ትንታነ ዜና 05-01-2017

0
379

ውልቀ መላኺ ኢሳይያስ ኣብ መወዳእታ ሰሙን ዓመተ 2016 ናብ ገለ መራሕቲ ሃገራት ኣብ ዝለኣኾ ደብዳቤ እቲ ብባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊኡ ተነቢሩ ዘሎ ክልተ ተኸታተልቲ ማዕቐባት ቀሊል ዘይብሃል ሃሰያ የውርደሉ ከም ዘሎ ንፈለማ ግዚኡ ክእመን ተሰሚዑ ነይሩ።

መላኺ ህግደፍ ቀጻሊ ኣብ ዘውጸኦም መግለጺታትን፡ ውልቀ መላኺ ኢሳይያስ ኣብ ዘስመዖም መደረታትን ውርዙይ ቃላት ከውጽእ ተሰሚዑ ኣይፈልጥን። እቲ መላኺ ኣብ መደረታቱ ንነብሱ ንጽህቲ ብምግባር ንካልኦት ክኸስስ ድሕር ከም ዘይብል ‘ውን መግለጺታቱ ምስክር ‘ዩ።

ንምዃኑ እቲ ብመላኺ ኢሳይያስ ፍትሓዊ ኣይኮነን እናተባህለ ዝኽሰስ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ዘንበሮ 2 ተኸታታሊ ማዕቐባት ካብ ምንታይ ተበጊሱ ይኸውን፡መላኺ ኢሳይያስ ኣብ ልዕሊ ባይቶ ጸጥታ ዝመስረቶም ክስታት ንሓቀኛ ባህርያቱ ይሽፍንሉ ‘ዶ ይኾኑ?

ኤርትራ ብመስርሕ ሪፈረንዶም ኣብ ዓመተ 1993 ከም ልዑላዊት ሃገር ካብ ዝተፈለጠትሉ እዋን ድሕሪ ክልተ ዓመት ብጉዳይ ዝቑር ሓኒሽ ንየመን ከም ዝወረረትን እቲ ጉዳይ ብማሕበረሰብ ዓለም ክረአ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ 1998 ወራሪ ምዃኑ ከም ዝተረጋገጸን ሰነዳት ሕቡራት ሃገራት የነጽሩ።

ጉዳይ ዝቑር ሓኒሽ ብኣህጉራዊ ዳኝነት መዕለቢ ኣብ ዝተገበረሉ ተመሳሳሊ ዓመተ 1998 መላኺ ኢሳይያስ ብምስምስ ዶባዊ ግጭት ምስ ኢትዮጵያ ኵናት ከፊቱ ብወገን ክልቲኤን ሃገራት ድማ ንኣስታት 100 ሽሕ ዜጋታት ክሃልቁ ምኽንያት ኮይኑ ‘ዩ።

ኤርትራን ኢትዮጵያን ንክልተ ዓመት ደማዊ ኵናት ድሕሪ ምክያደን ኣብ ዓመተ 2000 ውዕል ኣልጀርስ ብምፍራም ዓቃቢ ሰላም ኣብ ዶባተን ክሰፍር ምስምመዐን ዝፍለጥ ኮይኑ፡ መላኺ ኢሳይያስ ኣብ ታሪኽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣጋጢሙ ዘይፈልጥ ነቲ ዓቃቢ ሰላም ሰራዊት ኣብ ዓመተ 2005 ካብ ኤርትራ ንምስጓጉ ኣንቂዱ፡ ዓመተ 2005 ድማ ዝለዓለ ጥሕሰት ሕጊ ኣብ ልዕሊ ሕቡራት ሃገራትን ጫፍ ዝወጸ ዘይምእዙዝነት መላኺ ኢሳይያስን ዝተመዝገበላ ዓወት ኮይና ተመዝገበትን ጠንቂ ምሕርፋፍ ዝምድና ኤርትራን ሕቡራት ሃገራትን ኮነትን።

መላኺ ኢሳይያስ በዚ ከይተሓጸረ ኣብ ዓመተ 2006 ን6 ሰራሕተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሰለይቲ ብዝብል ጸለመ ካብ ኤርትራ ክስጎጉ ብምግባር ንዝሓርፈፈ ዝምድንኡ ምስ ሕቡራት ሃገራት መሊሱ ኣሻሕኺሩዎ።

