ዝርዝር ዜና 15-07-2017

0
674

ንሓሶትን ምድንጋርን ህግደፍ ቦታ ክንህብ ከምዘይብልና ዜጋታት ገሊጾም፡፡

 

ሓሶትን ምድንጋርን መላኺ ኢሳይያስ ኣብ ስልጣን ክሳብ ዝሃለወ ክቕጽል ምዃኑ ፈሊጥና ነቲ መቐነ¥ ስልጣኑ ክኾኖ ዝምህዞ ዝተፈላለየ ሰንዓ ሓሶት ክንደናገረሉን ቦታ ክንህቦን ኣይግባእን ክብሉ ዜጋታት ገሊጾም፡፡

ንሳቶም ነዚ ዝበሉ፡ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ማሕዩር ንዘለዉ ጳጳስ ኣቡነ እንጠንዮስ ፈቲሐዮም’የ ክብል የናፍሶ ንዘሎ ወረ ሓሶት ምዃኑ ድሕሪ ምጥቃስ ኮይኑ ህግደፍ ናይ ሓሶት ወረቐት ሓናጢጡ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ጥራይ ስለዝለጠፎ ክንኣምን የብልናን ክብሉ ኣተሓሳሲቦም፡፡

እዞም ጳጳስ ከምቲ ዝበሃል ዘሎ ናይ ሓቂ ተፈቲሖም እንተኾይኖም ሓሳቦም ክንሰምዕን ገጾም ክንርእን ዝብል ሓሳብ ኣብ ኣእምሮና ክመጽእ ይግባእ እንተድኣ ዘየለ ግን ምስ መን ዕርቂ ተጌሩ ስምን ፊርማን ኣቡነ እንጠንዮስ’ዉን ዘይብሉ ክንኣምን ኣይግባእን ክብሉ ገሊጾም፡፡

ህግደፍ ንዓና ከደናግረና ዝፈጥሮ ምኽንያት ብቐሊሉ ክንኣምኖ ዝገብር’ዩ ዝበሉ’ቶም ዜጋታት ሕጂ ብዛዕባ ምፍታሕ ጳጳስ እንጠንዮስ ኣመልኪቱ ዝውረ ዘሎ ወረ ድማ ሙሉእ ብሙሉእ ሓሶት’ዩ ክብሉ ጠቒሶም ኣለዉ፡፡

————————————————–/////////////////////———————————————–

ቀዳም 15/07/2017

ሕጂ ዘሎ ወለዶ እንተዘይተሰማሚዑ ነቲ ዝቕጽል እነጽንሓሉ ቑምነገር ከተሓሳሰበና ይግባእ ክብሉ ዜጋታት ገሊጾም።

ንዘሎ ህሉው ኩነታት መሰረት ብምግባር ርኢትኦም ናብ ሬድዮ ወጋሕታ ዝለኣኹ ወገናት እዚ ሕጂ ዘሎ ወለዶ እንተዘይ ተሰማሚዑ ኣብ በበይኑ ሃገርን ዝተፈላለየ ባህርያትን ሒዞም ዝዓብዩ ዘለው ደቅና ደኣ እንታይ ኢና ከነጽንሓሎም ክብሉ ስክፍትኦም ገሊጾም።

በብእዋኑ ዝስስና ዘለዋ ውድባት ይኹና ኣብ ኤርትራውያን ዝንጸባረቕ ዘሎ ኣተሓሳስባ ንዘይ ምስምማዕ ቀንዲ ምኽንያት ኮይኑ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ሕጂ ዘለና ሓደ ነገር እንተዘይ ጨቢጥና ዕድል’ቶም ዝመጹ እንታይ ክኸውን ከም ዝኽእል ኣዝዩ ኣሸጋሪ’ዩ ክበሉ ኣብነታት ኣስንዮም ጠቒሶም።

ንጉዳይና ካባና ሓሊፉ ክግደሰሉ ዝኽእል ሰብ ክሳብ ዘየለ ድማ ንዝመጸእ ወለዶ ሓሲብና ቑምነገር ክንሰርሕ ይግባእ ክብሉ ኣተሓሳሲቦም።

———————————————-//////////—————————————

ቀዳም 15/07/2017

ህግደፍ ንኣልጀዚራ ከምዝኾነነ ተገሊጹ፡፡

ማዕከን ሓበሬታ ኣልጀዚራ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ኤርትራ ኣአንጋዲት ዘይውዳእ ሕገ ኣልቦነት ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ኣብ ሃገርና ኣድሂቡ መደብ ምስርሑ ስዒቡ፡ ምልካዊ ጉጅለ ህግደፍ ንኣልጀዚራ ይኹንን ምህላዉ ኣብ ሱዳን ትሪቡን ዝተዘርግሐ ሓበሬታ ገሊጹ፡፡

