ከይተሓልመ ዝተፈትሐ መጻኢ ቃለመሕትት ገባቲ ኢሳይያስ

0
1454

ሰላም ኣብ ርሑቕን ቀረባን በረኻን ዓድን ኮይንኩም ንፈነወ ማሕበረሰባዊት ሬድዮ ድምጺ ወጋሕታ ሳሊና ትከታተሉ ዘለኹም ኩቡራትን ክቡራንን ሰማዕትና እነሆ ሓዳስ ዓመተ 2017 ኣሃዱ ኢልና ካብ እንረግጻ ድሮ መዓልታት ተቖጺሩ ኣሎ፡፡ ዓመት መጸ ድማ ትምኒታት ምድርዳር ዋላ’ኳ ሓጥኣት ተዘይኮነ መስርሕ ትግባረ ምስ ዘይጽንበሮ ግና ካብ ጣዕሳ ዝሰገረ ፋይዳ ክርከቦ ማለት ዘበት’ዩ፡፡ እቲ ምንታይ’ሲ ንኩሉ እትትምነዮ ነገራት ረሃጽካ ምስዘይተፍስሰሉ ልክዕ ከምቲ ካብ ሰማይ ማና ክወርደካ ምጽባይ ዝዓይነቱ ጽውጽዋይ ስለዝኸውን፡፡

ናበይ’ዩ እዚ ኩሉ ሸኾርተት’ዶ ትብሉ ኣለኹም፡፡ እወ ጉዳይ ዛዕባናን ውራይናን’ኳ ናብቲ ኣብ ዓለምና መወዳድርቲ ዘይብሉ ኣቦ መብጻዓ መላኺ ኢሳይያስ ዘድሃበ’ዩ ክኸውን፡፡ እዚ መሪሒነት ቁንጮ ህግደፍ ኣብዞም ዘሕልፍናዮም 25 ጽንኩራት ዓመታት ማእለያ ኣልቦ መብጻዓታት ክድርድር ገና ቀለሞም ከይነቐጹ ባዕሉ ክግህሶም ካብ እንዕዘብ ነዊሕ እዋን ገይሩ’ዩ፡፡ እዚ ከምዚ ክንገብር ኢና’በር ከምዚ ገይርና ዘይፈልጥ ፋሉል ስርዓት ኣብዛ ብክልተ እግርና ኣዳዕዲዕና ረጊጽናያ ኣብ ዘለና ሓዳስ ዓመተ 2017 ሰፊሕ ቃለመሕተት ክገብር ምዃኑ ብትካል ምድንጋር 03ን ካልኦት ኣምሰሉታት ኣሳሳይቱ መራኸብቲ ብዙሃንን ክድበለሉን ክጋዓረሉን ንሰምዕ ኣሎና፡፡

ሎሚ ዝኾነ ኤርትራዊ “ሎምቕነ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ቲቪ ኤረ ቀሪቡ ቃለመሕተት ክገብር’ዩ“ ዝብል ሓበሬታ ክሰምዕን ወጮ ተገምጠልካዮ ወጮ ክብልን ሓደ ኮይኑ ኣሎ፡፡ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት’ኳ እንተሪኢና ኣብ ሓደ ቅኒተ መስመር ዝዓለቡ ግን ከኣ ውርጽጽና ቃላቶም ዝተፈለዩ ሓረጋት እናምጽአ ንዓመታ ኣብዛ ሃገር ጽጋብ ክኸውን’ዩ ቀጺሉ ጻዕርና ኣብ ንሓፍሰሉ እዋን በጺሕና ህዝቢ ጻምኡ ዝኽፈለሉ ግዜ ቀሪቡ ሕጂ ድማ ቁጠባዊ ግስጋሰና ኣብ ቀረባ ርሕቐት’ዩ እናለበ ኣብ ባይታ ብዘየለዉ ተግባራት ጉንዲ እዝንና ብሓሶት ካብ ዘላድደና እነሆ 2 ዓሰርተ ዓመታት የሕሊፍና፡፡

