት የዝንብ ኣሎ፡፡

ህዝቢ ኤርትራ ዘይግርህነት ካልእ ኣበሳ የብሉን፡ እንተኾነ ግን ከምቲ ገለን ብገርሁ ገለ ብጉርሑ ዝተባህለ፡ ግርህነት ህዝቢ ኤርትራ ንህግደፍ ናብ መንገዲ ምትላል፡ ሓሶት፡ ጥፍኣት ግፍዒ ወሲዱ፡ ንዘይውዳእ ሓሳረ መከራ ኣቓሊዕዎ’ሎ፡፡ እዚ ድማ ንገለ ቑሩብ ግዝያት ዝጸንሕ ዘይኮነ ውሉድ ወለዶ ህዝቢ ዘብርስን ኣብ ሃገር ዘይሓዊ በሰላ ዝገድፍን’ዩ፡፡ እቲ ሳዕቤኑ እናኸፍአ ይመጽእ ብምህላው ድማ እታ ሃገር ብኹሉ ሙሉ ዝጠፈሸት ጌርዋ’ሎ፡፡

ነዚ ጉዳይ’ዚ ብምእላይ ኣብ ኤርትራ ፍታሕ ዝመጽእ እምበኣር ብዛዕባ’ቲ ሽግር ምዝራብ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ጠንቒ ንምእላይ ምቅላስ ጥራይ’ዩ፡ ኣብ ዝዓበየ ይኹን ኣብ ዝነኣሰ ጉዳያት ህግደፍ ብሰንኪ ዝፈጠሮ ኩነታት ምዃኑ ኩሉ ዝግንዘቦ ሓቒ’ዩ፡ እቲ ግሁድ ሓቒ እዚ ክነሱ ግን ገለን ካብ እንታይ ገደሸኒ፡ ገለን ካብ ፍርሒ ገለን’ውን መማረጺ ካብ ምስኣን ወይ ንበይነይ ኮይነ ዘምጽኦ /ዝቕይሮ/ የለን ካብ ዝብል ሓሳብ ብምብጋስ፡ ህግደፍ ክግብል ርሒብ ዕድል ፈጢሩሉ፡፡

ክሳብ ሕጂ ብድምር ኣብ ሃገር ብዛዕባ ዘጋጠሙ ሽግራትን መፍትሒ ዘይተረኽቦም ጸገማትን ምስ ምሕደራ ህግደፍ ዝተሓሓዙ’ዮም፡ እንተኾነ ንጉዳያትና ዕቱብ ኣታሕዛ ብዘይምግባር እቲ ጸገም መመሊሱ ንገዛእ ርእስና ይጎድኣና’ሎ፡፡ ክንብሎ ዝደለና ዝያዳ ንክንጽር ሓደ ኣብነት ክንጠቅስ፡፡ ብዛዕባ ኣብ እስራኤል ዘለው ኤርትራውያን ዘረባ ካብ ዝጅመር ልዕሊ 2 ዓመታት ተቆጺሩ’ሎ፡፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ግፍዒ ተውርድ ኣላ፡ ትብድሎም ኣላ፡ ካብኡ ሓሊፉ ብዘይድሌቶም ናብ ካልእ ሃገር ክትጥርዞም ትዳለው ኣላ እናበልና ክሳብ ሕጂ ካብ ምዝራብ ሓሊፍና ዘምጻእናዮ ለውጢ የለን፡፡ ኤርትራውያን ሽግርና ከምቲ ሃገራት ዝብልኦ ቑጠባዊ ጸገም እንተኾይኑ ሓደ ነገር’ዩ፡ ክሳብ ሕጂ ከም ንፈልጦን የጋጥመና ከም ዘሎን ግን ጸገምና ጥሜት ዘይኮነ ምሕደራ’ዩ፡ ጥሜት’ውን የለን ዘይኮነስ፡ ምሕደራ እንተዝዕሪ ግን ጾምና ኣይምሓደርናን፡፡

ጉዳይ ናይዞም ብዘረባ ጥራይ ኩሉ ከምዝኸኣል ወይ’ውን መንግስቲ እስራኤል ኣብ ገዛእ ሃገሩ ከነገድዶ ከምንኽእልን ኤርትራውያን ’ውን መሰሎም ክሕለወሎም ከም ግዴታ ጌርና እንገልጾም ስደተኛታትን፡ ግን ተመሊሱ’ዩ ንዓዓቶም ኣብ ሽግር ዘውድቆም ዘሎ፡፡ ከምዚ ክኾኑ ዝገበሮም ምሕደራ’ቲ ኣብ ሃገር ዘሎ ጉጅለ ምዃኑ እናተፈልጠ ከብቅዕ፡ እቲ ዝበዝሐ ነብሰይ ኣውጽእኒ ኢሉ ክሃድም ስለዝደለየ ጥራይ፡ ተሰዲዱ ከብቅዕ ግን ሃገራት ኣብ ልዕሊኦም ግፍዒ ምፍጻመን ዓገብ ክበሃለሎም ይደልዩ፡ እዚ ግን ነባሪ ፍታሕ’ስ ይትረፍ ግዝያዊ ሰላም’ውን ዝህብ ኣይኮነን፡ ምኽንያቱ ንስኻ ከምዝደለኻ ክትኮነላ ዝተዓደለትካ ሃገር ኣላትካ፡ ኣብኣ ጥራይ ኢኻ ’ውን ዝደለኻዮ ክትገብር ትኽእል፡፡ ስለዚ ክሳብ ሕጂ ኣብ ዘሎ ግዝያት ዝተበገሱን ዝተራእዩን ሕቶታትን ስጉምትታትን ለውጢ፡ ከም መብራህቲ ትራፊክ ውዕል ጥፍእ ዝብሉ ብምዃኖም ኣበርክቶና ኣብ ዘረባ ጥራይ ተሓጺሩ ተሪፉ፡፡ ፈቲና ጸሊእና ግን ኣጋጢሙና ዘሎ ጸገም ብዘረባ ዘይኮነ ብግብርን ግብርን ጥራይ’ዩ እንኮ ፍታሕ ዝረክብ፡፡

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here