ዝርዝር ዜና 11-07-2017

0
930

ፓርላማ ሕብረት ኤውሮጳ ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ደጊሙ ሓያል ውሳነታት ኣሕሊፉ፡፡

ፓርላማ ሕብረት ኤውሮጳ ምስ ስርዓት ህግደፍ ክህልዎ ዝክእል ምሕዝነት አመልኪቱ ኣብ ዘቃነዖ ዘተ እቲ ጉጅለ ዝኽተሎ ዘሎ ኢ-ሰብኣዊ ኣታሕዛ ዜጋታት ኣዝዩ ከም ዘተሓሳስቦ ብምግላጽ ሕጂ’ውን ሓያል ውሳኔታት ኣንጻር እቲ ስርዓት ምሕላፉ ቤት ጽሕፈት ሓበሬታ እቲ ሕብረት ኣፍሊጡ።

እቲ ሕብረት ብፍላይ ንኤርትራ ኣመልኪቱ ኣብ ዘካየዶ ዋዕላ ኩነታት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝርከቡ ናይ ፖለቲካን፡ ሕልናን እሱራት ኣዝዩ ከም ዘተሓሳሰቦ ዝገለጸ ኮይኑ። በቲ ሕብረት ኣቢሉ ነቲ ዓፋኒ ስርዓት ዝግበር ገንዘባዊ ድጋፍ ከም ዘይቅበሎ’ውን ኣነጺሩ።

ብዘይካ እዚ እቲ ፓርላማ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝነብሩ ኤርትራውያን ክኸፍሉ ዝግበር ግብሪ 2 ሚኢታዊ ደው ክብል ብተመሳሳሊ ድማ ዜጋታት ተገዲዶም ናብ ኤርትራ ክምለሱ ዝግበር ኣሰራርሓ ፈጺሙ ተቀባልነት ዘይበሉ’ዩ ብምባል ኣባል ሃገራት እቲ ሕብረት ካብ ከምዚ ዓይነት ተግባራት ክቁጠባ ኣዘኻኺሩ ኣሎ።

መላኺ ኢሳይያስ ንዜጋታት ብዘይበቁዕ ምኽንያት ከም ዝኣስር፡ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ኣብ ቀይዲ ከም ዝቆርን፡ ንእሱራት ብኢሰብኣዊ ኣታሕዛ፡ መግረፍትን ስቅያት ከም ዘካይድ፡ መሰል ኣገልግሎት ሕክምና ንእሱራት ከም ዝኽልክልን ካልኦትን ዝብሉ ሕሱም ኣታሕዛታት ባህሪ እቲ ገባቲ ስርዓት ምዃኖም’ውን እቲ ሕብረት ወሲኹ ጠቂሱ’ዩ።

——————————–////////////—————————- 

ሰሉስ 11/07/2017

ኤርትራዊ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ኣርማ ሰብኣዊ መሰላት’ዩ ተባሂሉ።

ንልዕሊ 16 ዓመት ተኣሲሩ ዘሎ ኤርትራዊ ሽወደናዊ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቅ አርማ ሰብኣዊ መሰላት’ዩ ክትብል ኣባል ሰልፊ ፌሚንስታዊ ተበግሶ ሽወደን ሱራያ ፖስት ገሊጻ።

ንሳ ነዚ ዝገለጸት ባይቶ ሕብረት ኤውሮጳ ዳዊት ኢሳቕ ንክፍታሕ መጸዋዕታ ኣብ ዘቅረበሉ እዋን ኮይኑ ኣባል ሚሊዮ ፓርቲ ሽወደን ቦዲል ቫሌሮ ብወገና ኣብ ኤርትራ እቲ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዝፍጸም ዘሎ ገበናት ከምዘየኸተመ ክትገልጽ ከላ ኣባል ጸጋማዊ ሰልፊ ሽወደን ሲሲልያ ቪክስትሮም ከኣ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ስጉምቲ እገዳ ክወስድ ተማሕጺና።

ሲሲልያ ቪክስትሮም ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ናይ መገሻ እገዳታት ክግበር፡ ዘይሕጋዊ ምኽፋል ቀረጽ ደው ክብልን ሰብኣዊ መሰላት ክኽበርን ዝጸውዐት  ኮይና ኣብ መወዳእታ ኸአ ዳዊት ኢሳቕ ተሸላሚ ናይቲ ብፓርላማ  ኤውሮጳ ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ዕዙዝ ተራ ንዝጻወቱ ሰባት ዝወሃብ ሽልማት ሳቻሮቭ ክኸውን ረቑሓቶ።

ሽወደናዊ ጋዜጠኛ ዳዊት ክፍታሕ ዘርኣየቶ ጻዕሪ ከምቲ ዝድለ ከምዘይነበረን እቲ ጉዳይ ብትሑት ዲፕሎማስያዊ ኣገባብ ከም ዝሓዝቶን ቡዙሓት ጋዜጠኛታትን ብጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ዝግደሱ ወገናትን ክገልጹ ምጽንሖም ይፍለጥ።

