ዝርዝር ዜና 01-11-2016

0
1799

ጉጅለ ኢሳይያስ ቀልቢ ህዝቢ ንምጥምዛዝ ግፋ ብኣልማማ ተተሓሒዝዎ ከምዘሎ ተረጋጊጹ።

[audioplayer file=”http://sallina.com///audio/Zirzir-Zena /Zirzir-zena-01-11-2016.mp3″]

ጉጅለ ኢሳይያስ ቀልቢ ህዝቢ ንምጥምዛዝ ግፋ ብኣልማማ ተታሓሒዝዎ ከም ዘሎ ተረጋጊጹ።

ኣብ ቅርዓት ሃገርና ነጊሱ ንዘሎ ወጥሪ ንምህዳእ መላኺ ኢሳይያስ ኣብ ኣስመራ መጠነ ሰፊሕ ግፋ ወዲቡ ህዝቢ ክርብሽን ኣቓልቡኡ ናብ ካልእ ክጥምዘዝን ይገብር ከም ዘሎ ገለ ግዱሳት ወገናት ሓቢሮም።

ብመሰረት’ቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ፡ ንወሰኽ ደሞዝ ሰራዊት ስዒቡ ዝተላዕለ ኣድማን ህድማን ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኣብ ወጥሪ ተሸሚሙ ዝርከብ ጉጅለ ህግደፍ ኣብዚ ቑሩብ  መዓልታት ብመሪሕነት ጀነራል ፍሊጶስ ዝተመርሐ ጽዑቕ ግፋ ተተሓሒዝዎ ቀንዩ’ሎ።

እዚ ከምዚሉ ከሎ ኩሉ ተጠቓሚ ሞባይል ናብ ምምሕዳር ቀሪቡ ሲም ካርዱን ሞባይሉን ከረክብ ዘገድድ ዘሎ ኮይኑ ኣብ ሞንጐ ላዕለዎት ሓለፍቲ እቲ ጉጅለ ‘ውን ምዕዝምዛማት እናዓዘዘ ይመጽእ ከም ዘሎ እቲ ሓበሬታ ገሊጹ ‘ሎ።

——————————–/////////////////////——————————– 

ሰሉስ 01/11/2016

መላኺ ኢሳይያስ ሕሱም ጽልኣት ናጻ ፕረስ ካብ ዘለዎም መራሕቲ ሃገራት ኣብ ቅድሚት ተሰሪዑ።

ንመሰል ፕረስ ዝጣበቕ ኣህጉራዊ ትካል ጋዜጠኛታት ብዘይ ዶብ ሒዙዎ ኣብ ዝወጸ ሓድሽ ጸብጻብ ዕሉላት ጸላእቲ ፕረስ ተባሂሎም ካብ ዝተረቑሑ 28 መራሕቲ ሃገራት ንውልቀ መላኺ ኢሳይያስ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ኣቐሚጡዎ ‘ሎ።

ካብቶም ዝኸሓነ ጽልኣት ፕረስ ኣለዎም ተባሂሎም ዝተረቑሑ 28 መራሕቲ ሃገራት እቶም 10 ኣብ ኣህጉርና ኣፍሪቃ ከም ዝርከቡ ዝጠቐሰ ጋዜጠኛታት ብዘይዶብ፡ ንሳቶም ድማ መራሕቲ ሃገራት ኤርትራ፡ ግብጺ፡ ዲሞክራሲያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ፡ ሩዋንዳ፡ ኢኳቶርያል ጊኒ፡ ሱዳን፡ ዙምባብወ፡ ደቡብ ሱዳንን  ጋምብያን ‘ዮም።

ብመሰረት ሓበሬታ እቲ ኣህጉራዊ ትካል ካብዞም 10 መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቓ መላኺ ኢሳይያስ ንናጻ ፕረስ ብዘለዎ ጽልኣት ዝወዳደሮ ኣይተረኽበን።

ኣብ ኤርትራ ንዝተወሰነ ግዜ ጥራይ ልሳን ህዝቢ ኮይነን ዝነበራ ጋዜጣታት ብሕቲ ኣብ ዓመተ 2001 ብትእዛዝ እቲ መላኺ ካብ ዝዕጸዋ 15 ዓመታት ተቖጺሩ ዘሎ ኮይኑ ኣብዚ ሕጂ እዋን ብጀካ እተን ልሳን ምልካዊ ህግደፍ ዝኾና ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ መሰልታን ሬድዮን ቴሌቪዥን ብሕታዊ ሚድያ የለን።

