ዝርዝር ዜና 10-01-2017

0
993

ኣከባብራ ባዓል ልደት ኣብ ማይጸብሪ ፉሉይ ጦብላሕታ ሓዲጉልና ክብሉ ዜጋታት ገሊጾም፡፡

 

ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያን ኣብ ማይ ጸብሪ ንዝጸንበሉዎ በዓል ልደትን ሓድሽ ዓመትን ዝተዓዘቡ ዜጋታትና ናብ ኢመይል ኣድራሻና ኣብ ዝለኣኹልና ሓበሬታ እቲ ፍጻሜ ንክልቲኡ ህዝብታት ኣጣሚሩ ኣብ ሓደ መኣዲ ዘሳተፈ ብምንባሩ ብተመስጦ ተዓዚብናዮ ኢና ክብሉ ሓቢሮም።

እቶም ወሃብቲ ርእይቶ ከምዚ ዓይነት ኣጋጣሚ ብተደጋጋሚ ክክየድ እንተዝኽእል ብሰንኪ ሓንካሪ ህግደፍ ብማዕዶ እናተ ናፋፈቐ ዝነብር ዘሎ ህዘብታት ብሰናይ ጉርብትና ዝነብረሉ ግዜ ርሑቕ ኣይ ምኾነን ኢሎም።

ህዝቢ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ፡ ህዝቢ ትግራይ ድማ ብፍላይ ንዜጋታትና ሓቒፉ የዕቒቡዎም ኣብ ርእሲ ምህላው ኣብ ከምዚ ዓይነት በዓል ተሳተፍቲ መኣዲ ክኾኑ ዝገብሮ ዘሎ ዝነኣድ ስራሕ ምስጋነኦም ልዑል ምኻኑን ካብ ኣእምሮኦም ፈጺሙ ከም ዘይሕከኽን ገሊጾም።

—————————————–//////////////——————————

 

 

 

 

 

 

 

 

 

ሰሉስ 09/01/2017

ጉጅለ ኢሳይያስ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ካብ ኤርትራ ብደገፍን ጽልዋን ስድራቤቶም ናብ ደገ ናይ ዝወጹ ደቒ ሓለፍቲ ዝርዝር ኣስማት ክለአኸሉ መምርሒ ኣውሪዱ ተባሂሉ

ብመሰረት ሓበሬታ ሬድዮ መድረኽ ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ካብ ወርሒ ሕዳር ዓመተ 2015 ክሳብ ወርሒ ሕዳር 2016 ኣብ ዘሎ ግዜ ካብ ኤርትራ ብደገፍን ጽልዋን ስድራቤቶም ናይ ዝወጹ ደቒ ሓለፍቲ ዝርዝር ኣስማት ክለአኸሉ ናብ ሃገራዊ ድሕነት ብዝለአኾ መምርሒ ኣዚዙ’ሎ።

ደቒ ሚኒስተራት፡ኣዘዝቲ ስራዊት፡ሓለፍቲ ህግደፍ፡ ሓለፍቲ ዲፖርትመንትታት ዝርከብዎም 217 መንእሰያት ብደገፍን ስልጣንን ስድራቤቶም ከምኡ’ውን ብብልሽውና ክፍሊ ኢሜግሬሽን ናብ ወጻኢ ዝኸዱ ከምዝኾኑ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ ካብ ፍሉይ ቤት ፍርዲ ውሳነ ተዋሂብዎም ከብቅዕ ፍርዶም ዝጽበዩ ዝነበሩን ብዝተፈላለየ ደገፍ ወይ ብላዕ ሂቦም ካብ ዓዲ ናይ ዝወጹ ዝርዝር ኣስማት’ውን ካብ ፍሉይ ቤት ፍርዲ ክለኣኽ እቲ መምርሒ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ’ሎ።

ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሒ ሓላፍነት ዝርከቡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ጉጅለ ኢሳይያስ ኣብ ውሽጢ ሃገር ንዝርከቡ ናብ ዕድመ ንእስነት ዝበቅዑ ደቆም ናብ ወጻኢ ሃገራት ከም ዝሰድዎም ይፍለጥ።

————————————///////////////////——————————

 

 

 

 

 

 