———————————-/////////////————————– 

ሰሉስ 11/07/2017

ኣስመራ ኣብ ማህደር ዩኔስኮ ምምዝጋባ ዓወት ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ምዃኑ ተገሊጹ።

ምጭውቲ ከተማና ኣስመራ ብዘለዋ ጥንታዊ ህንጻታት ኣብ መዝገብ ዓላማዊ ውርሻ ምእታዋ ከም ኤርትራውያን ባህታ ዝፈጥር ኮይኑ እዚ ዓወት’ዚ ግን ዓወት ህዝቢ ኤርትራ’በር ዓወት ናይቲ በብእዋኑ ንምዕናዋ ዝዓዪ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ከም ዘይኮነ ምንጭታት ወጋሕታ ሳሊና ካብ ውሽጥን ወጻእን ኣብ ዝለኣኹልና ሓበሬታ ገሊጾም።

ከተማና ኣድማሳዊ ክብርታት ዝህባ ታሪኻዊት ቅርሲ ኮይና ኣፍልጦ ክትረክብ ደኣ ትኽኣል’በር ፡ ኣብዚ ጉዳይ ግደ ጉጅለ ህግደፍ ብዝኾነ መልክዕ ክግለጽ ከምዘይከኣልን በንጻሩ ኣብ እዋን መግዛእቲ፡ ጣልያን ዝሰርሖ ህንጻታታት ብምዃኑ ኣስመራ ክትምዕርግ ከም ዝኸኣለትን ተጠቒሱ’ዩ።

ኣስመራ ከምቲ ዝነበራ ጽሬትን ምዕሩግ ህንጻታትን ጥራይ ኣብ ውሽጢ 26 ዓመታት ካልእ ወሲኻ ኣዝያ ክትምዕርግን ክትደምቅን ምኸአለት ኔራ ዝበሉ ምንጭታትና ብጀካ ምዕናው ምህናጽ ዘይፈልጥ ጉጅለ ህግደፍ ግን ንጽባቐ እዛ ከተማ ዘይኮነ በነጻሩ ንምዕናው’ዩ ቆሪጹ ተላዒሉ ዘሎ ክብሉ ብምግላጽ እዚ ዓወት ከኣ ዓወት ህዝቢ ኤርትራ‘በር ንህግደፍ ዝብጽሖ ከምዘይብሉ ብዝግባእ ክፈልጥ ኣለዎ ክብሉ ኣነጺሮም።

ሕጂ ህግደፍን ደገፍቱን ኣስመራ ኣብ ማህደር ዩኔስኮ ምምዝጋባ ዘዝልሎም ዘሎ ብኡ ምኸኒት ጌሮም  ገንዘብ እንተረኸቡ’ዩ ብምባል ድማ ህግደፍ ጀጋኑ ዝወደቑሉ ድፋዓት ሳሕል ዘይዓቀበ ህንጻታት ኣስመራ ክዕቅብ’ዩ ኢልካ ምሕሳብ የዋህነት ጥራይ’ዩ ክኸውን ዝኽእል ክብሉ’ውን ምንጭታትና ንሪኢቶ ቡዙሓት ከም ኣብነት ብምጥቓስ ገሊጾም’ዮም ።

—————————–//////////////////————————– 

ሰሉስ 11/07/2017

ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ነበርቲ ሆላንድ ኣንጻር ፊስቲቫል ህግደፍ ሰላማዊ ሰልፊ ከካይዱ ጻውዒት ቀሪቡ።

ኣብ ሆላንድ ዝነብሩ ደገፍቲ ህግደፍ ካብ 14-16 ሓምለ 2017 ኣብታ ሃገር ፊስቲቫል ከካይዱ መዲቦም  ከም ዘለው ዝፍለጥ ኮይኑ ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ድማ ኣንጻር’ዚ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ፊስቲቫል ሰላማዊ ሰልፊ ከካይዱ ኣካያዲት ኮሚቴ ጸዊዓ’ላ።

ብመሰረት ሓበሬታ እታ ኮሚቴ እቲ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ 15 ሓምለ ኮይኑ ተታሒዙሉ ዘሎ መቓን ግዜ ከኣ ካብ ንጉሆ ክሳብ 6፡00 ድ.ቀ በቆጻጽራ እታ ሃገር ካብ ከተማ ራይስቫይክ  ተበጊሱ ናብ ቀጽርቲ ፊስቲቫል ዝግበረሉ ቦታ ክቅጽል’ዩ።

ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፍጽሞ ዘሎ በደል ከይኣክል ሕጂ ኸኣ ኣብ ዓዲፍትሒ ልኣኻቱ ሰዲዱ ክርብሸናን ራዕዲ ከእትወልናን ይገብሮ ንዘሎ ኣካይዳ ክንቓውም ይግባእ ክብሉ ኣተሓሳሲቦም።

ኤሪ ብለድ ብዝበል መጸውዒ ሽም ዝፍለጡ ኤርትራውያን ደገፍቲ ህግደፍ ኣብ ኔዘርላንድ ፊስቲቫል ከካይዱ ኣብ ምድላው ከም ዝርከቡ ምግለጽና ይዝከር።