——————————–/////////////////////——————————– 

ሰሉስ 01/11/2016

ስርዓት ህግደፍ ዋሕዚ ስደት ኤርትራውያን ናብ ኢትዮጵያ እቲ ቀንዲ ዘሕሙሞ ጉዳይ ከምዝኾነ ተገሊጹ።

ውልቀ መላኺ ጉጅለ ኢሳይያስ ሓንጎል ህዝቢ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ ጸላኢቱ ምዃና ክፈልጥ ንቡዙሕ እዋናት ‘ኳ ክቓንዮ እንተጸንሐ ሰማዒ ምስኣኑ በቲ ሓደ፡ መንእሰይ ‘ውን ከም ካልአይቲ ሃገሩ ቆጺሩ ናብኣ ክስደድ ምምራጹ በቲ ካሊእ፡ እቲ ካብ ኩሉ ዘሕሙሞ ጉዳይ ከምዝኾነ ምንጭታትና ንስምዒት ህዝቢ ብምጥቓስ ገሊጾም።

ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና፡ እዚ መላኺ ስርዓት፡ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ጐረባብቱ ተሳንዩ ከይነብር ኣብ ዘይምልከቶን ዘየድልዮን ኵናት እናጠበሰ፡ ኣብሪስዎ ከይኣክል ብስደት ኢትዮጵያ ከይመርጽዋ ‘ውን ዜጋታት ብጥይት እናመንጠለ ኣጽኒትዎም ‘ዩ።

እንተኾነ ግን ካብ በርገሳውያን ክሳብ ወተሃደራት፡ ድፋዓት እናጠሓሱ ብብዝሒ ናብታ ሃገር ከምዝኣትው ዝተፈላለዩ መጽናዕታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት የረጋግጽ።

——————————–/////////////////////——————————– 

ሰሉስ 01/11/2016

ኣዋጅ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብትግርኛ ተተርጒሙ ከምዝቐረበ ተገሊጹ።

ኣዋጅ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብመሪሕነት መስራትን ዋና ኣዳላውን መርበብ ሓበሬታ ኣዝማሪኖ ብቋንቋ ትግርኛ ከም ዝተተርጐመን፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን ‘ውን ከንብብዎ ከምዝተገበረን ሬድዮ ኤስ.ቢ.ኤስ ሓቢራ።

እቲ ናብ ትግርኛ ዝተተርጐመ ኣዋጅ ብመልክዕ ጽሑፍን ቪድዮን ዝተዳለወ ኮይኑ፡ ኣብ ካልኣይ ኵናት ዓለም ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ልዕሊ ንጹሃን ምውራዱ ስዒቡ ብ1948 ከም ዝወጸን ንደቂ ሰባት መሰረታዊ መሰላት ዘጐናጸፈ ከም ዝኾነን ኩለን ሃገራት ‘ውን ነዚ ኣዋጅ ከተግብራ ከምዝግደዳን እቲ ሓበሬታ የረድእ።

እቲ ኣዋጅ ብቋንቋ ትግርኛ ክትርጐምን ዝተፈላለዩ ዜጋታት ክመያየጥሉን ምግባሩ ከኣ ህዝብና ኣብቲ ኣዋጅ ዘለዎ ግንዛበ ክዓብን ንመሰሉ ክቃለስን ዘኽእል ዕጥቂ ከም ዝኾኖ ኣብቲ ኣዋጅ ኣድሂቦም  ዝዘተዩ ወገናት ገሊጾም።

——————————–/////////////////////——————————– 

ሰሉስ 01/11/2016

ሶማልያዊት ኣሜሪካዊት ንባይቶ ክፍለ ግዝኣት ሚኒሶታ ትወዳደር ከም ዘላ ተሓቢሩ።

ኢልሃን ዑመር ዝተባህለት ሶማልያዊት ኣሜሪካዊት ንባይቶ ክፍለ ግዝኣት ሚኒሶታ ኣሜሪካ ትወዳደር ከም ዘላ ቪ.ኦ.ኤ ሓቢሩ።

ኣብ ኣሜሪካ ታሪኽ ክሰርሕ ተዳልየ ኣለኹ ዝበለት ኢልሃን ቅድሚ 22 ዓመታት ካብ ሃገራ ሶማልያ ናብ ኬንያ ከም ዝተሰደደትን ኣብ ማዓስከር ስደተኛታት ከም ዝተዓቑበትን ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ ዘካየደቶ ወፍሪ ምርጫ ዕውት ከም ዝነበረ ‘ውን ገሊጻ ‘ያ።

