ዝርዝር ዜና 17-07-2017

0
1008

ሃገርና ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ኣብ ዝበኣሰ ቅልውላው ትርከብ  ኣላ ክብል ሓደ ዜጋ ገሊጹ።

ንግዚኡ ሽመይ ይተዓቀበለይ ዝበለና ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ስደት ኣምሪሑ ዝርከብ ዜጋ ምስ ሬድዮ ወጋሕታ ኣብ ዘካየዶ ዕላል ህሉው ኩነታት ሃገርና ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኣዝዩ ዝበኣሰ ሃዋህው ኣሎ ክብል ገሊጹ።

ህይወት ኣብ ግዜ ምሕደራ መላኺ ኢሳይያስ ኣብ ኣዝዩ ሕማቕ ኣብ ዘጽልእ ደረጃ ይርከብ ዝበለ እቲ ዜጋ ብኣጻብዕቲ ዝቑጸሩ ግለሰባት ንሃገር ከም ድልየቶም የሸከርክሩዎ ምህላዎም ኣቃሊዑ።

ካብ ኣፍሪቃ እቲ ዝዓበየ ብልሽውና ኣብ ኤርትራ ኣሎ ዝበለ እቲ ዜጋ ፡ ነዚ ብልሽው ኣስራርሓ ኩሉ ዜጋ ይፈልጦ’ዩ፡ ጉዳዩ ከሳልጥ ናብ ኣብያተ ጽሕፈት ዝኸይድ ኤርትራዊ ጉቦ ከይከፈለ ኣይሰልጦን ብምባል ድማ እዚ ድማ ካብ ምልካዊ ኢሳይያስ ዝተሰወረ ከም ዘይኮነን ብቀንዱ ዝሕትት መላኺ ኢሳይያስ ባዕሊ ምዃኑን ኣንጺሩ።

ዜጋታት ብዘይ ኣበስኦም ከም ሕሱም ክቕጥቀጡ ፡ ክእሰሩ ፡ ክቕተሉ፡ ኮታስ ኩሉ ዓይነት በደላት ክበጽሖም ኣብ ኤርትራ ንቡር ኮይኑ’ሎ ዝበለ እቲ ዜጋ፡ ንሱ ንባዕሉ ኣብ ብርክት ዝበሉ ኣብያተ ማእሰርቲ ከም ዝተኣሰረን ክሳብ ንሰንክልና ዝቃላዕ ከም ዝተበደለን ሓቢሩ።

እቲ ዜጋ ወሲኹ ኣብ ኤርትራ ሓሲብካ ተባሂልካ ብዘይ ቃልካ ኩሉ ዓይነት መቕጻዕቲ ክወርደካ ዝከላኸለልካ ኣካል የለን ክብል ተዛሪቡ

——————————/////////////////———————— 

ሰኑይ 17/07/2017

ኣብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግደፍ  ዝረኣ ዘሎ ጉቦን ዓመጽን ሕጂ’ውን ይቅጽል ከም ዘሎ ተፈሊጡ።

ከም ሓበሬታ ገለ ግዱሳት ዜጋታት ኣብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ጉጅለ ህግደፍ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝረአ ዘሎ ምጥፍፋእ፡ ዓመጽን ሰባት ምብዳልን ካብ ግዜ ናብ ግዜ ብናህሪ ይስፋሕፋሕ ከም ዘሎ ተፈሊጡ’ሎ።

ብመሰረት’ቲ ዝመጸና ሓበሬታ ብፍላይ ንከበድቲ ፖለቲካውያን እሱራት ዝቅጥቅጡን ዝምርምሩን ሶኮሎቭን ራሻይዳን ዝተባህሉ መዓርግ ኮረኔልነት ዘለዎም 2 ኤርትራውያን ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዘብጽሕዎ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ማህሰይቲ ከቢድ ከም ዝኾነ ገሊጾም።

ብፍላይ ኮነሬል ራሻይዳ ብውልቓዊ ጉዳዩ ንዝጸልኦም ሰባት ብምስቓይ ካብቶም ኣብ ኤርትራ በዚ ክፋእ ተግባር’ዚ ቀዳማይ ቦታ ዝሓዙ ሰባት ሓደ ኮይኑ ንትሕቲ ዕድመ ቆልዑን ኣረጋውያንን ብስለያዊ ተግባራትን ምፍጣር ራዕድን ቡዙሓት ዘሳቒ ዘሎ ገበነኛ’ዩ።