ሰሉስ 10/01/2017

ስማዊ ወሰኽ ደመወዝ ጉጅለ ህግደፍ ሕጂ ‘ውን ንኣዘዝቲ ሰራዊት ከይተረፈ የሰሓሕብ ከም ዘሎ ተሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ዓመተ 2016 ንኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ዝተገብረ ስማዊ ወሰኽ ደመወዝ ሕጂ ‘ውን ንኣዘዝቲ ሰራዊት ከይተረፈ የሳሓሕብ ከም ዘሎ ሬድዮ ኤረና ሓቢራ።

ኣብዚ ሰሙን ካብ ኤርትራ ናብ ጎረቤት ሃገር ዝሰገረ ሓደ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ኣባል ፋይናንስ ሚኒስትሪ ምኽልኻል መላኺ ኢሳይያስ ነታ ሬድዮ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ጉጅለ ህግደፍ ኣተጊብረዮ ዝብሎ ስማዊ ወሰኽ ደመወዝ ኣብ ተራ ኣባላት ሰፊሕ ምዕዝምዛም ክፈጥር ከሎ ኣብቶም ኣዘዝቲ ሰራዊት ከኣ ምስሕሓብ ኣምጺኡ ከም ዘሎ ኣብሪሁ።

ነቲ ተራ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ዘስምዕዎ ዘለው ምዕዝምዛማት ንምብዳህ፡ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣብ ኣኼባታት መብርሂ ክህብዎም መምርሒ ከም ዝወረደ ዝጠቀሰ እቲ ዜና፡ እንተኾነ ግን እቶም ኣዘዝቲ ሰራዊት  ኣቐዲሞም ሞራል እቲ ሰራዊት ናህሪ ዋሕዚ ስግረዶብን ምሒር ከሻቅሎም ብምጽንሑ፡ እዚ ሕጂ ተተግቢሩ ዘሎ ስማዊ ወሰኽ ደመወዝ፡ እቲ ሰራዊት ኣሚኑ ከም ዘይቅበሎ ብምሕሳብ ኣብ መንጎኦም ክትዕ ፈጢሩ ከም ዘሎ ተፈሊጡ ‘ሎ።

መላኺ ኢሳይያስ ቀንዲ ጠንቂ ዋሕዚ ስደት ዝኾነ ግዱድ ዕስክርና ናብ 18 ኣዋርሕ ከም ዘይወረደን ኣብ ክንድኡ ግና ደመወዝ እቲ ሰራዊት ከምዝወሰኸን፡ እንተኾነ ግን ናህሪ ዋሕዚ ስደት ዜጋታት ካብ እዋን ናብ እዋን ዝያዳ እናወሰኸ ይኸይድ ከም ዘሎን ዝፍለጥ ‘ዩ።

———————————-/////////////————————————–

 

 

 

 

 

ሰሉስ 10/01/2017

ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ስደተኛታት ዜጋታትና ሕጂ ‘ውን ከቢድ ሓደጋ ምስጓግ የንጸላልዎም ከም ዘሎ ተሓቢሩ።

ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ኣብ በረኻታት ሳሃራ ንዝሓዞም ኤርትራውያን ዝርከብዎም 115 ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ነናብ ዓዶም ንምስጓግ ኣብ ምድላው ከም ዘሎ ማዕኸን ዜና ዥንዋ ሓቢሩ።

እቶም ብሰንኪ መሪሕነት ኢሳይያስ ኣማሪሮም ናብ ስደት ዘምርሑ ዜጋታትና ኣብ በረኻታት ሳሃራ ብሓይልታት ቅልጡፍ ወሃቢ ድጋፍ እታ ሃገር ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘኣተውን ናብ ኤርትራ ንምምላሶም ‘ውን ኣብ ምድላው ከም ዘሎን እቲ ሓበሬታ የረድእ።

እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ መንግስቲ ሱዳን ቅድም ክብል ናብታ ሃገር ንዝኣተው ሓተቲ ዑቕባ ዜጋታትና ብተመሳሳሊ መንገዲ ናብ ስርዓት ውልቀ መላኺ ኢሳይያስ ከምዝሰጎጎምን እቶም ዜጋታት ኣብ ከቢድ ሓደጋ ማእሰርቲ ከምዝኣተውን ዝፍለጥ ‘ዩ።

———————————-/////////////————————————–

 

 

 

 

 

 

 

 

 