——————————–//////////////————————— 

ሰሉስ 11/07/2017

ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሱዳን ኣንቢራቶ ዝጸንሐት ቁጠባዊ ማዕቀብ ክተልዕሎ ከም እትኽእል ይግለጽ’ሎ።

ኩነታት ሰብኣዊ ኣተሓሕዛ መንግስቲ ሱዳን ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተመሓየሸ ይመጽእ ከም ዘሎ ዝጠቐሰ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብኣሜሪካ ኣብ ልዕሊኡ ተነቢሩ  ዝጸንሐ ቁጠባዊ ማዕቀብ ክልዓል’ዩ ዝብል ተስፋ ከም ዘለዎ ገሊጹ።

ኣሜሪካ ረቡዕ 12 ሓምለ 2017 ኣብ ጉዳይ ኣብ ልዕሊ ሱዳን ኣንቢራቶ ዝጸንሐት ቁጠባዊ ማዕቀብ ንምልዓሉ፡ ወይ ንምጽንሑ ክትውስን’ያ ዝብል ሓበሬታ ዘሎ ኮይኑ፡ ሱዳን ብተርኣ  እቲ ኣብ ልዕሊኣ ተነቢሩ ዝጸንሐ ማዕቀብ ብሙሉእ እንተዘይተላዒሉ ብከፊል ዝግበር ምልዓል እገዳ ትርጉም ከም ዘይብሉ ገሊጻ’ላ።

——————————/////////////////————————- 

ሰሉስ 11/07/2017

መንግስቲ ኬንያ ኣብ ልዕሊ  ምስ ሃገሩ ኣብ ዘዳውብ ጫካ ዓስኪሩ ዘሎ ኣሸባሪ ጉጅለ ኣልሸባብ ደብደብ ነፈርቲ ጀሚሩ።

መንግስቲ ኬንያ ኣብቲ ምስ ሃገሩ ዘደውብ ቦኒ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ጫካ ዓስኪሩ ኣብ ልዕሊ ዘሎ ክፋል ሓይሊ ኣሸባሪ ጉጅለ ኣልሸባብ መጠን ሰፊሕ መጥቃዕቲ  ኣየር ምክያድ ከም ዝጀመረ ቢቢሲ ሓቢሩ።

እቲ መጥቃዕቲ ዝጀመረ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብቲ ከባቢ 9 ኬንያውን በቲ ኣሸባሪ ጉጅለ ምቅታሎም ስዒቡ ኮይኑ መንግስቲ ኬንያ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቅ እታ ሃገር ዝንቀሳቀስ ሓይሊ እቲ ኣሸባሪ ንምድምሳስ ብዕቱብ ይሰርሕ ምህላው እቲ ዜና ወሲኹ የረድእ።

ኔልሰን ማርዋ ዝተበሃለ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ኬንያ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ክፋል ሓይሊ ኣሸባሪ ጉጅለ ኣልሸባብ መጠን ሰፊሕ መጥቃዕቲ ይወስድ ከም ዘሎ ገሊጹ።

ወትሃደራት ኬንያ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣብቲ ከባቢ ንዝርከብ ኣሸባሪ ጉጅለ ንምድምሳስ ብርቱዕ ጻዕሪ ክገብር ዝጸንሐ ኮይኑ፡ እቲ ዝድለ ውጽኢት ግን ብዘይምምዝጋብ እዚ ሓድሽን ዝያዳን ዝሓየለ መጥቃዕቲ ንምኸፋት ተቀሲቡ ምህላው‘ውን ቢቢሲ ኣብሪሁ።

———————————//////////—————————— 

ሰሉስ 11/07/2017

መንግስቲ ስዑድ ዓረብ ዲፕሎማሰኛታት ቀጠር ናብ ሃገሩ ክምለሱ ፈቂዱ።

ሚድል ኢስት ሞኒተር ዝተባህለ ማዕከን ሓበሬታ ኣብ ዝዘርገሖ ዜና፡ ስዑድ ዓረብ ዋና ጻሓፊ ባይቶ ምትሕብባር ኣባል ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐ በዓል ስልጣን ዝርከቦም ዲፕሎማሰኛታት ቀጠር ናብ ስዑዲ ዓረብ ክምለሱ ፍቓድ ከም ዝሃበት ገሊጹ።

እዚ ውሳኔ ኣባል ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ንኣሸበርቲ ትድግፍያ  ብምባል ንቀጠር ካብ  ዝንጽልኣ ንፈለማ ግዜ ዝተወስደ ኮይኑ ቅድም ኢለን ንዝወሰደኦ ናይ እገዳ ማዕቀብ ዳግመ ግምት ከም ዝገበራን ዝምድነአን ንምምሕያሽ ከም ዝወሰናን ኣመልካቲ’ዩ ተባሂሉ’ሎ።

ኣባል ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ምስ ቀጠር ዝነበረን ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ምብታኸን ቅድሚ ገለ ሰሙናት ብሰፊሑ ክዕለል ቀኒዩ’ዩ።

—————————-////////////////////————————

NO COMMENTS

LEAVE A REPLY

one × two =