ዝርዝር ዜና 09-01-2017

0
1315

ኣባል ኢምባሲ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ጅቡቲ ነቲ ስርዓት ራሕሪሑ ኣብ ኣሜሪካ ፖለቲካዊ ዑቑባ ከምዘሓተተ ተረጋጊጹ፡፡

 

ጋዜጣ ኣል ቅዱስ  ኣል ዓረብ ኣብ ዘወጽኦ ሓበሬታ ኣባል ኤምባሲ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ጁቡቲ ዲፕሎማት ዑመር ስርማዕ ብ 3 ጥሪ 2017 ኣብ ኣሜሪካ ፖለቲካዊ ዑቅባ ሓቲቱ ከም ዘሎ ተረጋጊጹ ኣሎ።

ከም ሓበሬታ እቲ ጋዜጣ እቲ ዑመር ስርማዕ ዝተበሃል ዜጋ ድሕሪ ዶባዊ ምስሕሓብ ኤርትራ ጁቡቲን ካብ ዓመተ 2008 ጀሚሩ ብሕታዊ ዲፕሎማት ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ጁቡቲ ከም ዝነበረን ኣብ መንጎ ክልቲኣን ሃገራት ዘሎ ዘይምቅዳው ንምፍታሕ ቀጠር እተካይዶ ጻዕሪ’ውን ብኡኡ ኣቢላ ከም ዝኾነን ተፈሊጡ ኣሎ።

ኣብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ’ውን ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝስርሕ ኣሎርድ አስገዶም ዝተበሃለ ደብሎማሰኛ ነቲ ጉጅለ ውሑደን ብምርሕራሕ ኣብ ኣሜሪካ ፖለቲካዊ ዑቕባ ከም ዝሓተተ ኣቃሊሕና ምንባርና ዝዘከር’ዩ።

————————————-////////////////——————————–

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

ሰኑይ 09/01/2017

ምልሕላሕ  ሓድነት ቀንዲ መሳርሒ ምልክነት ምዃኑ ዜጋታት ገሊጾም።

ህዝቢ ሓንቲ ሃገር ኣብ ውሽጡ ንዘሎ ሓድነት ኣላሕሊሑ ብዓይኒ ጥርጣረ ክጠማመት እንተጀሚሩ ቀንዲ መሳርሒ ምልክነት ኮይኑ ኣሎ ማለት’ዩ ክብሉ ዜጋታት ገሊጾም።

መላኺ ኢሳይያስ ዕምሪ ስልጣኑ ንምንዋሕ ካብ ዝጥቀመሎም ሜላታት፡ ንሃይማኖታዊን ኣውራጃውን ኣፈላላያት ብኣብነት ዝጠቐሱ እቶም ዜጋታት ንሕና’ውን ተዳህሊልናሉ ጸኒሕና ኢና ክብሉ ኣነጺሮም።

ንእኩይ ተግባራቱን ሽርሕታቱን ካብ ዝነቓሕናሉ ግዜ ጀሚርና ሓድነትና ክንጠምርን ኣንጻሩ ብስምረት ክንለዓልን ብዘይምኽኣልና ካብቲ መላኺ ንላዕሊ ባዕልና ኣብ ቀጻልነትና ንፈርድ ኣለና ብምባል ድማ መሳርሒ መላኺ ካብ ምዃን ክንቁጠብ ኣለና ክብሉ ኣተሓሳሲቦም።

—————————————-///////////////——————————

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

ሰኑይ 09/01/2017

ጉጅለ ኢሳይያስ ኣብ ልዕሊ ተምሃሮ መንእሰያት ዝጀመሮ ሃድን ኣብዚ ሓድሽ ዓመት’ዉን ይቕጽለሉ ከምዘሎ ተሓቢሩ፡፡

ጉጅለ ኢሳይያስ ኣብ ልዕሊ ተምሃሮ መንእሰያት ዝጀመሮ ሃደንን ምሕያርን ብምቕጻል     ብ31 ታሕሳስ 2016 ኣርባዕተ ደቂኣንስትዮ ዝርከብኦም ተማሃሮ ኮሌጅ ማይ ነፍሒ ብሓይልታት ጸጥታ እቲ ስርዓት ብለይቲ ካብ መደቀስኦም ተወሲዶም ይሳቐዩ ከምዘለዉ ሬድዮ መድረኽ ሓቢራ፡፡

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ እቶም ተማሃሮ መኽሰሲኦም ገበን ከይተነገሮም ክዳን ፖሊስ ብዝተኸደኑ ወተሃደራት ብለይቲ ተጨውዮም ናብ ዝተወሰድዎ ከምዘይተፈልጠ ተጠቒሱ’ዩ፡፡

እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ ጉጅለ ኢሳይያስ ኣብ ድሮ ሓዱሽ ዓመት  ኣብ ኩለን ዞባታት ሃገሩ ቁጽሮም ብንጹር ዘይተፈለጡ መንእሰያት ኣብ ቤትማሕዩር ዳጒኑ ከምዘሎ’ዉን እታ ሬድዮ ጠቒሳ’ያ፡፡

————————————-////////////////////—————————-

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

ሰኑይ 09/01/2017

ኢትዮጵያን ኣልጀርያን ኣብ ኣህጉራዊ ጉዳያት ብሓባር ንምስራሕ ከምዝተሰማማዓ ተሓቢሩ፡፡

ኢትዮጵያን ኣልጀርያን ንዘለወን ጽቡቕ ርክባት ብምድልዳል ኣብ ኣህጉራዊ ጉዳያት ዘለወን ጉዳያት ብሓባር ንምስራሕ ተሰማሚዔን ኣለዋ፡፡

