እዋናዊ ዛዕባ – ትርጉም ናጽነት ብባርነት ዝተከአ ጉጅለ ኽሕደት!

0
334

 

ሕመረት ናጽነት ብዕምቆት ዝተረደኣ ህዝቢ ናጽነት ከመይ የስተማቅራ ንምንጋሩ ኣገዳሲ ኣይኮነን። እንተ ብሓጽሩ ግና ኩለንትናዊ ህልውና ዜጋታት ኣብ ዓንኬል ናጽነት እንተዘይኣትዩ ውጽኢቱ ስቃይን መከራን ጥራሕ ‘ዩ ዝኸውን። እቲ ምንታይሲ ሓጹር ናጽነት እንተተባታቲኩ ባርነታዊ ኣገዛዝኣ ምንጋሱ ስለዘይተርፎ ‘ዩ።

ናጽነት ካልእ ትርጉም እንተዘይተዋህብዎ ናጻ ምዃን ካብ ዝብል ኣምር ‘ዩ ዝብገስ። ነዚ ‘ውን እቲ ብመግዛእቲ ላድዩ ዝነበረ ህዝቢ ናጽነቱን ሓርነቱን ንምርግጋጽ ንሰውራ ዝተሰለፈ መሰተንከራዊ ስርሒት ፈጺሙ ድማ ናብታ ቦኽሪ ኩለን ዓመታት ዝኮነት ዓመተ 1991 ብዓወት በጺሑ።

ድሕሪ ምርግጋጽ ናጽነት ብኹናትን መግዛእታዊ ዓፈናን በሰላ ዘምበረ ሕማቅ ታሪኽ ዳግም ክሕደስ ትጽቢት ሕድሕድ ዜጋ ምንባሩ ዝስሕቶ የለን። እቲ ካብ ራስ ቄሳር ክሳብ ራስ ዱሜራ ሓመድ ድፋጭኡ ዝጸገበ ህዝቢ ገዛእ ርእሱን ሃገሩን ናብ መስመር ለውጢ ኣብ ምምጻእ ላዕሊ ታሕቲ ይብል ከም ዝነበረ ‘ውን ናይ ትማሊ ተዘኽሮና ‘ዩ። ብሰንኪ እቲ ስዒቡ ዘጋጠሞን ድቦላ ዝወረዶን ግና ንምስሊ ህዝብናን ሃገርናን መግለጺ ክሳብ ትስእነሎም ኣብ ኣዝዩ ዘሰክፍን ዘስግእን ደረጃ በጺሖም ይርከቡ።

ባዕዳውያን ስርዓታት ካብ ስሮም ተማሕዮም ኣብ ዝወጽሉ መድረኽ ዘበታዊ ገዛእን ጨፍላቅን ክትካእ ምርኣይ ኣብታ መሬት ኤርትራ ዳርጋ ንፈለማ’ዩ እንተተባህለ ሓቂ ‘ዩ። ሰረተ ክሕደትን ጥልመትን ዝእምነቱ ስርዓት ሰላምን ቅሳነትን ከስፍን ‘የ ኢሉ ብሓይሉ ናብ ስልጣን ዝመጸ ግን ድማ ኣንጻር ኤርትራዊ መንነት ደው ዝበለን ‘ዩ። ነዚ ሓቂ ዘረጋግጾ ድማ፡-

  • እቲ ኣብ ልዕሊ ተበዓት ተቃላሲ ዝነበሩ ገዳይም ተጋደልቲ ኣድማ ጌርኩም ብዝብል ምስምስ ናይ ምሕያርን ምቅንጻልን ዝወሰዶ ተግባር።
  • እቲ ኣብ ልዕሊ መርሒነት ንዝነበሩ ላዕለዎት ሰበ ስልጣንን ኣዳለውቲ ብሕታውያን ጋዜጣታትን ዘካየዶ ወፍሪ ዘመተ ከምኡ ‘ውን ኣብ ማእከል ዓዶምን ኣብ ሰጣሕ መሬቶምን ህይወቶም ክቅጠፉ ዝተገብሩ ስንኩላን ማይሓባርን ኣብ ቀረባ ግዜ ድማ ንጽሃት መንእሰያት ዝተቀዘፍሉን ኣጋጣሚ ምጥቃስ ይከኣል።

 

ገበናት ህግደፍ ከም ማይ ኣይሂ ጀራዕራዕ ዝብለሉ ግዜ ምብጻሕና እቲ ንብርሰትና ዝሓለምዎ ከቀላጥፍዎ ምህቃኖም ካብ ዝኾነ ስውር ኣይኮነን። ነዚ ኤርትራዊ መበቆል ናይ ምጽናት ተግባሮም ምእንቲ ክሕግዞም ድማ ፍጹም ባርነታዊ ኣገዛዝኣ ኣስፊኖምን ከም ዝዕብልልን ጌሮም ይትረፍ ብነጻ ምንቅስቃስ፡ ተፈጥሮ ዝዓደሎቶ መሰል ምዝራብን ሓሳቡ ምግላጽን ‘ኳ ዝተሓረመ ህዝቢ ‘ዩ።

ጉጅለ ክሕደት ብዛዕባ ናጽነትን ሓርነትን ፍጹም ዝስቆሮም ኣይኮነን። ንሕድሕድ ዜጋ ኣርዑት ባርነት ኣሰኪሞም ብመግዛእቲ ትንፋሱ ከምዝሞልቅ ይገብሩ ኣለው። ካብ ሜዳ ኤርትራ ኣትሒዙ ዘይሰብኣውን ኢ-ዲሞክራስን ምንባሩ ከኣ ንዓና ንኤርትራውያን ንቀባሪ ምርዳእ ‘ዩ ዝኸውን። እንተ እንዳ ባህታን ዝናን ግን ካብ ጫፍ ንጫፍ ሃገርና ብነጻነት ኣዕለቅሊቁን ኣብ ገነት ከም ዘሎን እዮም ዝግዕሩ። ህዝቢ ኤርትራ ግን እታ ዝተጨወየት ናጽነት መንዚዑ ንምምላስ ናይ ትማሊ ቃልሱ ሎሚ ክደግሞ ይግባእ።

NO COMMENTS

LEAVE A REPLY