ህግደፍ ናይ ምንኻስን ነገራት ናይ ምጽሕታርን ባህርኡ ንምምሕያሽ ኣብ ክንዲ ዝሰርሕ ኣብ ዓመተ 2008 ምስ ጁቡቲ ውግእ ከፊቱ ንንጹሃት ዜጋታት መዝሓሊ ጥይት ክገብሮም ‘ዩ ተራእዩ። ንዘበላሸዎ ነገር ክንዲ ዘዐሪ ድማ ተቐዳዲሙ ንጁቡቲ ብምኽሳስ ንጹህ ክመስል ተራእዩ።

እንተኾነ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቀንዲ ጠንቂ እቲ ምስ ጁቡቲ ዝተገብረ ውግእ መላኺ ኢሳይያስ ምንባሩ ብምርግጋጽ ንጻሕታሪ ህውከት ህግደፍ ኮኒኑ።

መላኺ ህግደፍ ብኣንጻሩ ካብ ጌግኡ ንዘይምምሃር ንሕግን ስርዓትን ተገዛኢ ክንድዝኸውን ካብኡ ፈጺሙ ርሒቑ ንሃገር ጨሪሱ ናብ መናሃሪያ ኣሸበርትን ጸረ ሰላም ሓይልታትን ክቕይራ ‘ዩ መሪጹ።

ንከም ኣልሸባብ፡ ኦነግ፡ ኦብነግ፡ ጉንበት ሸውዓተ፡ ኣርበኞች ግንባርን ፉሩድን ዝበሉ ኣንጻር ሰላምን ምርግጋእን ዞባና ዝወፈሩ ሓይልታት እናተቐበለ ምዕላም፡ ምዕጣቕ፡ ምስናቕ ድማ ስርሐይ ኢሉ ክተሓሓዞ ተራእዩ።

ብጀካ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘውርዶ ዘሎ ጃምላዊ ግህሰት ሰብኣውን ዴሞክራሲያውን መሰላት፡ ዞባውን ዓለማውን ስግኣት እናኾነ ክመጽእ ዝተዓዘበ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እምበኣር ኣብ ዓመተ 2009 ብቁጽሪ 1907 ዝፍለጥ እገዳ ኣጽዋር ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ከንብር ተገዲዱ’ዩ።

ግን ሕጂ ‘ውን መላኺ ኢሳይያስ ናብ ህልኽ ብምእታው ንኣልሸባብ ወርሓዊ 80 ሚልዮን ዶላር ክምውል ኣንቂዱ። ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ብስውርን ብግሁድን ምንኻሱ ቀጺሉ።

ንተግባራት እቲ መላኺ ብመገዲ ተቖጻጻሪ ኣካሉ ኣብ ኤርትራን ሶማልያን ኣቢሉ ክከታተል ዝጸንሐ ባይቶ ጸጥታ ድማ ኣብ ዓመተ 2011 ብቁጽሪ 2023 ዝፍለጥ ውሳነ ማዕቐብ ደጊሙ ኣንቢሩ።

ህግደፍ ኣብ ልዕሊኡ ብዝተነብረ ማዕቐብ ጸላዕላዕ ይብሎ ከም ዝነበረ ካብ ውሻጠ ቤት ጽሕፈቱ ዝልሕኹ ሓበሬታታት ከቃልዑዎ ጸኒሖም ‘ዮም።

ይኹን እምበር እቲ ዝተነበረ እገዳ ትርጉም ከም ዘይብሉ ክገልጽ በቲ ሓደ ወገን፡ እቲ ዝተነብረ ማዕቐብ ንህዝቢ ኤርትራ ንምብዳል ተባሂሉ ዝተወጠነ ከም ዝኾነ ድማ በቲ ካልእ ኣምሲሉ ክወራዘ ዝጸንሐ ህግደፍ ሕጂ ዓቕሉ ከም ዘጽበበሉ ናብ ገለ መራሕቲ ሃገራት ኣብ ዝለኣኾ ደብዳቤ ኣማልዳኒ ተኣሚኑ ‘ሎ።

ብዘይቅርዑይ ምሕደርኡ ካብ ህዝቡ ፈጺሙ ዝተነጸለ ህግደፍ፡ ብሰንኪ በደሉ ዝተነበረሉ እገዳ ንህዝቢ መኻፍልቲ በደሉ ገይሩ ከቕርቦ መን ይኣምኖ ይኸውን? ናይ ኣማላዱኒ ደብዳቤኡ ‘ኸ ካብቲ ኣትዩዎ ዘሎ መዋጥር የናግፎ ‘ዶ ይኸውን? ግዜ ዝምልሶ ሕቶ ‘ዩ።

NO COMMENTS

LEAVE A REPLY