ዝርዝር ዜና 02-01-2017

0
1097

ጉጅለ ህግደፍ መራሕቲ ሃይማኖት ብኣስገዳድ እናዕጠቐ ኣብ ህዝቢ ጸቕጢ ይፈጥር ኣሎ፡፡

 

እሙናት ምንጭታት ሬድዮ ወጋሕታ ከም ዝሓበሩልና፡ መላኺ ጉጅለ ኢሳይያስ ኣብ ዞባታት ንዝርከቡ መራሕቲ ሃይማኖት ናብ ሳዋ ወሪዶም ክዓጥቑ ብሰንኪ ዝገብሮ ዘሎ ኣስገዳዳዊ ትእዛዝ ህዝቢ ተሸጊሩ ኣብ ከቢድ ጸገም ወዲቑ ‘ሎ።

ብመሰረት ‘ቲ ካብ ምንጭታትና ዝመጸና ሓበሬታ፡ ኣብ ንኡስ ዞባ እምኒ ሓይሊ ምምሕዳር ኣድጊዛና እትርከብ ቤተክርስትያን ቅዱስ ጀወርግስ ዘገልግሉ ካህናት ናብ ታዕሊም ክወርዱ እቲ መላኺ ጉጅለ ትእዛዝ ዘመሓላለፈ ኮይኑ፡ ልዕሊ 40 ዝዕድሚኦም ኣብ ሓንቲ ቤተክርስትያን ካብ 5 ኣገልግልቲ ንላዕሊ ከይህሉውን ‘ውን ኣጠንቒቑ ‘ሎ።

ንመምርሕ ‘ዚ መላኺ ጉጅለ ብምቅዋም ናብ ገዳማት ሃዲሞም ዝተሓብኡ 4ካህናት ገዛውቶም ከምዝተዓሸገ ዝገለጹ ምንጭታትና፡ ነቲ በቲ ስርዓት ዝወረደ መምርሒ ዘየተግብር ኣገልጋሊ ቤተክርስትያን ኣብ ክንድኡ ነበርቲ እቲ ዓዲ ናብ ታዕሊም ኣፍዓበት ክወርዱ ምዃኖም የፈራርሕ ‘ሎ።

ነዚ ኣብ ልዕሊኦም ዝወርድ ዘሎ ግፍዒ ናብ ኣምላኾም ክጠርዑ ኣብ ቀጽሪ ቤተክርስትያን ብምእካብ ምህለላ ከካይዱ ንዝወሰኑ ነበርቲ ‘ውን ከምዝገፎም እቲ መላኺ ጉጅለ ኣብቲ ዘውረዶ መምርሒ ገሊጹ ‘ዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ብኹሉ መዳይ ተሸጊሩ ኣብ ሕማቅ ኩነታት ከምዝርከብን ብፍላይ ‘ቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ወለዲ ካብቶም ጎኖት ዝሓስም ገዛኢ መጺኡና እናበሉ ክዛረቡ ከም ዝውዕሉን ድማ ሓበሬታ ምንጭታትና ብተወሳኺ ገሊጹ ‘ሎ።

——————————–//////////////////////——————————-

 

 

 

ሰኑይ 02/01/2017

በደላት መላኺ ኢሳይያስ ብሰናይ ትምኒት ዝድምሰስ ኣይኮነን ክብሉ ዜጋታት ገሊጾም።

ማዕከናት ዜና እቲ ውልቀ መላኺ፡ ኢሳይያስ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ሰናይ ትምኒት ሓድሽ ዓመት ኣመሓላሊፉ ክብላ ድሕሪ ምቅልሐን ዜጋታትና ኣብ ዝለኣኹልና ርእይቶ ውልቀ መላኺ ኢሳይያስ ብተግባር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘየውረዶ በደል ከም ዘየሎ ብምጥቃስ ንበደላቱ፡ ካብ ክሳድ ንላዕሊ ብዝኾነ ቃላቱ ከከሓሕስ ከም ዘይክእል ገሊጾም።

መላኺ ኢሳይያስ ንህዝቢ ኤርትራ ናብ ኩለመዳያዊ ውድቀት ይመርሖ ምህላው ዘገንዘቡ እቶም ርእይቶታቶም ናብ ሬድዮና ዝለኣኹ ዜጋታት፡ ሕጂ ካብ ልሳን ዘይሰገረ ሰናይ ትምኒት እቲ መላኺ ኣብ እዝኒ ህዝቢ ከም ዘይኣቱ ኣብሪሆም።

ብግብሪ ንህዝቢ እናረገጸ፡ ብቃላቱ ሰናይ ምንዮት ምግላጹ ድማ መላኺ ኢሳይያስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ንዘለዎ ንዕቐት ዘጉልሕ ከም ዝኾነ ‘ውን ሓቢሮም ኣለው።

——————————–//////////////////////——————————-

 

 

 

 

 

 

 

 

 

ሰኑይ 02/01/2017

ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ ኣብ ውሽጢ 3መዓልቲ ህይወት ልዕሊ 1300 ስደተኛታት ካብ ሓደጋ ምጥሓል ኣድሒኖም።