እነሆ ኣብዛ ሓዳስ ዓመተ ኮይኑ ን2016 ድማ ብውልቃዊ ፍልስፍንኡ ገይሩ ክውቅራን ከጸባብቓን ገዛ ተዓጺዩ ከም ኣመሉ ንክዋሳእ ኣብ ሓያል ፍብረኻዊ ታዕሊም ተጸሚዱ ይርከብ ምህላዉ ባዕላ ወዳሲቱን ኣገልጋሊቱን ማዕከን ሓሶት 03 ኣብ ትዝርግሖ ዘላ ወረታት ምርግጋጽ ይከኣል፡፡

እምበኣርከስ ኩቡራትን ክቡራን ሰማዕትን ተኸታተልትን ሬድዮ ወጋሕታ ሳሊና ንሕና ካብ ሕሉፍ ተሞክሮ ፍረ ኣልቦ ቃለመሕተት ቁንጮ መሪሒነት ህግደፍ መላኺ ኢሳይያስ ተበጊስና ኣብ ቀጻሊ ክገብሮ ንዝሕሰብ ዘሎ መደረ ወይ’ዉን ኣሽካዕላል ክንብሎ ገለ ቅድመ ግምታት ክንብሎ ክንፍትን ኢና እንተ ብወገንኩም ድማ ከከም ፊን ዝበለኩም ኮን ደኾንኩም ደርጉሑ እንተ ንሕና ካብ ማሓዩር ነጻ ዝኾነ ሓሳባት ንድሕድሖ ኣሎና፡፡

ምናልባት መላኺ ኢሳይያስ ኣብ ፈለማ ንክትሕተት ክምድባ ዝኽእል ሕቶ ተባሂላ እትግመት ሕቶ ህሉዉ ዞባና ብፍላይ ከኣ ኩነታት ኢትዮጵያ ወይ ብናቱ ኣገላልጻ ወያነ እትብል ሓረግ’ያ፡፡ እዚ ስርዓት’ዚ ንውሽጣውን ዘቤታውን መግድራ ኩሉ ግዜ ናብ ናይ ደገ ሓይልታት እናለቓቐበ ማእዝን ዜጋታት ከመዛብዕ ጸኒሑ’ዩ፡፡ እነሆ ሎሚ’ዉን ህዝቢ ኢትዮጵያ ነድሪ’ዩ ተሓዚ የብሉን ስርዓት ወያነ ኣብቂዑ’ዩ ሕቑኡ ተገሚዑ’ዩ ኣብ ኣሜሪካ ዝነበረ ደጋፊኡ ምምሕዳር ዋሽንግተን ድማ ዕድመ ስልጣኑ የብቅዕ ብምህላዉ ዘራይ ዝኾኖ የብሉን… ወዘተ ብምባል ኣዝዩ ኣረብራቢ መደረ ከስምዕን ብተወሳኺ ኣብ ኩነታት ኒል ኣመልኪቱ ድማ ምስ ግብጺ ዘሎ ምትፍናን ከም ሓደ በሊሕ ርእሲ ዝወነነ ፈላስፋ ኣብ ክውንነትን ፍልጠትን ዘይተሞርኮሰ ህውተታ ከካይድ ክጽዕር’ዩ፡፡ ኣስዒቡ ኣብ ጉዳይ ሊብያ ሶሪያ ዝካየድ ዘሎ ሽርሕን ተጻብኦን ሃገራት ዓለም ብፍላይ ድማ ንኣሜሪካ ክኹንን ክስማዕ’ዩ ጽንሕ ኢሉ ድማ መዘክር ኣእምርኡ ብኣልኮላዊ መስተን ጭንቀትን ዝተመዛበለ ኢሳይያስ ነቲ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ኣብ የመን ዘካይድኦ ዘለዋ ወፍሪ መጥቃዕቲ ድንደና ፍትሓዊ ምዃኑን ንሱ’ዉን ኣካል ናይቲ ግብረሽበራውያን ንምጥፋእ ዓሊሙ ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ከም ዝዃነን ከይሓነኸ ክዛረብ’ዩ፡፡ እሞ እዞም ሕጂ ግብረሽበራውያን ዝበሃሉ ዘለዉ ዕጡቓት ሑቲ ትማሊ ኣብ ኤርትራ ዓስኪሮም በዚ ነፋሒቶ ዝኾነ ስርዓት ኩለንተናዊ ደገፍ ክግበረሎም ከሎ ድኣ እንታይ ነይሮም ንስለ ሓርነት ዝቃለሱ ተጋደልቲ ምዃን’ኳ ዕድመ ንእስነቶም በጃ ህዝቦም ንክህቡ ነግፈረግ ንዘይብሉ ኤርትራውያን ብጾቱ ኣብ ጠላዕ ጸሓይ ዝኸሓደ ስርዓት ደኣ ንጓኖት እንተከሓደ ዝገርም ኣይኾነን፡፡