ብጀካ’ዚ ደቀንስትዮ መፈጠረን ክሳብ ዝጸልኣ ጌሩ ዘሳቅየን ጨካን ሰብ ምዃኑ‘ውን ተገሊጹ’ዩ።

ካብ ዝለዓሉ ክሳብ ዝነኣሱ ሓለፍቲ ጉጅለ ህግደፍ ነዚ ዘሎ ሕማቅ እዋን ከም ምኽንያት ተጠቒሞም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝተፈላለየ ግፍዕታት ይፍጽሙ ከምዘለው ብተደጋጋሚ ምግላጽና ይዘከር።

——————————-/////////////////————————- 

ሰኑይ 17/07/2017

ሓላፊ ወጻኢ ዝምድናታት ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ብጉዳይ ሃገር ምስ ቤት ጽሕፈት ዝምድናታት ጀርመን ከምዝተዘራረበ ይሕበር ኣሎ።

ክፍሊ ዜና ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ከምዝገለጾ ሓላፊ ወጻኢ ዝምድናታት እቲ ሰልፊ ዶ/ር መሓመድ ብርሃን እድሪስ ምስ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ዝምድናታት ሃገር ጀርመን ኣብ ዝተራኸበሉ እዋን መጻኢ ዕድሎም ክበታተን ዝተፈርዶም ኤርትራውያን መንእሰያት ብሰንኪ ሕሱም ኣታሕዛ እቲ ስርዓትን ኣብ ስደት ዝገጥሞም ዘሎ መከራን ንዳግማይ ስደት ክቓልዑ ተፈሪዶም ከምዘለው ኣነጺሩ።

ንሱ ብተወሳኺ ን16 ዓመታት ብዘይ ፍርዲ ተሓይሮም ዘለው እሱራት ፖለቲካ ብፍላይ ድሩዕ፡ ቢትወደድን ኣስቴርን ኣብ ከቢድ ናይ ጥዕና ጸገም ዝርከቡ ብምዃኖም መንግስቲ ጀርመን ዝከኣሎ ክገብርን ሃለዋቶም ክሓትተን ኣተሓሳሲቡ’ሎ።

ብጀካ’ዚ ሕሰም ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ዝሕተተሉ’ዩ ዝበለ ኮይኑ ብወገን መንግስቲ ጀርመን እኹል ጠመተ ከይረኸበ ምጽንሑ ብምዝኽኻር ከኣ ንዝመጽእ ብዛዕባ’ቲ ዘሎ ህሉው ኩነታት ጠመተ ክረክብ ክሰርሕሉ ጸዊዑ’ሎ።

———————————///////////—————————-

17/07/2017

ደምበ ተቃውሞ ኤርትራ ካልኣዊ ፍልልያት ንጎኒ ብምግዳፍ ህዝብን ሃገርን ካብ መንጋጋ ኣራዊት ንምልቃቅ ተጣሚሮም ክሰርሑ ከም ዝግባእ ተገሊጹ።

ዲሞክራስያዊ ግምባር  ሓድነት ኤርትራ ካብ 10-13 ሓምለ 2017 ኣብ ዘካየዶ መበል 17 ስሩዕ ኣኼባኡ፡ ፈጻሚ ኣካል እቲ ሰልፊ ኣብ ዘውጽኦ ደምዳሚ መግለጺ ደምበ ተቃውሞ ኤርትራ ካልኣዊ ኣፈላላያት ንጎኒ ብምግዳፍ ህዝብን ሃገርን ካብ መንጋጋ ኣራዊት ንምድሓን ኣብ ዝካየድ ቃልሲ ተጣሚርካን ተዋሃሂድካን ምስራሕ እንኮ ኣማራጺ’ዩ ክብል ኣነጺሩ።

እቲ ሰልፊ ኣብ መግለጺኡ ሕቶ ሓድነትን ምሕዝነትን ደምበ ተቃውሞ ፡ ምስቲ ኩሉ ከጋጥም ዝጸንሐን ዘሎን ባዕላውን፡ ወድዓውን ጸገማት ንዮ ነጆ ከይበሉ ንካልኣዊ ፍልልያት ቦታ ከይሃቡን ድሕነት ህዝብን ሃገርን ቀዳምነት ብምሃብ ዘሎ ዓቅምታት ብምጥማር ዓፋኒ ጉጅለ ህግደፍ ንምውጋድ ክንምርሽ ይግባእ ኢሉ።