ብመሰረት ኣሃዱታት ሓለዋ ባሕሪ ዓዲ ጥልያን ዝዘርገሖ ሓበሬታ፡ ካብ 28-30 ታሕሳስ ኣብ ዝነበሩ 3 መዓልታት ጥራይ፡ ኣብ ማያት ማእከላይ ባሕሪ ብዝተኻየደ ስርሒት ህይወት ኣድሕን ልዕሊ 1300 ስደተኛታት ካብ ሓደጋ ሞት ተሪፎም ኣለው።

ካብዞም ዝደሓኑ ኣፍሪቓውያን ስደተኛታት ቁጽሪ ስደተኛታት ዜጋታትና ‘ውን ብርክት ዝበለ ምዃኑን፡ እቲ ዋሕዚ መመሊሱ ይውስኽ ከም ዘሎን ዝገለጸ ሓለዋ ባሕሪ ዓዲ ጥልያን፡ እቶም ካብ ሞት ዝደሓኑ ስደተኛታት ናብ ላምፔዱዛ ተወሲዶም ከም ዘለው ኣነጺሩ።

እዚ ከምዚሉ ከሎ ብ27 ታሕሳስ ‘ውን ኣብ ማያዊ ገምግም ሊብያ ሬሳ ናይ 11 ስደተኛታት ከም ዝተረኸበ ጨንፈር ቀይሕ መስቀል እታ ሃገር ኣፍሊጡ ‘ሎ።

ኣብዛ ዓመት ቑጽሪ ናይቶም ናብ ኤውሮጳ ክሰግሩ ህይወቶም ዝሰኣኑ ስደተኛታት ልዕሊ 5 ሽሕ በጺሑ ‘ሎ።

——————————–//////////////////////——————————-

 

 

 

 

 

 

 

 

ሰኑይ 02/01/2017

ዓመተ 2017 ዓመተ ሰላም ንምግባራ ኣበርቲዐ ክሰርሕ ‘የ ክብል ሓድሽ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ቃል ኣትዩ።

ካብ ባሕቲ ጥሪ 2017 ወግዓዊ ስርሑ ዝጀመረ ሓድሽ ተመራጺ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፖርቱጋላዊ ኣንተንዮ ጉተረስ ስርሑ ኣብ ዝጀመረሉ ኣጋጣሚ ኣብ ዝሃቦ ቃል ንዓመተ 2017 ዓመተ ሰላምን ምርግጋእን ክገብራ ኣበርቲዑ ከም ዝሰርሕ ቃል ከም ዝኣተወ ኣገልግሎት ዜና እቲ ውድብ ጸብጺቡ።

እቲ ዋና ጸሓፊ ኣብ ቃላቱ፡ ኣብዚ ሓድሽ ዓመት ነዚ ቃል ክኣቱ ከሎ ኩሉ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ጎኑ ከም ዝስለፍ ብምእማን ከም ዝኾነ ኣነጺሩ።

ኣብ ዝተፈላለየ ጫፋት ዓለም ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ዜጋታት ዓለምና ንተስፋ ኣማዕድዮም ኣብ ዘይርእይሉ ወጥሪ ይርከቡ ኣለው ዝበለ ዋና ጸሓፊ ጉተረዝ እዞም መሳኪን ዜጋታት ብከመይ መቐረት ሰላም ናብ ዘስተማቕርሉ ባይታ ነምጽኦም፡ ግድን ክንምልሶ ዘለና ሕቶ ‘ዩ ክብል ተዛሪቡ።

——————————–//////////////////////——————————-

 

 

 

 

 

 

 

 

ሰኑይ 02/01/2017

ፕሬዚደንት ዴሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ድሕሪ ‘ቲ ኣብ ዓመተ 2017 ዝካየድ ሓፈሻዊ ምርጫ ካብ ስልጣኑ ንኽወርድ ተሰማሚዑ።

ቅድሚ 15 ዓመታት ናብ ስልጣን ዝመጸ ፕረዚደንት ሪፖፕሊክ ኮንጎ ጆሴፍ ላቢላ ካብ ስልጣኑ ንኽወርድ ዝጽውዕ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት እታ ሃገር ዝተኻየዱ ተቃውሞታት ስዒቡ ኣብ ዝተኻየደ ዘተ እቲ ፕሬዚደንት ድሕሪ ‘ቲ ኣብ ዓመተ 2017 ዝካየድ ፕሬዚደንታዊ ምርጫ ካብ ስልጣኑ ንክወርድ ከም ዝተሰማመዐ ኦል ኣፍሪቃ ዶት ኮም ሓቢሩ።

ሞንጎኛ እቲ መድረኽ ዘተ ቀሺ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን መርከል ኣቱንቢ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ እቲ ኣብ ፕሬዚደንታዊ ምርጫ ሓደ ሰብ ኣብ ሰለስተ እብረ ንኽወዳደር ዝፈቅድ ተማሓይሹ ዝቀረበ ቅዋም ውዱቅ ከምዝተገበረን እቲ ፕሬዚደንት ድማ ኣብቲ ኣብ መወዳእታ ዓመተ 2017 ዝካየድ ምርጫ ካብ ስልጣኑ ንኽወርድ ከም ዝተሰማምዐን ኣረዲኡ።

ዴሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ብማዕድን ወርቅን ካልኦት ክቡራት ኣዕናቁን ኣብ ዓለም ኣዝያ ዝተፈልጠት ሃገር  ከም ዝኾነት ጸብጻባት ይሕብሩ።

——————————–//////////////////////——————————-

 

NO COMMENTS

LEAVE A REPLY