ምስ’ዚ ተኣሳሲሩ ኣብ ጉዳይ ዓሰብ ንዝተባህሉ ሓበሬታታት ኣመልኪቱ’ዉን ከም ኣመሉ ኣሉ ቀጣን ክብል’ዩ፡፡ ወደብ ዓሰብ ንኢማራት ኣይሃብና ኣይለወጥና ክብል’ዩ፡፡ እንተኾነ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ንወደብ ዓሰብ ብመልክዕ ሊዝ ን30 ዓመታት ከምዝገዝአቶ ኣብ ሃገራት ኣዕራብ ዝሕተማ ጋዜጣታትን መርበባት ሓበሬታን እንከይተረፋ ርግጸኛታት ኮይነን የሕሊፈኖ’የን፡፡ ኤርትራውያን ወተሃደራት ኣብቲ ኣንጻር የመናውያን ዕጡቓት ሑቲ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ይሳተፉ ኣለዉ ንዝብል እዋናዊ ሕቶ ድማ ብተዘዋዋሪ መገዲ ኣቢሉ ሰንዓ ምዃኑ ድሕሪ ምሕባር እቲ ወረ ናይ ወያነን ኣሜሪካን ምዃኑ ክሕብር ክፍትን’ዩ፡፡ ምናልባት ኣብዚ ክቡራትን ክቡራንን ሰማዕትና ድሕሪ ሕርያ ዶናልድ ትራምፕ ምናልባት መላኺ ኢሳይያስ ህድእ ዝበለ ዲፕሎማሲያዊ ቋንቋ ክጥቀም ተኽእሎ ኣሎ’ዩ፡፡

ካልእ ትሕጃ መግቢ ንምስሳን ኣብ 2017 ካብ ዝተታሕዙ ሕርሻዊ ውጥን ንኽዘና ማይ ዝምልከቱ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ዝበሉ ነዊሕ ዓመታት ዝተደጋገሙ ሕቶታት ኣካል ናይዚ ዓመተ’ዚ ቃለመሕተት ክኾኑ ግምታት ኣሎ፡፡

ወዮ ኣብ መልሓስ ጨለ ኣብ ተግባር ግና ዘየለ ሕሱም መራሒ ውሑዳን ኢሳይያስ ግና ኣብ ዝናብ መጺና ምስ ባህርያዊ ክሊማዊ ምግልባጥ ውሑስ ዓቐንን ዝርግሐን ናይ ዝናብ ስለዘየለ ኣብ ውሕስነት መግብን ሕርሻዊ መደባትን  ዓመት ብዓመት ክትዛረብ ኣይትኽእልን ኢኻ፡፡ ክራማት ብርኩት’ዶ ነይሩ ዝርግሒኡ’ኸ?  ከመይ ነይሩ? እናበልካ ክትግምግም ትኽእል ኢኻ ዝብሉ ነንገዛእ ርእሶም ዝላተሙ ሓሳባት ካብ ምድርዳር ዓዲ ኣይክውዕልን’ዩ፡፡ ኣብዚ ግና አብ ሃገርና ስቡሕ ክራማት ብተደጋጋሚ እንተዝመጽእ’ኸ ቆፎ ሓረስታይ ሃገርና’ዶ ከም ልቡ ምመልአ ወይስ ገባቲ ህግደፍ ከም ኣሉ ፈቆዶ ዓድታትን ጎደቦታትን ሚዛን ተተስኪሙ ምህርቲ እንዳማቱ ምስ ገበቶ ሕሉፍ ተግባራቱን ታሪኹን ምስክርና’ዩ፡፡

