እዋናዊ ዛዕባ- ሕማቕ ሓረስታይ ሓንቲ ነዊቱ፡ ዝጠፈሸ ጉጅለ ሓንቲ መዝሙሩ

0
1186

 

ባርባራዊ ዕብለላ ባዕዳውያን ገዛእቲ ኣብ መዛዘሚ ምዕራፍ ዝበጽሐ እቲ ብህዝባዊ ግንባር  ዝምራሕ ውድብ ኣብ 91 ንመሬት ኤርትራ ምስ ተቋጻጸረ እዩ፡፡ እዚ ድሕሪ ናይ 30 ዓመታት መሪርን ኣህላኽን ኩነታት ዝተረኽበ ዓወት፡ ዝጠለቦ ንዋትን ህይወትን ኣቕሊልካ  ዝረአ ወይ ኣፍኩስካ ዝዝንተወሉ ኣይኮነን፡፡ እቲ  ምንታይ’ሲ ልዕሊ ዝኾነ ነገር ህይወት ዜጋታት ንምድሓ ክቡር ዋጋ ህይወት ዝኽፈሎ ምኹና’ዩ፡፡ ግደ ሓቂ ከኣ ዋጋ ህይወት ንዝሓትት ኩነት ከም ናይ መወዳእታ ኣማራጺ ምኹና’ምበር እንተዝክኣል ገንዘብን ንዋት ከፊልካ እትደልዮ ምርካብ እቲ ዝቐለለ’ዩ ኔሩ፡፡ ግን ድማ ኣብ ገዛእ መሬትካን ህዝብካን ምስ ገዛኢ ስርዓት እትገብሮ ምድንጋጽን ምልምማጽን ስለዘየለ ብዕጥቃዊ ቃልሲ ዋኒንካ ከተምልስ ግድን ይገብሮ፡፡ ክንዲ ዝኾነ ድማ ኩሉንትናዊ ተሳትፎ ብምግባር ናብ ዓወት ተበጽሑ፡፡

ናጽነት ምስ ሓርነት ተጣሚረን ዝኸዳ’ምበር፡ ሓንቲ ካብቲ  ካልእ ተነጻጺለን ዝትግብራ ኣይኮናን፡፡ ምልኣት ናይዚአን እንተሎ ድማ ህልውና ህዝብን ሃገርን ዉሑስ ኮይኑ’ዩ ዝቕጽል፡፡ ብኣንጻሩ ዝኾነ ምጉዳል እንተተራእዩ ከኣ ኣብ ዘሻቕልን ሓደገኛን ኩነታት ምውዳቖም ኣይክተርፍን፡፡ ዓፈናን ጭቆናን ከም ድነ ጥፍኣት ዛዝይዋ ዝነበረት ሃገር፡ ካብቲ ጉዕዞ ብርሰት ንምድሓን ኩሉ ክፋል ሕብረተሰብ ኤርትራ ተረባሪቡ’ዩ፡፡ ብቋንቋ ባህሊ ሃይማኖት ዘርኢ ብሄር ከይተፈላለየ ንቃልሲ ምውፋሩ ምልኣተ ሓድነት ዘንጸባረቐሉ መድረኽ’ዩ ኔሩ፡፡ ካብ ራስ ቄሳር ክሳብ ራስ ዱሜራ ዝሽፍን ሓባራዊ ምንቅስቓስ ክገብር ከሎ ግን ድሕሪ ናጽነት ዝጋሃድ ጥጡሕ ባይታ ንመላእ ዜጋታት ብማዕረ ዘሳትፍ ዲሞክራሲያዊ መድረኽ ክፍጠር ምእንቲ’ዩ፡፡ ኣብ መዳይ ፖለቲካ ይኹን ቁጠባ፡ ብናይ ሓባራዊ ተረባሕነት ቀጻልነቶም ዘረጋግጽሉ ዓንኬል ንምስራሕ ከምዝነበረ’ዉን ሓድሕድና እንፈልጦ ሓቂ’ዩ፡፡

