ብዘይ ኩታኻ ወለል

0
939

ብዘይ ኩታኻ ወለል

 

ኣስመራ ካብ ጽፍሒ ባሕሪ ኣብ 2300 ሜትሮ ተደኩና ትርከብ ኮይና ኣብ 18 ክፍለ ዘመን ብናእሽቱ ገጠራት ዝዓመረት ስፍራ’ያ ኔራ፡፡ ብ1989 ድሕሪ ምእታው ኢጣልያ ኣስመራ ንምዕባይ ቆሪጾም ተላዕሉ፡፡ ነስመራ ሰንጢቑ ዝሓልፍ ካብ ወደብ ባጽዕ ናብ ቢሻ ዝዝርጋሕ መንገዲ ባቡር ድሕሪ ምስራሕ፡ ቀስ ብቐሱ ዘደንቑ ሲነማታት፡ ኣብያተ ክርስትያናት፡ ህንጻታትን ጎደናታትን ክሃንጹ ጀመሩ፡ ኣብቲ እዋን’ቲ ህዝቢ ነባሪ ኣስመራ ከባቢ 100,000 በጺሑ’ኳ እንተነበረ ፍርቒ ነበርቲ እታ ከተማ ኢጣልያውያን’ዮም ኔሮም፡፡ እዛ ምሩጽ ኩነታት ኣየር ዘለዋ ከተማ ኢጣልያውያን ብብዝሒ ክወርዋ ጀመሩ፡ ሓዳሽን ንእሽተይን ሮማ ንምህናጽ ከኣ ላዕልን ታሕትን በሉ፡ ኣስመራ ብቅልጡፍ ዓባይ ከተማ ክትከውን ስለዝኸኣለት ከኣ ኣብ ዓለምና ኣሎ ዝበሃል ብዘመናዊ ቅዲ ዝተሰርሐ ህንጻታት ክትውንን በቅዐት፡፡ ብሓጺሩ ኣመጻጽኣ ታሪኽ ናይዛ ርእሰ ከተማ ሃገርና ኮይና ዝተሓርየት ምጭውቲ ከተማና እዚ ይመስል፡፡ ምንጪ ታሪኽና ካብ ኢንተርኔትን ብዘካርያስ ክብርኣብ እናተዳለወ ካብ ዝቐርብ መስያት ቤትና ዝብል መደብን’ዩ፡፡ ኣብዚ ቅንያት ’ዚ እዛ ብልምዲ ኣስመራ ጻዕዳ፡ ወይ ድማ ንእሽተይ ሮማ እናበልና ንጽውዓ ከተማና ኣብ መዝገብ ዓለማዊ ውርሻ ማለት ዩኔስኮ ምምዝጋባ ምስማዕና ከም ኤርትራውያን ሓበን ዝፈጥር’ዩ፡ እዚ ድማ ሓበን’ቲ ዝርገጽ ዘሎ ህዝቢ’በር ንህግደፍ ዝውክሎ ኣይኮነን፡፡ ከተማ ኣስመራ ኣብ እዋን መግዛእቲ ዝተሰርሑ ህንጻታት ኣብዚ ሕጂ እዋን ዝያዳ ማዕሪጎም እንተዝቅጽሉ ኣስመራ ኣብዚ ንብሎ ዘለና መዝገብ ቀልጢፋ ክትሰፍር ግዜ ኣይምወሰደላን፡፡ ናጽነት ረኺባ ኤርትራ ካብ ዝበሃል’ኳ’ስ ልዕሊ ርብዒ ዘመን ሓሊፉ’ሎ፡፡ እሞ እዚ ሕጂ ተረኺቡ ዘሎ ክብሪ ደኣ ከመይ ኣቢሉ ’ዩ ህግደፋውያን እንቅዓ ክዛረቡ ዝገብሮም ዘሎ፡፡ ኣብ ምሕደራ እዚ ስርዓት’ዚ ጥራይ ካብ ኣርባዕተ ኣስመራን ጸሎትን ኣትሒዙ ክሳብ ጋሽባርካን ከባቢኡን በልማማ ዝተኻየደን ገና’ውን ዝቅጽል ዘሎን ምፍራስ ኣባይቲ ኣብ ምሕደራ ህግደፍ’ዶ ኣይኮነን፡፡ ኣብ መግዛእቲ ጥልያን ቅጥራን ዝተለበጡ ሕጂ ግን ብዝኸድካዮ ዝተፋሕሩ ጽርግያታት፡ ዝነቅዑን ዝተነጻጸሉን ህንጻታት፡ ዝዓነው ጎደናታት እዚኣቶም ገለ ካብቶም ቆላሕታ ተነፊግዎ መልክዕ’ዛ መሐበኒትና ዝኾነት ከተማ ዘበላሽው ዘለው ተርእዮታት’ዶ ኣይኮኑን፡፡ ህግደፍ ከመይ ኣቢሉ’ዩ እንዳማቱ ብዝሃነጽሉ ቪላታት ዝጅሃር ዘሎ፡ ሽዑ ዝተሃንጹ ቪላታት እኮ ኣብዚ ሕጂ እዋን ሕቡኣት መቐጥቐጥን መሳቐይትን ዜጋታት’ዮም ኮይኖም ዘለው፡፡ ማይ ኣይጓረተ እምኒ ኣይተሰከመ ተሰሪሑ ኣብ ዝተቐረበሉ ቤት ጽሕፈት ኮፍ ኢሉ ኣስመራ ብመንፋዕቱ ነዚ ዓወት’ዚ ከምዘብቅዓ ምዝራቡ ንለባም ዘሕንኽ’ዩ፡፡

ስርዓት ህግደፍ ለባማት ዝሰርሕሉ ህንጻን ዘጽንሕሉ ጥንታዊ ህንጻታትን ክዕቅብስ ይትረፍ ጀጋኑ ስውኣት ንዝሓለፉሉ ክብርን ቦታን’ኳ ኣየኽበረን፡ እንታይ ደኣ ካብዚ ትካል’ዚ ንዝርከብ ገንዘብ ንምምዕዳው ጥራይ’ዩ፡፡ ከምዚ ዓይነት ባህሪ ጉጅለ ህግደፍ ንዓና ሓድሽ ብዘይ ምዃኑ ኣይገርመናን’ዩ፡ ብዘይኩታኻ ወለል ዝበልኩኹም ከምዚ’ዩ፡፡

NO COMMENTS

LEAVE A REPLY