መራሕቲ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ስነ ስርዓት ቃለመሓላ ሓድሽ ፕረዚደንት ጋና ተራኺቦም ኣብ ዝዘተይሉ እዋን ኣብ ዞባውን ኣህጉራዊን ምስፋን ሰላም ብሓባር ክሰርሑ ኣብ ዘኽእል ስምምዕ በጺሖም ኣለዉ፡፡

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ እቶም መራሕቲ ኣብ ክልተኣዊ ጉዳያት ንዝተበጽሑ ስምምዓትን ኣፈጻጽመኦም ዝምልከት ድማ ብደረጃ ኮሚቴ ሓበራዊ ኣኼባ ንምክያድ ተረዳዲኦም’ዮም።

———————————–////////////////////——————————

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

ሰኑይ 09/01/2017

ኣደ መንበር ኤኮዋስ ኣብ ጋና ዝተኻየደ ምርጫ ንኣፍሪቃውያን ሐበን ከም ዝኾነ ገሊጻ

ኣደ መንበር ቁጠባዊ ምትሕብባር ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ኢኮዋስን ፕሬዚደንት ላይበርያን ሄለን ጆንሰን ኣብ ስነ ስርላት ቃለማሕላ ኣብ ጋና ዝተኻየደ ፕሬዚደንታዊ ምርጫ ዝተዓወተ መራሒ ተቃዋሚ ሰልፊ ሓርበኛታት ናና ኣኩፎኦዶ ተረኺባ ኣብ ዘስማዓቶ መደረ ምርጫ ጋና ብዴሞክራሲያውነቱ ንሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ብፍላይ ንኣህጉር ኣፍሪቃ ከኣ ብሓፈሻ ሓበንን መርኣያን’ዩ  ኢላ ክብል ኦል ኣፍሪካ ዶት ኮም ሓቢሩ።

ንሳ ሎሚ  ብሓቒ ከሪዕና ኢና ዝበለት ኮይና መስርሕ ምርጫ ጋና ንምግላጽ ቃላት ይሓጽረኒ  ድሕሪ ምባል ንሓድሽ ተመራጺ ፕሬዚደንት ናና ኣኩፎ ኦዶን ምክትሉን  ነቲ ዞባዊ ውድብ ወኪላ እንቋዕ ሓጎስከኩም ኢላ።

————————————-////////////////——————————–

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

ሰኑይ 09/01/2017

መንግስቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝገብሮ ዘሎ ጸቕጢ ሓያል ተቓውሞ የጋጥሞ’ሎ

ስደተኛታት ናብ ሃገሩ ከይኣትው ኣበርቲዑ ክሰርሕ ዝጸንሐ መንግስቲ እስራኤል ሕጂ ድማ ኣብታ ሃገር ካብ ዝርከቡ ስደተኛተታት ግብሪ ክእክብ ምጅማሩ ስዒቡ ካብ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ  መሰላት ሓያል ተቓውሞ ከምዘጋጠመ ማዕኸናት ዜና ገሊጸን።

ብመሰረት ኣገልግሎት ዜና ኣሶሼትድ ፕረስ እቲ ብመንግስቲ እስራኤል ዝወጸ ሕጊ ኣብታ ሃገር ዘለውዎም ዜጋታትና ዝርከቡ ስደተኛታት ካብ ጠቕላላ ኣታዊኦም ነቲ 20% ብመልክዕ ግብሪ ናብ መንግስቲ ኣታዊ ክገብሩ ዝድንግግ’ዩ።

እስራኤል ቅድም ኢላ’ውን ብምስምስ ዳግመ ጥየሳ ናብ ኡጋንዳን ሩዋንዳ ንሓያሎ ስደተኛታት ከም ዝሰጎጎት ይፍለጥ።

—————————————////////////////——————————

 

 

 

 

 

 

 

 

ሰኑይ 09/01/2017

ዓባይ ብሪጣንያ ኣሰጋገርቲ ደቒ ሰባት ንምቑጽጻርን ስደት ንምዕጋትን ወተሃደራት ተዋፍር ኣላ።

ከም ሓበሬታ ጋዜጣ ዘ-ሳን ዓባይ ብሪጣንያ ካብ መጠን ንላዕሊ ሳዕሪሩ ንዘሎ ስደት ንምዕጋትን ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ንምቑጽጻርን 90 ወተሃደራት ናብ ስራልዮን ልኢኻ።

ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ እቶም ስደተኛታት ናብ ኤውሮጳ ምስ ኣተው ኣብ ክንዲ ምብራር ካልእ ጸገም ከየስዓበ ከሎ መፍትሒ ምንዳይ ኣገዳሲ’ዩ ተባሂሉ ዝተገብረ ኮይኑ እቶም ተላኢኾም ዘለው ወተሃደራት’ውን ስልጠና ክወሃቦም’ዩ።

ክሳብ ዓመተ 2020- 15 ሚሊዮን ኣፍሪቓውያን ስደተኛታት ናብ ኣህጉር ኤውሮጳ ክኣትው ከም ዝኽኣሉ ይግለጽ ኣብ ዘለወሉ እዋን ዓባይ ብሪጣን’ያ ብጀካ’ቶም ወተሃደራት መራኸብ ውግእ’ውን ብተወሳኺ ልኢኻ’ላ ።

————————————-////////////////——————————–

 

 

 

 

 

NO COMMENTS

LEAVE A REPLY