ይኹን’ምበር ስዕሊ ዘጋጠመ ኩነታት ዘሕደርዎ ባህግታት ጥሙሕን ተጣሓሕሱ  መልክዕ ኣነባብሮኦም ይኹን ቀጻልነቶም፡ ብናይ ሓደ ጉጅለ ድሌትን ትእዛዝን ተቐይዱ፡፡ ኣብ ነፍሲ ወከፎም ዘሎ ባህርያዊ ተረኺቦን ቀለማዊ ፍልልያትን፡ ሕመረት ምክብባሮም፡ ምስጢር ጽኑዕ ሓድነቶምን መግለጺ ህያው ፍቕሮምን ከይከውን ተባሂሉ እዚ ጠላም ሽፍታ ደይመደይ ኢሉ ሰርሕሉ’ዩ፡፡ ብሄራት ኤርትራ ሰረት ህልውነኦም ዝኾነ ክብርታቶም ካብ ኣባሓጎታቶም ዝወረስዎ ቅዲ መግለጺ መንነቶም ምዃኑ ዝኣምንሉ ቅርጺ  ኣቋውመኦም ደምሲሱ፡ ኣብቲ  ሓደ ህዝቢ ሓደ ልቢ ዝብል ጉጉይ ስነሞጎትን ቀያዲ ጭርሖን ክርዕሙ ደረት ዘይብሉ ጸቕጥታትን ብሓይሊ ንክቅበልዎ ኣብ ልዕሊኦም ክሳብ ከበድቲ ገበናት ኣብ ምፍጻምን በጽሑ’ዩ፡፡ ብፍላይ ውሑድ ቁጽሪ ህዝቢ ንዘለዎም ብሄራትና ነቲ ስሕው ቁጽሮም ከምድኽመት ብምውሳድ እቲ ዘይምኽንያታውን ሓቅነት ዘይብሉን ኣተሓሳስብኡ ብዘይሕቶን ሪኢቶን ንክቕበልዎ ኣፈራርሑን ዘመተ ኣካይዱን’ዩ፡፡

ኣብ ኤርትራ ዝርከባ ብሄራት ሓቂፎኖኦ ዘለዋ ህዝቢ ብዓይነቱን በመጻጽኡን ዝተፈላለየ እዩ፡፡ ዋላ ድኣ ድሒሩ ብዝተፈጥረ ናይ መውስቦን ካልኦት ጉዳያትን ንምትሕንፋጽ ይኹን ንምትሕውዋስ እንተበቕዑ ሓረግ ዘርኦም ዘነጽር ባዕላዊ ተረኽቦ ኣለዎም’ዩ፡፡ ብኡኡ ይኾርዑ ብኡኡ ይሕበኑ ድማ፡፡ ሓደ ብሄር ካብቲ ካልእ ዝፍለየሉ በቲ ንዘበናት ሕዝዎ ዝመጸ፡ ኩሉንተናዊ ትሕዝትኡ’ምበር ጸረ እቲ ካልእ ዕላማ ወይ መትከል ሃልይዎ ኣይኮነን፡፡ ዋሕስ ህላውነቶምን ምርግጋጽ መንነቶምን ኮይኑ ከገልግሎም ዝኽእል ድማ ነቲ ሕብረ ብዙሑነቶም ከም ጸጋን ህያውን ተቐቢሎም ኣብ መንጎኦም ንዘሎ ተፈጥረኣዊ ኣፈላላይ’ዉን፡ ድልዱል ሓድነት ዝሃንጽ ምዃኑ ኣትኪሎም ብምእማን’ዩ፡፡ ነዚ ዘይዕጸፍ ወድዓዊ ስነሞጎት ብሓይሊ ጓዕጺጹ ’ሓደ ህዝቢ ሓደ ልቢ’’ ዝብል መዝሙር ጉጅለ ሸፋቱ ንሸፈጥን መጻወቲ ፖለቲካዊ ቁማር ንምግባርን እንተዘይኮይኑ ካልእ ዕላማ የብሎምን፡፡ ከምቲ ሕማቕ ሓረስታይ ሓንቲ ነዉቱ ዝተባህለ፡ ኣብ ጥፈሻ ተሸኺሉ ዝርከብ ጉጅለ ድማ ካብታ ኣብ ክሳዱ ኣትያ ዘላ ገመድ ምእንቲ ከምልጥ ኢሉ ዝፈጠራ ናይ ምድንጋር ሜላ’ያ፡፡

NO COMMENTS

LEAVE A REPLY