ጽዓት’ዶ መዓት?

0
25

ኩሎም’ታ ተመርመርቲ ስነ ቁጠባ መሰረት ዕቤት ቁጠባ ሓንቲ ሃገር ትሕተ ቅርጺ ከም ዝኾነ ዝተሰማምዕሉ ጉዳይ’ዩ፡ ኩለን ሃገራት ዓለም’ውን ነዚ ነገር ከም ማእዘን ልምዓት ገይረን ስለ ዝወስዶኦ ዘይተኣደነ በጀት ይምድባሉ ትሕቲ ቅርጺ ወይ ከኣ infsastructure ተባሂሎም ካብ ዝጽውዑ ጸዓት፣ መንገዲ፣ ርክብ ወይ’ከኣ communication እቶም ቀንድን ወስንትን ከም ዝኾነ ይግለጽ።

መላኺ ኢሳይያስ በታ ብሕታዊትን ሓሶት ክትዘረብን  ቅሩብ ዘይትሓንኽ ኢሪ ቲቪ ኣቢሉ ኣብ ዘወጽአ መግለጺ ሓድሽ ዓመት፡ ኣብቲ ዝተወደኣ ዓመተ 2016 እቲ ስርዓት ምሉእ ኣድህቦ ገይሩ ካብ ዝስርሐሉ ትሕተ ቅርጺ ጽዓት ከም ዝኾነ ይዛረብ እንታይ ገይራስ እንተትሓንከለይ ድዩ ዝብሉ ወለድና፡ እቲ ዓመት መጸ መብጽዓን ታህዲናን እምበር ቁሩብ እኳ ትኹን  ወጽኢት ዘይርኢ ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ኣፋ ጠውዩ ሓሊፉዎ፡ ከመይ እታ  ቤቱ ኣይተለወጠን ሕጂ’ውን ጸልማት ይፈታተና’ዩ ዘሎ።

መብዛሐቲኣን ዓበይቲ ከተማታት ኤርትራ ካብተን ኣብ ኣፍሪቃ ኣቀዲሙ ልቺ ዝኣተወን ከተማ ታት’የን ቅድሚ 25 ዓመታት ማለት ብዘበን ደርጊ እኳ ናይ ሕርጊጎ 132 ናይ በለዛ ከኣ 17 ሜጋ ዋት ደሚርካ ናብ ከባቢ 150 ሜጋዋት ዘምጭው ማእከላት ከም ዝነበሩ Eritrean power Africa shelet መርበብ ሓበሬታ ዝተባሃለ ይጠቅስ፡ እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ  ሓፈሻዊ ሃገራዊ ሽፋን ዝርገሓ ኤልክትሪክ 32 ሚኢታዊ ከም ዝኾነን ኣብ ከተማታት ዘሎ ዝርገሓ ከኣ 86 ሚኢታዊ ከምኡ’ውን 17 ሚኢታዊ ገጠራት ኤርትራ ብጽዓት ከም ዝተሸፈነ ይግለጽ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ገለ ገለ ግዱሳት ኤርትራውያን ኣብ መርበብ ሓበሬታ ካብ ዝስፈርዎ ድማ ኣብ ኤርትራ ማለት ኣብ በለዛን ሓርጊጎን ኣስታት 120 ሜጋዊት ካብ ነዳዲ ዝምጩ ኤሌክትሪካዊ ጽዓት ከም ዘሎን እንተኾነ ግን ካብ ብዝሒ ግዜ ኣገልግሎት ዝተላዕለ እተን ጀነሬተር ስለ ዝኣረጋ ካብ 50 ሜጋ ዋት ንላዕሊ ከመንጭዋ ብዘይምኽኣሉን ከተማታትና ጭልምልም ክብለ ከም ዝተገደደ የረድኡ።

ቅድም ክብል ከም ዝገለጽናዮ ጽዓት ወሳኒ ትሕተ ቅርጺ’ዩ ብዘይጽዓት ልምዓት ዝብሃል የለን ኣወፈርቲ ርእሰማል ናብ ሃገር ክኣትውን ብጸጋ ታ’ሃገር ክሰሓቡን ዝኽእሉ ዘተኣማምን ጽዓት ከም ዘሎ ርግጸዊ ምስዝኾ’ዩ እዚ ኮይኑ ከብቅዕ ኣብ ሃገርና ግን እቲ መሰረታዊ ዝብሃል ናይ ገዛ ብርሃን ልቺ እኳስ ንጋዶ’ዩ መረረት ህዝቢ ካብ ክልዕ ሓሊፎ’ዩ፡ ሐድሽ መስመር ጎረባብቲ ሃገርና እንተን ጸጋ ጽዓት ዘለውን ጸጋታተን ኣብ ምጥቃም ይነጥፉ ኣለዋ፡እታ ብብዝሒ ህዝቢ ብዓጸፌታ ካብ ኤርትራ እትበልጽ ኢትዮጵያ ቅድሚ 25 ዓመይ ኣስታት 360 ሜጋ ዋት ተመንጩ ነይራ ሕጂ ድሕሪ 25 ዓመት ከኣ ከባቢ 4650  ሜጋ ዋት ተምርት ኣላ ካልኦት’ውን ብተመሳሳሊ ኬንያ፣ ሱዳን፣ጁቡቲ ዘለወን ጸጋ ንምጥቃም ላዕልን ታሕትን ይብላ ኣለዋ ኣብ ጎደለኣን ንምምላእ ከኣ ጽቡቅ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ብምፍጣር ሕጽረታትን ንምሽፋን ጽዓት ይገዝኣ ኣለዋ።

እሞ ጉደይ ሃገርና ድኣ ምስ ምንታይ’ዩ ዝቁጸር ጽዓት የለን ዲፕሎማሲ የለን ዘይፈጽም መብጽዓ ዘይዓቅምኻ ተሃዲድን ጥራይ ኮይንና ኣሎ፡ ኣብ ውሽጢ 25 ዓመት ብዘይ ገለ ፍረ ንነብር ኣለና ጸላምና ካብ ግዜ ናብ ግዜ ድቅድቅ ጸልማት እናኾነ ይመጽእ ኣሎ፡ እዝስ ጽዓት ዶ ማዓት?

NO COMMENTS

LEAVE A REPLY