ዝርዝር ዜና 03-01-2017

0
1048

መንግስታዊያን ኣብያተ ጽሕፈታት ሃገርና ሙዕሩይ ኣገልግሎት ካብ ምሃብ ዓዲ ውዑል ኮይነን ከምዘለዋ ተሓቢሩ፡፡

 

ድምጺ ሰላምን ዴሞክራስን ኤርትራ ከም ዝሓበሮ፡ ኣብ ምኽዕባት ውልቀ ሃብቶም ጥራይ ተጸሚዶም ዘለው ላዕለዎት ሓለፍቲ ጉጅለ ህግደፍ ንህዝቢ ዝተፈላለየ ኣገልግሎት ክህባን ዝቖማ መንግስታውያን ኣብያተ ጽሕፈታት ብዘይ ዝኾነ ስራሕ ክድስክላ ከምዝገበርዎን ተገሊጹ።

ህዝቢ ዝተባህሎ ክገብር ደኣ’በር ጥርዓኑ ዝሰምዕ በዓል ስልጣን ከምዘየለ ካብ ግብራዊ ተመክሮ እቲ ስርዓት እኹል ኣገንዝቦ ወሲዱ ‘ዩ ዝበለ ድምጺ ሰላምን ዴሞክራስን ኤርትራ፡ ኣብ ኣብያተ ጽሕፈት ከይደ እንታይ ፍታሕ ክረክብ ‘የ ካብ ዝብል ተስፋ ምቑራጽ ስዒቡ ብዘይወግዓዊ ኣገባብ ስለዘቋረጾ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።

እተን ኣብያተ ጽሕፈት ዝኽፈታ ‘ኳ እንተኾና ዝኣቱ ይኹን ዝወጽእ ሰብ ግን ከምዘይራኣይን እቲ መላኺ ስርዓት ኣብ ግዳማዊ ዋኒኑ ጥራይ ይነጥፍ ከም ዘሎን ‘ውን እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ ገሊጹ ‘ዩ።

——————————-////////////////////———————————-

ሰሉስ 03/01/2017

መዓስከር ሳዋ ንኤርትራውያን ደቂንስትዮ ኣዝዩ በዳሂ ህሞት ከሕልፋ ከምዝቅስበን ጋዜጠኛ ምሕረት መለስ ገሊጻ።

ንምሕደራ ስርዓት ህግደፍ ብምቅዋም ናብ ስደት ዘምረሐት ኣብ ንኡስ ዞባ ጾሮና ሪፖርተር ኮይና ትሰርሕ ዝነበረት ጋዜጠኛ መንእሰይ ምሕረት መለስ፡ መዓስከር ሳዋ ንመንእሰያት ብሓፈሻ ንኤርትራውያን ደቂንስትዮ ድማ ብፍላይ ኣዝዩ በዳህን ከቢድን ህሞት ከሕልፋን ከምዘገድድ ኣረጋጊጻ።

ናብ ሳዋ ካብ ዝወርዳ ደቂንስትዮ እተን ምልኩዓት ተመሪጸን ከደምቲ ሓለፍቲ እቲ መዓስከር ክኾና ‘የን ዝግደዳ ዝበለት እዛ ኤርትራዊት መንእሰይ ብዝኾነ ምኽንያት ናይ እምቢታ መልሲ ንዘንጸባረቐት ጓለንስተይቲ ድማ ዝበጽሓ ግፍዒ እቲ ዝመረረ’ዩ ክትብል ኣነጺራ።

ናብ ቤት ጽሕፈት ሓለፍቲ ኣይከይድን’የ ኢላ ዝኣበየት ሓንቲ መሓዝኣ ኣብ ገዛእ ርእሳ ጉድኣት ኣውሪዳ ኣብ ሕክምና ምስ ኣተወት ምስ ዝኾነ ሰብ ከይትራኸብን ሕማቅ ህይወት ከተሕልፍ ከምዝተገደደትን ከኣ ኣብሪሃ።

ጋዜጠኛ ምሕረት መለስ ኣብ ስራሕ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቀኛ ጸብጻብ ገዲፎም ክሕስው ይግደዱ ከም ዝነበሩ ጠቒሳ ምንባራ ይዝከር።

——————————-////////////////////———————————-

ሰሉስ 02/01/2017

ኤርትራውያን ዝርከብዎም ልዕሊ 40 ስደተኛታት ኣብ ኣሜሪካ ፍድ ዑቅባ ከም ዝረኸቡ ተሓቢሩ።

12 ኤርትራውያን ዝርከብዎም 46 ስደተኛታት ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ብዳግመ ጥየሳ መልክዕ ዘንብሮም ፍቃድ ዑቕባ ከም ዝረኸቡ ካብታ ሃገር ዝተረኸበ ሓበሬታ የመልክት።

እዞም ስደተኛታት ካብ ወርሒ ነሓሰ ክሳብ መወዳእታ ታሕሳስ 2016 ኣብ ዘሎ ግዜ ናብ ክፍለ ግዝኣት ሚኒሶታሞንታና ከም ዝኣተው ዝጠቐሰ እቲ ሓበሬታ እቶም ዝተረፉ ከኣ ዜጋታት፡ ዲሞክራሲያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎን፣ ዒራቅን ከም ዝኾኑ የረድእ።

