ዝርዝር ዜና 20-03-2017

1
1861

ክትሃድሙ ሓሲብኩም ብዝብል ምስምስ ተሓይሮም ዝጸንሑ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ብዝተፈላለዩ ሕማማት ይጥቅዑ ኣለዉ።

ሶኒ 20/03/2017

ክትሃድሙ ሓሲብኩም ብዝብል ምስምስ ተሓይሮም ዝጸንሑ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ብዝተፈላለዩ ሕማማት ይጥቅዑ ‘ለው።

ከም ሓበሬታ ማዕከን ዜና ኣሰና፡ ናብ ስደት ክወጹ ብኣባላት ስለያ ህግደፍ ኣብ ዶባት ተታሒዞም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝርከቡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ኣብቲ ተሓይሮሙሉ ዘለው ቤት ማእሰርቲ ብዝተፈላለዩ ሕማማት ይጥቅዑ ‘ለው።

ብመሰረት ‘ቲ ሓበሬታ፡ እዞም ካብ 12 ክሳብ 14 ኣብ ዘሎ ክሊ ዕድመ ዝርከቡ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ምልክታት ዓበቕ ብዘለዎ ተላባዒ ሕማም ተጠቒዖም ዘለው ኮይኖም፡ ንበይኖም ኣብ ርሑቕ ቦታ ተነጺሎም ምስ ምህላዎም ‘ውን እቲ ሕማም ክጋደድ ከም ዝኸኣለ ተፈሊጡ ‘ሎ።

ስድራቤት እዞም ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ከም ዝነብሩ ዝሓበረ እቲ ዜና፡ ምስ ስድራቤቶም ብቐሊሉ መታን ከይራኸቡ ተባሂሉ ድማ ካብ ናቅፋ ወጺኡ ኣብ ዝርከብ ንጹል ቦታ ተሓይሮም ከም ዘለው ኣነጺሩ።

ብምስምስ ስግረ ዶብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ስርዓት ህግደፍ ዝርከቡ እዞም ቆልዑ ብሰንኪ ‘ቲ ኣጋጢምዎም ዘሎ ሕማም ንእሱራት ክወሃብ ዝጸንሐ ትምህርቲ ተሃድሶ ከቋርጽዎ ተገዲዶም ከም ዘለው ‘ውን እቲ ሓበሬታ ጠቒሱ ‘ዩ።

—————————————-///////////////——————————————

ሶኒ 20/03/2017

ብልሽውና ሓለፍቲ ህግደፍ ክእረመሉ ኣብ ዘይክእል ደረጃ በጺሑ ምህላው ተሓቢሩ።

ብልሽውና ሓለፍቲ ህግደፍ ክእረመሉ ኣብ ዘይክእል ደረጃ በጺሑ ምህላውን መርኣያ ናይዚ ድማ ብርክት ዝበሉ ወነንቲ ትካላት ብንግዲ ይኹን ብካልእ ውልቃዊ ቅርሕንቲ ንዝተጻብእዎም ሰባት ብዝተፈላለየ ምስምስ ይኣስሩን በቲ ካልእ ወገን ድማ ገለ ሰባት ብዘለዎም ርክብ ጥቕሚ ካብ ሓደጋ ምእሳር ይድሕኑን ምህላዎም ሬድዮ መድረኽ ሓቢራ።

ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋናት ወናኒ ሓንቲ ህብብቲ ባር ምስ ካልእ ዜጋ ብዝፈጠሮ ምግርጫው፡ እቲ ወናኒ ትካል ምስ ሓው መላኺ ኢሳይያስ ብዘለዎ ቅርበት ነቲ መባእስቱ ከምዘእሰሮን ኣእሲርናዮ ኢሎም ‘ውን ናይ ሓጎስ ፌስታ ከምዝገበሩን ተርእዮ ምጥልቓይ ሓለፍቲ ህግደፍ ኣብ ብልሽውና ከም ኣብነት ብምጥቃስ እታ ሬድዮ ኣረዲኣ።

እቲ ዝተኣሰረ ዜጋ ብተርኡ ምስ ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ምትእስሳር ስለዝጸንሖ ብርክባቱ ተጠቒሙ ካብ ማእሰርቲ ብምውጻእ ነቶም ዘእሰርዎ ንምእሳሮም ከም ዝፈተነ ተገሊጹ ‘ዩ።

ሎሚ ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ ዘይቅርዑይ ምሕደራ ህግደፍን ቀይዲ በተኽ ኣካይዳ ሓለፍቱን እዚ ዓይነት ኣሰራርሓ ኣዝዩ ሳዕሪሩ ከም ዘሎን ብልሽውና ድማ ናብ መወዳእታ ዘይብሉ ዕንወት ሃገር የምርሕ ምህላውን ዘርኢ ምዃኑ እታ ሬድዮ ወሲኻ ሓቢራ ‘ላ።