ኣብ ጉዳይ ኽዘና ማይ ኣመልኪቱ ድማ ካብ ተሓታትነት ንምህዳም ክብል ከም ኣመሉ ብዛዕባ ምኽዛን ማይ ብዙሕ ክዛረብ ከምዘይደልይ ክገልጽ ክፍትን’ዩ ምኽንያቱ ድማ ማይ ስለዝኸዘንካ ጥራይ ክንድ’ዚ ሚሊዮን ትርብዒት ሜትሮ ማይ ዝሕዝ ዲጋ ሰሪሕና ኣለና እናበልካ ዘይጭበጡ ተስፋታት ጥራይ ኢኻ ትዛረብ ክብል ቅድሚ ሕጂ ኣብ 2014 ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕተት ገሊጹ ነይሩ’ዩ፡፡ ወይለይ እቶም ትማል ኣፍልቡ ነፊሑ ዝንየተሎም ዝነበረን ባዕሉ ሃንዳሲ ኮይኑ ወትሩ ዝከታተሎም ዝነበረን ዲጋታት ደኣ ኮን ደኾን ፈሽሎም ’ዶ ዋላስ ድበት መሊኦም፡፡ እቶም ትማሊ ውሕስነት መግቢ ሃገርና ከረጋግጹ ተባሂሎም ዝተሃነጹ ዲጋታት ፋንኮ ባድሚት ከርከበት ገርሰት ዓዲ ሃሎን ገርገራን ወዘተ ዘይጭበጡ ተስፋታት ’ዶ ተባሂሎም፡፡ ምዃን’ኳ ብኣስገዳድን ብናጻ ጉልበት መንእሰያትን ዝተሃነጹ ፕሮጀክትታት መቸም ፍጹም ከድምዑ ሪኢና ከቶ ኣይንፈልጥን፡፡ ብተወሳኺ ዘይስነሞጎታዊ ኢድ ኣእታውነት ክእለተ ኣልቦ መላኺ ኢሳይያስ ተሓዊስዎ፡፡ ብሓቂ ኣብ ኤርትራ ካብ ዝተሓንጸጹ ፖሊስታት ከድምዕ ዝነበሮ ወፍሪ ዋርሳይ ይከኣሎ’ዩ ነይሩ፡፡ እዚ መደብ’ዚ’ዉን ካብ ሓልዮት ህንጸት ሃገር ዝተበገሰ ዘይኮነስ ካብ ዒላ ተንኮል ህግደፍ ዝተቐድሐ ንገለ ተጋደልትን መላእ ወለዶ እዛ ሃገርን ጅሆ ንምትሓዞም ዝተገብረ እከይ ሜላ ስለዝነበረ ጉልበትን ሃፍቲ ሃገርን ደራዒሙ ካብ ዜሮ ናብ ዜሮ’ዩ ተሰኒዱ፡፡

ካልእ እቲ ቀንድን ኣገዳስን ሕቶ ተባሂሉ ትጽቢት ዝግበረሉ ድማ ጉዳይ ምቕያር ባጤራ ናቕፋን ንዕኡ ስዒቡ ዝመጸ ወሰኽ መሃያ ገለ ወተሃደራትን’ዩ፡፡ ኣብዚ እዚ መላኺ ጉጅለ ብዕሱባቱ ተደሪሱ ብኡኡ ተባሪኹ ብመንገዲ ውልቀ ሕዛእቱ ቲቪ ኤሬ ንዝሓለፈ ሓተታ ክደግም ዋላ ሕንኽ ኣይክብልን’ዩ፡፡ እታ ውልቀ ሕዛእቱ ዝኾነት መስኮት ቴሌቪዥን ህግደፍ ብ24 ታሕሳስ 2016 “ገስጋስ 2016ን መጻኢ ዓመቱን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘመሓላለፈቶ ሓተታ ዓመተ 2016 ኣብ ፖለቲካዊ ቁጠባዊ ማሕበራውን ዲፕሎማሲያውን መዳያት ውጽኢታዊ ስራሕ ዝተፈጸመላ ዓመት ምንባራ መዲራ፡፡ እዚ ነዛ ሓተታ ዝባረኻ መላኺ ድማ ኣብዚ ሕጂ ክህወተተሉ ዝበሃል ዘሎ ቃለመሕተት ዝያዳ ኣማዕሪጉን ኣጸባቢቑን ነዛ ሓተታ ካብ ምቕራባ ዓዲ ነይክውዕልን’ዩ፡፡ ብፍላይ ምቕያር ወረቐታዊ ባጤራ ከምቲ ዝተተለመሉ ቅርጻዊ ቁጠባዊ ምትዕርራይ ምስ ናይ ሕልኽልኻት መሰጋገሪ መድረኽ ማክሮ ቁጠባዊ ርግኣት ንምፍጣርን ሕጋዊ ኣሰራርሓ ንምምዕባልን ዘኽእል ባይታ ከምዝፈጠረ ኣምሲሉ ክምድር’ዩ፡፡