እዛ ጓል 33 ዓመት መንእሰይ ኢልሃም ሙሉእ ርእሰ ተኣማንነት ከም ዘለዋን ኣብ ስርሓ ‘ውን ከምዘይትጠዓስን ተገሊጹ ‘ዩ።

——————————–/////////////////////——————————– 

ሰሉስ 01/11/2016

ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጐ ንዘለው ኣባላት ተቃወምቲ ደቡብ ሱዳን ሰብኣዊ ደገፍ ክገብረሎም ጸዊዑ።

ዋና ጻሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ባንኪ ሙን ኣብ ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ ተሰዲዶም ንዝርከቡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ተቃወምቲ ሓይልታት ደቡብ ሱዳን ሰብኣዊ ደገፍ ክግበረሎም ምስ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዝተዘራረበ ሱዳን ትሪቡን ሓቢሩ።

እቶም ኣስታት 750 ዝኾኑ ዕጡቓት ተቃወምቲ ደቡብ ሱዳን ምስ ምክትል ፕረዚደንት ‘ታ ሃገር ዝነበረ ሬክ ማቻር ናብ ዲሞክራትክ ሪፐብሊክ ኮንጐ ከም ዝኣተውን ኣብ ሓደ ፓርክ ከም ዝጸንሑን መንግስቲ  ኮንጐ ድማ ብመንገዲ ኣብ ‘ታ ሃገር ዘሎ  ዓቃቢ ሰላም ኣቢሉ ንዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ ኩነታት ጥዕና እቶም ዕጡቃት ከም ዘተሓሳሰቦ ምግላጹ እቲ ሓበሬታ የረድእ።

ንሱ ብተወሳኺ ነዚ ጉዳይ ንምፍታሕ ምስ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኢጋድን ዓለምለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀልን ዝርርብ ከምዝገብር ገሊጹ ‘ዩ።

——————————–/////////////////////——————————– 

ሰሉስ 01/11/2016

ወተሃደራት ኢራቅ  ከተማ ሞሱል ንምቁጽጻር ኣብ ቀረባ ርሕቀት ኮይኖም ምድላዋት ይገብሩ ከምዘለው ተሓቢሩ።

ከም ጸብጻብ ቢቢሲ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ወተሃደራት ኢራቅ ዝርከብዎም ፍሉይ ጉጅለ ኣባላት ጸረ ግብረ ሽበራ ኣብ ትሕቲ ዳዕሽ ንዘላ ከተማ ሞሱል ንምቁጽጻር 1.5 ኪሎ ሜትር ተሪፍዎም ከም ዘሎን ዳግማይ መጥቃዕቲ ንምክፋት ‘ውን ምድላዋት ይገብሩ ኣለውን።

እቲ ፍሉይ ሓይሊ እታ ከተማ  ንምቁጽጻር ብታንክን ዱርዓት መካይንን ተሓጊዙ ብዝገበሮ መጥቃዕቲ ዓቢ ዓወት ዘመዝገበ ኮይኑ ኣብቲ መጥቃዕቲ ሓይሊ ኣየር ኣሜሪካ ‘ውን ዕዙዝ ግደ ከምዝተጻወተ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ የረድእ።

ፍሉይ ሓይሊ መንግስቲ ኢራቕ ከተማ ሞሱል ካብ ኣሸባሪ ጉጅለ ዳዕሽ ነጻ ንምውጻእ ኣብ ካሊእ ሸነኽ ንዝጸንሑ ሓይልታት ናብቲ ቦታ ብምትእክኻብ ልዑል ምድላዋት ይገብር ከም ዘሎ ‘ውን ተገሊጹ ‘ሎ።

——————————–/////////////////////——————————–

NO COMMENTS

LEAVE A REPLY