ኣልጀዚራ ኣብቲ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን ጸብጻቡ ፡ ኤርትራ ብሰንኪ እቲ የማሓድራ ኣለኹ ዝብል ጉጅለ ህግደፍ ንማሕበረ ቁጠባውን ፖለቲካውን ውድቀት ተዳሪጋ ኣብ ሓደጋ ዘላ ሃገር ክብል ገሊጹዋ’ዩ፡፡

ንጸብጻብ ኣልጀዚራ ስዒቡ ህግደፍ ብመገዲ ኣባል ክፍሊ ዜናኡ ጳውሎስ ነታባይ ኣቢሉ ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ እቲ በቲ ማዕከን ዜና ዝቐረበ መደብ ንኤርትራ ከጸልም ኮነ ተባሂሉ ዝተዳለወ’ዩ ክብል ኮኒኑዎ፡፡

ይኹን እምበር ምልካዊ ህግደፍ ውሻጥኡ ብብልሽው ኣሰራርሓ ዝተመልአ ስለዝኾነ ማዕከናት ዜና ዓለም ናብ ሃገር ኣትየን ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት ከይከታተለኦ ብተደጋጋሚ ዝኽልክል ኮይኑ፡ ከም ኣልጀዚራ ዝበሉ ማዕከናት ሓበሬታ ረኺቦም ኣብ ዘቃልሕሉ ድማ ጸላዕላዕ ክብሎ ከምዝረአ’ዮም ዜጋታት ዝገልጹ፡፡

———————————————-/////////////////—————————————————–

ቀዳም 15/07/2017

ኢትዮጵያ ንኣስታት 100 ሽሕ ስደተኛታት ዕድል ስራሕ ክትፈጥር ምዃና ገሊጻ፡፡

ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ንባንኪ ዓለም ጠቒሰን ከምዝሓበርኦ ኢትዮጵያ ኣዕቑባቶም ካብ ዘላ ብኣማኢት ኣሸሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት ንኤርትራውያን ሓዊሱ ንኣስታት 100 ሽሕ ስደተኛታት ዕድል ስራሕ ክትፈጥር’ያ፡፡

ኢትዮጵያ ካብዞም 100 ሽሕ ነቶም ኣብ ሕርሻ ዝነጥፉ ስደተኛታት ኣስታት 10 ሽሕ ሄክታር መሬት ብምዕዳል ህይወቶም ክመርሑ ክትገብር ከላ ነቶም ዝተረፉ ካልኦት ከኣ ኣብ ዝተፈላለየ መደባት ስራሕ ከተዋፍሮም’ያ ብመሰረት’ቲ ተዘርጊሑ ዘሎ ጸብጻብ፡፡

ኢትዮጵያ ኣብ ሃገራ ኣዕቑባቶም ንዘላ ስደተኛታት ክሳብ ሕጂ  ትምህርትን ዝተፈላለየ ሞያዊ ስልጠናን ትህብ ከምዘላ ይፍለጥ፡፡

————————————————–///////////////////———————————————-

ቀዳም 15/07/2017

ልፍንታዊ ሓይልታት ሶማልያን ኣሜሪካን ኣብ ልዕሊ ኣልሸባብ መጥቃዕቲ ኣየር ኣካይዶም፡፡

ንመግለጺ ሓይሊ ምክልኻል ኣሜሪካ ብምጥቃስ ዥንዋ ኣብ ዝዘርግሖ ዜና ወተሃደራዊ ሓይልታት መንግስቲ ሶማልያ ምስ ኣብታ ሃገር ዝርከብ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣሜሪካ ብምትሕብባር ኣብ ልዕሊ ኣሸባሪ ጉጅለ ኣልሸባብ መጥቃዕቲ ኣየር ከምዘካየዱ ገሊጹ፡፡

እቲ መጥቃዕቲ ኣየር ኣብ ደቡባዊ ክፋል ሶማልያ ዝተኻየደ ኮይኑ ብወገን ክልቲኦም ወገናት ዝበጽሐ ጉድኣት ምህላዉ ግን ዝተነጸረ የለን፡፡

ኣብ ሶማልያ ዝርከብ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣሜሪካ ንሰራዊት ሶማልያ ብሓሳብን ንዋትን ናይ ምሕጋዝ ተልእኾ ከምዘለዎ ካብ ሓይሊ ምክልኻል ኣሜሪካ ዝወጸ መግለጺ ይሕብር፡፡

————————————————//////////////////////—————————————-

 

 

 

 

 

 

NO COMMENTS

LEAVE A REPLY