ንምዃኑ ድሕሪ ምቕያር ባጤራ ናቕፋ መንብሮ ህዝብና ኣብ ከመይ ኩነታት ድዩ ዝርከብ ዘሎ? ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቤት ኤርትራዊ ተደጋጊማ እትስማዕ ልምድቲ ቃል’ኳ እንተሃለወት ደቂና መንዚዑ ዝእሰር ኣሲሩ ዝባረሩ ኣባሪሩ ከይኣኽሎ እነሆ ሎሚ ድማ ገንዘብና ሓይሩ ብከብድና ክንሓስብ ገይርና ዝብል’ዩ፡፡ ብኣውርኡ ድማ ዕላማ ናይዚ ዓፋንን ገባትን ጉጅለ ህዝቢ ኣብ ልዕሊኡ ይወርዶ ንዘሎ ፖለቲካውን ወታደራውን ጭቆና ኣመት ሂቡ መኣንታን ከይብድሆ እንተስ ብስእነት ማይ ባኒ እንተስ ብግፋ ብምፍራስ ኣባይቲ እንተስ ብምህጋር መሬት ብምህጋር ገንዘቡ ቅሳነት ከምዝስእን ብምግባር ኣጥሚኻን ኣሪዒድካን ዝብል ፖሊሲ’ዩ ክኽተል እዩ መሪጹ ዘሎ፡፡ ሎሚ ምስሊ ሕብረተሰብና ሪጋ ምስ ዝብል ኣምር ተላፊኑ ካብ ዝነብር እነሆ ነዊሕ እዋን ኮይኑ እታ ዝርከባ ስድራ ገለን ናብ ሪጋ ባንካ ሪጋ ላምባ እቲ ካልእ ናብ ሪጋ ባኒ ሪጋ ማይ ኮይኑ ናብርኣ፡፡ እቲ ዝገርም ድማ ንገዛእ ገንዘብካ ግብሪ ክትከፍለሉ ዘገድድ መላኺ ዝርአና ኣብ ሃገረ ኤርትራ ጥራሕ’ዩ፡፡ ደሓር ከኣ ውራይ ክተሓልፍ ኣብ ዝደለኻሉ እዋን ነቲ ደም ሪሂጽካ ዘጥረኻዮ ገንዘብካ ንክራይ ቬሎ ንመግቢ ንመስተ ንባንዲ ንክራይ መኪና ወዘተ ክንደይ ከምዘድልየካ ኣብ ምምሕዳር መጺእካ ቅጥዒ ብምምላእ ኣመስክር ትብሃል፡፡ ብሓጺሩ ምቕያር ባጤራ ናቕፋ ንረብሓ ህዝብን ሃገርን ዓሊሙ ዝተበገሰ ዘይኮነስ ኣብ ትሕቲ ፍጹም ኩለንተናዊ ምቁጽጻር የኢትኻ ምዩቕ ዝብል ሕብረተሰብ ንከይፍጠር ምግባር’ዩ፡፡ ምናልባት ምቕያር ባጤራ ኣብ ኢሳይያስን ኣዳኸርቱን ገለ ቁጠባዊ ረብሓ ኣምጺኡ ክኸውን ይኽእል’ዩ እንተ ህዝብና ግና ብገዛእ ገንዘቡ ልክዕ ከም መቑነን ሰራዊት ኣብ ወርሒ ብቋሬጣ ይዕደሎ ኣሎ፡፡ ህዝብና ድማ ካብ ሕሱም መረረት ነቒሉ ካብ ናቕፋ ምቕያር ይሓይሽ ስርዓት ምቕያር ይብል’ሎ፡፡