—————————————-///////////////——————————————-

ሶኒ 20/03/2017

ሓላፊ ክፍሊ ህንጻዊ ልምዓት ዞባ ዓንሰባ ኢንጅነር ካልድ ሳልሕ ንጉጅለ ህግደፍ ከምዝራሕረሖ ተገሊጹ።

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ከምዝሓበሮ፡ ካብ ዓመተ 2000 ኣትሒዙ ኣብ ምምሕዳር ዞባ ደቡብ ከም ሓላፊ ጨንፈር መሃንድሳዊ ኣገልግሎት ካብ 2013 ክሳብ 2017 ድማ ከም ሓላፊ ክፍሊ ህንጻዊ ልምዓት ዞባ ዓንሰባ ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐ ኢንጅነር ካልድ ሳልሕ ንስርዓት ህግደፍ ራሕሪሑ ኣብ ካናዳ ዑቕባ ሓቲቱ ‘ሎ።

ኢንጅነር ካልድ ሳልሕ ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ብምኽንያት ስራሕ ናብ ዱባይ ምስ ተላእኸ ‘ዩ ንዝረኸቦ ዕድል ተጠቒሙ ከምልጥ ዝኸኣለ።

እዚ ከምዚሉ ከሎ ኣብዘን ዝሓለፋ 3 ኣዋርሕ ጥራይ ኣብ ኣገደስቲ ትካላት እቲ ስርዓት ክሰርሑ ዝጸንሑ ሉሉይ ዓቕምን ብቕዓትን ዝወነኑ ኣስታት 150 መንእሰያትን ምሁራትን ናብ ስደት ከምዘምረሑ ሓበሬታ ግሃድኤ ኣነጺሩ ‘ዩ።

ጉጅለ ህግደፍ ይኽተሎ ብሰንኪ ዘሎ ዘይቅርዑይ ምሕደራ ሃገርና ኣፍራዪ ዓቕሚ ሰባ እናኸሰረት ትኸይድ ከም ዘላ ይፍለጥ።

—————————————-///////////////——————————————-

ሶኒ 20/03/2017

ማሕበረሰብ ዓለም ብደርቂ ንዝተጠቕዓ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ድጋፍ ክገብር ጻውዒት ቀሪብሉ።

ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣጋጢሙ ዘሎ ፖለቲካውን ተፈጥሮኣውን ሽግራት ዘስዓቦ ጥምየት ንምፍታሕ ማሕበረሰብ ዓለም ልዑል ተርኡ ክጻወት ዞባዊ ውድብ በይነ መንግስታት ንልምዓት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኢጋድ ጸዊዑ።

ኣባል ሃገራት እቲ ዞባዊ ውድብ ነቲ ኣጋጢሙወን ዘሎ ብድሆታት ንምምካት ዝከኣለን ይገብራ ምህላወን ዝጠቐሰ ኢጋድ፡ ክብደት ናይቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ድርቂ ግና ተወሳኺ ሓገዝ ማሕበረሰብ ዓለም ዝጠልብ ከም ዝኾነ ኣነጺሩ።

ብፍላይ ንጉዳይ ደቡብ ሱዳን ኣዕሚቑ ዝረኣየ ውድብ ኢጋድ ኣብታ ሃገር ተፈጢሩ ንዘሎ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ፡ ባህርያዊ ድርቂ ተሓዊሱዎ ኣብ ዘተሓሳስብ ደረጃ ኣሎ ክብል ሓቢሩ።

ኣብ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣስታት 20 ሚልዮን ሰባት ሓደጋ ጥምየት ኣንጸላልዩዎም ምህላው ጸብጻብ ኢጋድ የነጽር።

—————————————-///////////////——————————————-

ሶኒ 20/03/2017

ኣብ ግሪክ ካብ ዘለው ስተኛታት እቶም 300 ብዳግመ ጥየሳ ናብ ካልኦት ሃገራት ግዒዞም።

ኣብ ውሽጢ እዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ መጋቢት ጥራይ ኣብ ግሪክ ካብ ዘለው 10ታት ኣሽሓት ስደተኛታት ብመሰረት ኣባል ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት ቅድም ኢለን ዝኣተወኦ ስምምዕ እቶም 300 ብመልክዕ ዳግመ ጥየሳ ናብተን ሃገራት ከም ዝገዓዙ መርበብ ሓበሬታ ኢካቲሜሪቲ ጸብጺባ።

ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት ብዝሒ ስደተኛታት ኣብ ግሪክን ኢጣልያን ልዕሊ ዓቕሚ ምዃኑ ስዒቡ ካብ ክልቲአን ሃገራት ከምዝቕበላ ቃል ኣትየን ‘ኳ እንተነበራ ክሳብ ሕጂ ንዝኣተወኦ ቃል ሙሉእ ብሙሉእ ብተግባር ከሽርፋ ይረኣያ ከም ዘየለዋ ተገሊጹ ‘ሎ።

ብመሰረት ዜና እታ መርበብ ሓበሬታ እቶም ዕድል ዳግመ ጥየሳ ዘጋጠሞም 300 ስደተኛታት፡ ዜጋታት ኤርትራ፡ ሶርያን ዒራቕን ‘ዮም።

መደብ ዳግመ ጥየሳ ካብ ግሪክን ጣልያንን ኣብ ዓመተ 2015 ካብ ዝጅምር ክሳብ ሕጂ 10,000 ስደተኛታት ዳግም ተጣይሶም ኣለው።

—————————————-///////////////——————————————-

 

1 COMMENT

  1. selam wegahta medebkum xbuk alo yektatelo Eye bertu ab mewedaeta ab eritrea keleku medeb sport yketatelo nere bkemey krekbu ykel hawkum kab sweden

LEAVE A REPLY