መላኺ ኢሳይያስ ብሰንኪ ክኽተሎ ዝጸንሐን ዘሎን ፖሊስታት መነባብሮ  ህዝብና ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናቆልቀለ ይኸይድ ኣሎ ዝበለ እቲ መግለጺ ብፍላይ ሕጂ  ከኣ ብደረጃ ዓለምን ዞባናን ዝፍጠር ዘሎ ተሃዋሲ ኩነታት ብምምዝማዝ ሃገርና መናሓናሒ ሓይልታት ወጻኢ ብምግባር ናብ ዓባይ ወትሃደራዊት ማዓስከር ለዊጥዋ ኣሎ ኢሉ።

——————————//////////////————————– 

ሰኑይ 17/07/2017

ፕረዚደንት ኣልበሽር ናብ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ንምብጻሕ ወጢኑ ከም ዘሎ ተሓቢሩ።

ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ኣልበሽር ነቲ ኣብ መንጎ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብን ቐጠርን ተፈጢሩ ዘሎ ምስሕሓብ ሰላማዊ ፍታሕ ንምንዳይ ናብ ማእከላይ ምብራቅ ሃገራት ንምብጻሕ ውጥን ሒዙ ከም ዘሎ ሰና ዝተበሃለ ኣገልግሎት ዜና እታ ሃገር ገሊጹ።

እቲ ዑደት ዝመጽእ ዘሎ ሰንበት 23 ሓምለ 2017 ብኲዌት ከም ዝጅመር ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ ብድሕሪኡ ናብ ኢማራት ዓረብ ብምቅናዕ ናብቲ ብኲዌት ተጀሚሩ ዘሎ ሽምግልና እተን ሃገራት ከም ዝጽንበር ኣረዲኡ።

እቲ ፕረዚደንት ካብኡ ብምቅጻል ድማ ን3 ማዓልታት ዝጸንሕ ዑደት ስራሕ ኣብ ሱዑድ ዓረብያ ከካይድ’ዩ።

ሱዳን ኣብ መንጎ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብን ቐጠርን ዝተፈጠረ ምስሕሓብ ብዘተ ክፍታሕ ኣለዎ ዝብል መርገጺ ብምሓዝ ፡ ናብ ክልቲኦም ተጻባእቲ ሓይልታት ዘይውግን ዘይሽራዊ መትከል ምሓዘ ዝፍለጥ’ዩ።

———————————/////////////////———————-

ሰኑይ 17/07/2017

ደቡብ ኮርያ ምስ ሰሜን ኮርያ ዘለዋ ወጥሪ ንምህዳእ ምስ መንግስቲ እታ ሃገር ክትዘራረብ ከም ትደሊ ኣፍሊጣ።

ደቡብ ኮርያ ምስ ሰሜን ኮርያ ዘለዋ ወጥሪ ንምህዳእ ኣብ ዙርያ ወተሃደራዊ ጉዳያት ምስ መንግስቲ እታ ሃገር ክትዘራረብ ከም እትደሊ ቢቢሲ ሓቢሩ።

ምክትል ሚኒስትሪ ምክልኻል ደቡብ ኮርያ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ እቲ ዘተ ኣብ ዝመጸእ ዓርቢ 21 ሓምለ 2017 ኣብ ሰሜን ኮርያ ከም ዝካየድ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ወተሃደራዊ ወጥሪ ክልቲኤን ሃገራት ንምልዛብ ርሒብ ዕድል ከም ዝፈጥር ገሊጹ።

ሓድሽ ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ ርክብ ክልቲኤን ኮርያታት ንምምሕያሽ ከም ዝደሊ ተደጋጋሚ ዝገለጸ ኮይኑ ኣብ በርሊን ርእሰ ከተማ ጀርመን  ኣብ ዘስመዖ መደረ’ውን ምስ ሰሜን ኮርያ ንምዝርራብ ዘለና ድሌት ካብ ዝኾነ ግዜ ንላዕሊ ክብ ኢሉ’ሎ ድሕሪ ምባል፡ ኣብ መንጎ ክልቲኣን ሃገራት ሰናይ ጉርብትና ክፍጠር ጸዊዑ’ዩ።

እዚ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ኮርያታት ክግበር ተሓሲቡ ዘሎ መድረኽ ዘተ መስርሕ ምምዕባል ኣጽዋር ኒክለር ሰሜን ኮርያ ደው ንምባል ከም ዝሕግዝ ይገልጽ ኣሎ።

——————————–/////////////—————————- 

NO COMMENTS

LEAVE A REPLY