ካልእ እዚ ኣብ ፍብረኻ ሓሶት መወዳድርቲ ኣልቦ መላኺ ኢሳይያስ ንወሰኽ ደሞዝ ኣመልኪቱ ድሕሪ ነዊሕ እዋን ሓይልታት ምኽልኻል ደረጃ ብደረጃ ሞስኡ ይረክብ ኣሎ ከምኡ’ዉን ኣብ መንግስቲ ሰራሕተኛ ዝነበረ ዘይብቑዕ መሃያ ኣራሚ ስጉምትታት ይውሰድሉ’ሎ ብምባል ክምድር’ዩ፡፡ ግርም ኣብ ጉዳይ ወሰኽ ደሞዝ ገለ ተስፋ ዝህቡ ተርእዮታት ተዓዚብና ነይርና፡ እቲ ዝገርም ግና ብቃል ዝተኣወጀ ኣሸሓት ኣብ ተግባር ዝተመጠወልና ግና 2 ሚኢትታት፡፡ እዚ ኩቱር ንዕቐትን ኣሽካዕላልን ኣብ ልዕሊ እቲ ለዋህ ህዝብና ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ድማ ብፍላይ’ዩ፡፡ ምኽንያቱ ከኣ ሓቁ’ዩ ንጀጋኑ ስንኩላትና ብዓረር ጠያይቱ ክቆልቦም ከሎ ትም፡ ኣብ ልዕሊ ፍትሓዊ ሕቶ ስሩዕ መሃያ ዝሓተቱ ገዳይም ተጋደልቲ ስጉምቲ ምእሳርን ምስዋርን ክወስድ ከሎ ትም፡ ኣብ ልዕሊ ኩለን ጎረባብትና ብውልቃዊ ስሚዒታቱን ርድየቱን መጋሪያ ኵናት ክውልዕ ከሎ ትም፡ ንላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስትን ግንባርን ንሙሁራትን ጋዜጠኛታትን ህዝባዊ ሕቶ ጥራይ ተሓንጊጦም ስለዝተላዕሉ ይትረፍ ሰብ ኣራዊት ክሰፍሮ ኣብ ዘይትትምነዮ ኣጻምእ በረኻታት ክሕይሮም ከሎ ትም፡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ ዶባት ብቀጭ ሕርሙ ክቑሎቡ ከለዉ ትም፡ ኣባይትና ብዶዘራት ከፍርሶ ከሎ ትም፡ መወዳእትኡ ዝነበረና ሃፍቲ ገንዘብ መንዚዑ ኣብ ዋኒኑ ክኽዝኖ ከሎ ትም መሪጽና፡፡ እነሆ ሎሚ ድማ ኣብ ዓለም ተሰሚዑን ተራእዩን ዘይፈልጥ ቅዲ ወሰኽ ደሞዝ ኣብ ዘበነ ተካል ስርዓት ንዕዘብ ኣለና፡፡ ኣብዚ’ዉን ትም መሪጽና፡፡

እቲ ዝገርም ወሰኽ ደሞዝ ሕግን ስርዓትን ኣኽቢሮም ግቡኦም ኣብ ምፍጻም ንዝርከቡ ካብ 1ይ ስጋብ 29ን ዙርያ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ብማዕረ 1800 ናቕፋ ክኽፈሎም ምዃኑ’ዩ ዓፋኒ መላኺ ኢሳይያስ መምርሒ ኣውሪዱ፡፡ እቲ ስዒቡ ዝመጸ ትራጀዲ ወይ ድማ ዳእላ ኮሜዲ’ዉን ክበሃል ይኽእል’ዩ፡፡ ኣብ ኣፈጻጽምኡ ክዕየር እንከሎ ድማ