መንግስቲ ኣሜሪካ ሓያሎ ኤርትራውያን ብዳግመ ጥየሳ መልክዕ ኣብታ ሃገር ክነብሩ ፍቓድ ዑቅባ ከም ዝሃበ ዝፍለጥ’ዩ።

———————————–////////////////———————————-

ሰሉስ 03/01/2017

ሓድሽቲ ተመረጽቲ ዘይቀወምቲ ኣባል ሃገራት  ባይቶ ጸጥታ ዕላዊ ስረሐን ከም ዝጀመራ ተሓቢሩ።

ዝሓለፈ ሰነ 2016 ብመሰረት ዝተገበረ ምርጫ ሓምሽተ ሓደሽቲ ዘይቀወመቲ ኣበላት ባይቶ ጸጥታ ኰይነን ዝተሓረያ ሃገራት ዕላዊ ስራሐን ከምዝጀመራ እቲ ትካል ኣብ ዝውጸኦ ጸብጻብ ሓቢሩ’ሎ።

እተን ሓሙሽተ ሓደሽቲ ተመረጽቲ ሃገራት ኢትዮጵያ፡ ኢጣልያ፡ ካዛኪስታን፡ ሽወደን፡ ማሌዥያን ክኾና ከለዋ ማዕረ ውጽኢት ምርጫ ምስ ኔዘርላንድስ ዝረኸበት ኢጣልያ ድሕሪ ሓደ ዓመት ስራሕ ብኔዘረላንድስ ከምትቐይር ጸብጻብ እቲ ትካል ኣረዲኡ’ሎ።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ኢትዮጵያ ንኣፍሪቃ ብምውካል ዘይቀዋሚት ኣባል ባይቶ ጸጥታ ኮይና ንኣንጎላ ብምትካእ ንዝቅጸሉ ክልተ ዓመታት ከምትሰርሕ ተገሊጹ’ሎ

—————————————///////////////——————————-

 

 

ሰሉስ 03/01/2017

ዒራቕ ኣንጻር ዳዒሽ ንእተካይዶ ቃልሲ ሓገዝ ፈረንሳ ከም ዘይፍለያ ፕረዚደንት ኦላንዴ ገሊጹ።

ፕረዚደንት ፈረንሳ ፍራንኮይስ ኦላንደ ብሰኑይ ኣብ ዝሃቦ ቃል መንግስቲ ዒራቕ ኣንጻር ኣሸባሪ ጉጅለ ዳዒሽ ይገብሮ ኣብ ዘሎ ቃልሲ ካብ ፈረንሳ ሙሉእ ደገፍ ከም ዘይፍለዮ ምርግጋጹ ዥንዋ ጸብጺቡ።

እቲ ፕረዚደንት ነዚ ዝገለጸ ኣብ ዒራቕ ምብጻሕ ኣብ ዘካየደሉ እዋን ኮይኑ ምኽንያት ዑደቱ ነቲ ኣብ ሞሱል ዝካየድ ዘሎ ስርሒት ኣንጻር ዳዒሽ ንምትብባዕ ከም ዝኾነ ኣብሪሁ።

ፕረዚደንት ኦላንዴ ኣብ መግለጺኡ ሃገሩ ብጀካቲ ኣብ ምድምሳስ ዳዒሽ እትገብሮ ደገፍ ኣብ ዳግመ ህንጸት ሞሱል ዝድለ መሳርሒታት ትሕተ ቅርጺ ከም እትበርክት’ውን ኣረጋጊጹ።

————————————//////////////———————————–

 

ሰሉስ 03/01/2017

መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ብብልሽውና ንዝጠርጠሮ ሚኒስተር ሓበሬታን ቴለኮሚኒኬሽንን ካብ ስልጣኑ ኣጊዱ።

መንግስቲ ኣፍገጋኒስታን፡ ካብ ተንቀሳቓሲ ስልኪ ክርከብ ዝነበሮ ኣታዊ ምንካዩ ስዒቡ ብምጥፍፋእ ንዝጠርጠሮ ሚኒስተር ሓበሬታን ቴለኮሚኒኬሽንን ዓብዱል ራዛቕ ዋሂድ ካብ ስለጣኑ ክልዓል ከም ዝገበረ ዩሮኒውስ ጸብጺቡ።

ወሃቢ ቃል እቲ ሚኒስትሪ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ካብ ሞባይል ቴሌፎን ካብ ዝተኣከበ ጠቕላላ ቀረጽ እቲ 10 ሚኢታዊት ምጉዳሉ ንምብራር እቲ ሚኒስተር ጠንቂ ከም ዝኾነ ኣብሪሁ።

መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ኣብ ልዕሊ ሚኒስተር ዓብደል ረዛቕ ዋሂድ ዝወሰዶ ስጉምቲ ኣንጻር ብልሽውና ንዘለዎ ተሪር መርገጺ ዘንጸባርቕ ከም ዝኾነ ተንተንቲ ፖለቲካ ይገልጹ።

——————————————–////////////////————————-

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

NO COMMENTS

LEAVE A REPLY