ዝርዝር ዜና 17-03-2017

0
1755

ኤርትራዊ መንእሰይ ካብ ሃለኽቲ ነገራት ንታሕቲ ሓሲሩ’ሎ ክብል ኣባል 29 ዙርያ ዝኾነ ዜጋ ገሊጹ።

ዓረቢ17/03/2017

ኤርትራዊ መንእሰይ ካብ ሃለኽቲ ነገራት ንታሕቲ ሓሲሩ ‘ሎ ክብል ኣባል 29 ዙር ዝኾነ ዜጋ ገሊጹ።

ኣብ መደበር ታዕሊም ኮርመናዕ ብኣስገዳድ ዝተዓለመ ኣባል 29 ዙርያ መንእሰይ መሓመድ ኣልኣሚን ዓብደላ ንማሕበረሰባዊት ሬድዮ ድምጺ ወጋሕታን መርበብ ሓበሬታ ሳሊና ወጋሕታን ጨንፈር ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ዘመነ መግዛእቲ ምልካዊ ጉጅለ ህግደፍ ትሕቲ ሃላኺ ዝኾነ ግኡዝ ንብረት ኣዝዩ ሓሲሩ ምህላው ገሊጹ።

ድሕሪ ታዕሊም ኣባላት 29 ዙርያ ናብ ዓሰብ ተወዚዕኩም ኣለኹም ተባሂሎም ጉዕዞ ኣብ ዝጀመርሉ ኣስመራ ምስ በጽሑ ካብ ምልካዊ ጉጅለ ህግደፍ ዘይተጸበዩዎ መጅሙዕ ጠያይቲ ከምዝዘነቦምን ብዙሓት ካብኣቶም ከም ኮሚደረ ርእሶም ተጨፍሊቖም ህይወቶም ከም ዝሰኣኑን ዘኪሩ።

ተዓለምቲ ኮርመናዕ ብኣስገዳድ ዝተኣከቡ ምዃኖም ዝጠቐሰ ኣባል ስለያ ኮይኑ ዝተመዘዘ’ሞ ኢዱ ንሰራዊት ኢትዮጵያ ዝሃበ መንእሰይ መሓመድ ኣልኣሚን ኣብ መግለጺኡ፡ ኣብቲ መዓስከር ዘሎ ዝምድና ዓለምትን ተዓለምትን ኣዝዩ ሓርፋፍን ተስፋ ዘቑርጽን ምዃኑ ኣነጺሩ።

መንእሰይ መሓመድ ወሲኹ እቲ ጠንቂ ኩሉ መከራና ኮይኑ ዘሎ መላኺ ጉጅለ እንተዘይተኣልዩ ኣብ ኤርትራ ዝተርፍ ሰብ ከም ዘይህሉ ኣጠንቒቑ።

መንእሰይ መሓመድ ኣልኣሚን ካብ ግንባር ዓሰብ ምስ መራሒ ጋንትኡ ኣፎም ሓለንጋይ መድሃኔ ንስለያዊ ተልእኾ ናብ መሬት ኢትዮጵያ ምስ ሰገረ ምስ ዝነበሮ ድልየት ስግረ ዶብ ኢዱ ንሰራዊት ኢትዮጵያ ከም ዝሃበ ድማ ኣብሪሁ።

—————————————/////////////////—————————————-

ዓርቢ 17/03/2017

ብላዕለዎት ሓለፍቲ ሃገራዊ ድሕነት ዝፍጸም ተግባራት ብልሽውና ካብ እዋን ናብ እዋን ይባራኸት ከም ዘሎ ተገሊጹ።

ብላዕለዎት ሓለፍቲ ሃገራዊ ድሕነት ዝፍጸም ንትቐርቦም እሱራት ክፍትሑ ኣብ ምግባር፡ መውጽኢ ቪዛ ኣብ ምሃብ፡ ምስ ደቆም ስግረ ዶብ ኣብ ምኻድ ንዝተትሓዙ ስድራ ቤታት፡ ነጻ ኣውጺእካ ዳግም ናብ ስግረ ዶብ ክኸዱ ኣብ ምግባርን ካልኦትን ዝኣመሰሉ ተግባራት ብልሽውና ካብ እዋን ናብ እዋን ይበራኸት ከም ዘሎ ሬድዮ መድረኽ ገሊጻ።