ሰሉስ 10/01/2017

ውድብ ገንዘብ ዓለም ኣብ ዓመተ 2017 ቁጠባዊ ዕቤት ዘምጽኣ ሃገራት ኣፍሪቃ ዕላዊ ገይሩ።

ከም ጸብጻብ ውድብ ገንዘብ ዓለም ኣብ ዓመተ 2017 ቁጠባዊ ዕቤት ዘምጽኣ ሃገራት ኣፍሪቃ ሊብያ፡ ኮቲዲቫርን ኢትዮጵያን ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ሰሪዕወን ኣሎ።

እቲ ውድብ ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ፡ ብዘይካ እዘን ሰለስተ ሃገራት ጋና፡ ታንዛንያ፡ ሴኔጋል፡ ኬንያ፡ ቡርኪናፋሶ፡ ሞዛንቢክን ማእከላዊ ኣፍሪቃን ‘ውን ካብ ራብዓይ ክሳብ ዓስራይ ዘሎ ተርታ ብምሓዝ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመተ 2017 ቁጠባዊ ዕቤት ከመዝግባ ትጽቢት ተነቢሩለን ‘ሎ።

ብዘይካ እዚ እቲ ውድብ ገንዘብ ዓለም ኣብ ጸብጻቡ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ገዚፍ ቁጠባ ዝውንና ናይጀርያን ደቡብ ኣፍሪቃን ኣብ ዕቤት ቁጠባ ጸገም ክገጥመን ከምዝኽእልን ኣብ ዓመተ 2017 እዚ ዝበሃል ዕቤት ከም ዘየርኣያን ኣሚቱ ‘ሎ።

———————————-/////////////————————————–

 

 

 

 

 

 

 

 

 

ሰሉስ 10/01/2017

ወተሃደራዊ ሓይሊ ቱርኪ ኣብ ልዕሊ ዳዕሽ ዝገበሮ መጥቃዕቲ ይቅጽለሉ ከም ዘሎ ተሓቢሩ።

ወተሃደራዊ ሓይሊ ቱርኪ ኣብ ሶርያ ኣብ ልዕሊ ኣሸባሪ ጉጅለ ዳዕሽ ብዝፈነዎ መጥቃዕቲ ልዕሊ 48 ዕጡቃት እቲ ጉጅለ ከምዝቐተለ ሮይተርስ ሓቢሩ።

ወተሃደራዊ ሓይልታት ቱርኪ ብነፈርቲ ተሓጊዞም ኣብ ልዕሊ ዕጡቅ ጉጅለ ዳዕሽ ብዝፈነውዎ መጥቃዕቲ ብውሕድ 23 ህንጻታት እቲ ኣሸባሪ ጉጅለ ሓዊስካ ካልኦት ከቢድ ሰብኣዊ ኪሳራታት ከምዘብጽሐ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ’ሎ።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ቱርኪ ኣብ ልዕሊ ዕጡቅ ጉጅለ ዳዕሽ ብዝፈነወቶም ተኸታተልቲ መጥቃዕቲታት ኣብ ትሕቲ እቲ ኣሸባሪ ጉጅለ ዝነበረት ከተማ ኣልባብ ነጻ ወጺኣ ‘ላ።

———————————-/////////////————————————–

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

ሰሉስ 10/01/2017

መንግስቲ ሶርያ ዘላቒ ፍታሕ ሃገሩ ንምርግጋጽ ንዝግበር ዘተ ቅሩብ ምህላው ኣፍሊጡ።

ፕረዚደንት ሶርያ በሽር ኣልዓሳድ እቲ 6 ዓመታት ዝተኻየደ ውግእ ሓድሕድ ሓንሳብን ንሓዋሩን ንምውጋድ ዓሊሞም ኣብ ዝግበሩ ዘተታት ክሳተፍ ሙሉእ ድሉውነቱ ኣረጋጊጹ።

ብፍላይ ኣብ መስርሕ ግሉጽ ምርጫን ምስግጋር ስልጣንን ኣድሂቦም ንዝግበሩ ዘተታ ምሉእ ደገፍ ከም ዝገብርን ዝድለ ኩሉ ንምግባር ድሉው ምህላውን’ውን እቲ ፕረዚደንት ኣነጺሩ።

ኣብ ውሽጢ እዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ጥሪ ብሩስያን ቱርክን ዝተነደፈ ዘተኣዊ መድረኽ ኣብ ካዛኪስታን ተዳልዩ ምህላው’ውን ኣብሪሁ።

————————————-/////////////———————————–

 

 

 

NO COMMENTS

LEAVE A REPLY