610 ንስድራቤቱ ይቑረጽ ስድራ እንተዘይብሉ ኣብ ባንኪ ይውህለለሉ ይብል

300 ናቕፋ ንሎጂስትካዊ መዓላ ማለት ንወርሓዊ መቑነን ወተሃደራዊ ልባስን

224 ናቕፋ ንግብሪ መንግስቲ

180 ናቕፋ ንመስርሕ ኣባይቲ

100 ናቕፋ ንመማቕርቲ

90 ናቕፋ ንጥሮታ

10 ናቕፋ ንዕብየት ስፖርት

5 ናቕፋ ንደበስ ስውኣት

3 ናቕፋ ንኣባልነት ህግደፍ ተባሂሉ ምንዕንዕ ብምባል ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ኢዱ ዝበጽሖ ዝነበረ 600 ናቕፋ ተመናኒሁ ሕጂ 278 ናቕፋ ክዋሃቦ ተወሲኑ’ዩ፡፡

እዚ ካብ ንዕቐትን ኣሽካዕላልን ዝሰገረ ካልእ ምኽኒት ወይ’ዉን ከረድእን ከአምንን ዝኽእል ሓሳባት ከቶ የልቦን፡፡ ደሓር ከኣ ገባርን ሓዳግን መሪሕነት ቁንጮ ህግደፍ መን ኢለኹም ንስድራይ ሃቡለይ ኣብ ባንኪ ኣቐመጡለይ ኢሉ ተዝሓቶም እንታይ ኮን ምበሉ? ነተን ዝተረፋ 278 ናቕፋ መንዚዖም ንሓንሳብን ንሓዋሩን መቃበጽዎ’ዶ ዋላስ ኣብ ጎዳጉዲ መብለይዎ ርግጸኛ ኢና ካብ ክልቲአን ሓዲኤን’የን ዕጭኡ፡፡

እሞ ክቡራትን ክቡራንን ፍትሕን ሓርነትን ዝጸማእኹም ደቂ ኤረይ እዚ ብዘይ ናይ ህዝብና ሃንቃን ባርኾትን ንልዕሊ 25 ዓመታት ብሓይሊ መልጢ ዝገዝኣና ዘሎ ጭፍራ ጉጅለ ኣብ ሓሶትን ምድንጋርን ተጸሚዱ ብዘይትግበሩ መብጻዓታትን ኣብ ባይታ ብዘየለዉ ስራሕቲ ልምዓትን እናጋዓረ ክመጽእ ንሕና ድማ ብሽርሕታቱ እናተገዳዕና ብኩለንተናዊ መለክዒታት ካብ ዝነበረና ናብ ድሕሪት እናንሳሕብና ካብ እንመጽእ ቀሊል ዓመታት ኣይተቖጸረን፡፡ እነሆ ሎሚ’ዉን ምናልባት ኣብ መስኮት ቲቪ ኤረ ቀሪቡ ቃለመሕተት ክህብ እንተፈቲኑ ዝያዳ ካልኦት ዓመታት ዓይኑ ብጨው ሓጺቡ ንዘየለ ልምዓት ፡ሰላምን ብልጽግናን ከምዘሎ ነቲ ኣብ ሃገር ከም ቅንጥሻራ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ጃምላዊ ግህሰት መሰላት ድማ ከምዘየለን ጠቐነ ወያነን ኣሜሪካን ምዃኑን ንከረድኣና ስጋብ መረቕ ጎረርኡ ዝውድእ ክግዕር’ዩ፡፡

እንተ ንሕና ግና ህዝብን ሃገርን ንዘንት ዕለት ብሓሶትን ምድንጋርን ከተማሓድሮም ኣይክትኽእልን ኢኻ እናበልና ኣብ ዕጹው ገዛ ንዝድረሱ ቃለመሕተታት መላኺ ኢሳይያስ ብመርትዖ እናደገፍና ኣብ ቃልዕ ኣውጺእና ከነፍሽሎም ኩሉና ደለይቲ ለውጢ ኤርትራውያን ሃገራዊ ግቡኡና ምዃኑ ክንግንዘብ ይግባእ፡፡

 

እዚወደሓንኩም

NO COMMENTS

LEAVE A REPLY