ከም ሓበሬታ እታ ሬድዮ፡ ሓንቲ ኣደ ምስ ሓሙሽተ ደቃ ስግረ ዶብ ከተካይድ ምስ ተታሕዘት፡ ብፍሉይ ትእዛዝ ብሪጋዴር ጀነራል ስምኦን ገብረ ድንግል ኣብ ውሽጢ ሓደ መዓልቲ ክትፍኖ ከምዝተገብረን ኣብ ሰሙና ከኣ ብላንድኩሬዘር ናብ ርእሰ ከተማ ሱዳን ካርቱም ክትወጽእ ከምዝኸኣለት ተፈሊጡ ኣሎ።

ብዘይካ ‘ዚ ብኤውሮጳዊ ሕብረት ዝተወሃበ ሚልዮናት ዶለራት፡ ብስም ጨረታ ዝግበር ብላዓት፡ ከምኡ ‘ውን ኣብ ሚኒስትሪ ፍትሒን ኣብያተ ፍርዲን ዝካየዱ ተግባራት ብልሽውና ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ተራእዩ ዘይፈልጥ ወራር ከምዝኾነ ዝገለጸ እቲ ዜና ብሰንኪ እዚ ‘ውን ኤርትራ ናብ ጸድፊ ተምርሕ ኣላ ኢሉ።

——————————–////////////////////////———————————– 

ዓርቢ 17/03/2017

ናብ ኢትዮጵያ ይስደዱ ካብ ዘለው ዜጋታትና እቶም 39 ሚኢታዊት ቆልዑ ምዃኖም ተሓቢሩ።

ከም ጸብጻብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ቑጽሪ ናብ ኢትዮጵያ ይስደዱ ናይ ዘለው ዜጋታትና እናተበራኸተ ይመጽእ ከም ዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ካብዚኣቶም እቶም 39 ሚኢታዊት ትሕቲ ዕድመ ቆልዑን ህጻናትን ‘ዮም።

ካብዞም 39 ሚኢታዊት እቶም 14 ሚኢታዊት ብዘይዝኾነ ኣላዪ ዶብ ዝሰግሩ ምዃኖም ‘ውን እቲ ጸብጻብ ገሊጹ ‘ዩ።

ሓደሽቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝተኣኻኸቡሉ ማእከል ምጽራይ ስደተኛታት እንዳባጉና ልዕሊ ዓቅሙ ሰብ ሒዙ ብምህላው ኣገልግሎት መጓዓዝያ ናብ መዓስከራት ክህብ ከምዝጀመረ ‘ዩ ኣህጉራዊ ማሕበር ስደተኛታት ዝገልጽ ዘሎ።

——————————–////////////////////////———————————– 

ዓርቢ 17/03/2017

ህዝቢ ኤርትራ ንሓድነቱ ዝፈታትን ኩነታት ብንቕሓት ክገጥም ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ኣተሓሳሲቡ።

ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ፈተና ዘእቱ ህግደፍን ስዓብቱን ጥራይ ‘ዮም ዝበለ ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 53 ዓመት ታሪኻዊ ኵናት ቶጎርባ መግለጺ ዘውጸአ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ፡ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ጠንቒ ኩሉ ሓሳረ መከራ ኮይኑ ህዝቢ ዘሳቒ ዘሎ መላኺ ጉጅለ ንምእላይ ሓቢሩ ፊት ንፊት ክገጥሞ ኣለዎ ክብል ኣተሓሳሲቡ።

ስርዓት ህግደፍ ሕልሚ ሰማእታት ጨውዩ ንልዕሊ ርብዒ ዘመን ህዝብና የበሳብስ ኣሎ ዝበለ እቲ መግለጺ፡ ከም ውጽኢቱ ድማ ዓብይን ንእሽተይን ህዝቢ ኤርትራ ንዳግማይ ስደት ተቓሊዑ ‘ሎ ክብል ኣነጺሩ።

ታሪኻዊ ኵናት ቶጎርባ 15 መጋቢት 1964 ከምዝተኻየደ ይዝከር።

——————————–////////////////////////———————————– 

ዓርቢ 17/03/2017

ሕውነታዊ ርክብ ጁቡትን ኢትዮጵያን ናብ ዝለዓለ ጫፍ ክዓርግ ክንሰርሕ ኢና ክብል ፕረዚደንት ጁቡቲ ኣረጋጊጹ።

ፕረዚደንት ጁቡቲ እስማዒል ዑመር ገለ ኣብ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ዑደት ስራሕ የካይድ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ንቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ዘስመዖ መደረ መጠነ ሰፊሕ ምትእስሳር ንዘለዎ ርክብ ክልቲአን ኣሓት ሃገራት ብዝበለጸ ንምስጣሙ መንግስቲ ሃገሩ ኣበርቲዑ ከም ዝሰርሕ ኣረጋጊጹ።

እቲ ጁቡታዊ ፕረዚደንት ኣብ መደርኡ፡ ህዝብታት ኢትዮጵያን ጁቡቲን ኪንዮ ቁጠባዊን ፖለቲካውን ርክብ ብደም ዝተኣሳሰረ ሕውነት ዝመስረቱ ‘ዮም ድሕሪ ምባል እዚ ሕጂ ብቁጠባዊ መዳይ ዘርእዩዎ ዘለው ውሁድ ስራሕ ንካልኦት ኣህጉር ብኣብነት ዝጥቐስ ከም ዝኾነ ሓቢሩ።

ርክብ እተን ሃገራት ብዝኾነ ተኣምር ክብተኸሉ ኣብ ዘይከኣለሉ ደረጃ ተበጺሑ ምህላው ዝጠቐሰ ፕረዚደንት ገለ ሓይሊ ኤሌክትሪክ፡ ዝርገሐ ፋይበር ኦፕቲክስን ህንጸት መስመር ባቡርን ድማ ዝያዳ ንምስጣሙ ዝሕግዙ  ፕሮጀክታት ምዃኖም ኣፍሊጡ።

——————————–////////////////////////———————————–

ዓርቢ 17/03/2017

ሓደ ካብ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ኣልሸባብ ኣብ መቓድሾ ተቐቲሉ።

ጃዕፈር ኩካይ ዝተባህለ ሓደ ካብ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ጉጅለ ኣልሸባብ ምዃኑ ዝተነግረሉ ኣሸባሪ ብ15 መጋቢት 2017 ኣብ ከተማ መቓድሾ ከም ዝተቐትለ ካብታ ከተማ ዝወጸ ሓበሬታ ገሊጹ።

እቲ ላዕለዋይ ኣዛዚ ኣልሸባብ ብሰላም ኢዱ ክህብ ተሓቲቱ ድሕሪ ምሕንጋዱ ከም ዝተቐትለ ዝሓበረ እቲ ዝረኸብናዮ ዜና፡ ተሓቢኡሉ ኣብ ዝነበረ ቦታ ዝተኸዘነ ኣጽዋር ድማ ከም ዝተረኽበ ኣፍሊጡ።

መንግስቲ ሶማልያ ቅድም ኢሉ ዕጡቓት ኣልሸባብ ብገዛእ ፍቓዶም ኢዶም ብምሃብ ንዝዓነወት ሃገሮም ዳግም ንምህናጻ ይግበር ኣብ ዘሎ ታሪኻዊ ዕማም ምስ ህዝብን መንግስትን ሃገሮም ክሰምሩ ምጽውዑ ስዒቡ ሓደ ካብ ላዕለዎት ኣዘዝቲ እቲ ኣሸባሪ ኢዱ ሂቡ ምንባሩ ይዝከር።

——————————–////////////////////////———————————–

NO COMMENTS

LEAVE A REPLY