ትንታነ ዜና 27-07-2017

0
576

ትንታነ ዜና 27-07-2017

 

እዚ እንርከበሉ ዘመን ዘመነ ዓውለማን ቴክኖሎጅን ከም ምዃኑ መጠን ዓለምና’ውን ብውጽኢት ቴክኖሎጂ ናብ ሓንቲ ቁሸት እናተቐየረት ትርከብ ምህላዋ ኩሉ ዝስማማዓሉ ሓቂ’ዩ፡፡

ከምኡ ስለዝኾነ ድማ ኣብዚ እዋን ይትረፍ’ዶ ንበይንኻ ተነጻጺልካ ሓቢርካ’ውን ተፈጥሮኣዊ መሰናኽላት ንምብዳህ ኣዝዩ ፈታኒ እዋን ኮይኑ’ሎ፡፡

ሰላም ወሰናይ ንዓኻትኩም ይኹን ክቡራትን ፍቱዋትን ሰማዕትን ተኸታተልትን ማሕበረሰባዊት ሬድዮ ድምጺ ወጋሕታን መርበብ ሓበሬታ ሳሊና ወጋሕታን ሰሙናዊ መደብ ትንታኔ ዜና ከመይ ቀኒኹም፡፡

ምልካዊ ጉጅለ ህግደፍ ሃገራት ዓለምና ንዘጋጥሙወን ብድሆታት ክሰንፋ ብሓበራዊ ረብሓ ይደጋገፋ ኣብ ዘለዋሉ እዋን፡ ንበይኑ ክራጋሕ ካብ ዝጅምር ነዊሕ እዋን ኣቑጺሩስ ሕጂ’ውን ክእረመሉ ይረአ የለን፡፡

መግለጺታት ናይዞም ሓርፋፋት ርክባት እዚኦም እንታይ’ዮም? ጎባጥ መርገጺኡ ንዘይምቕያር ንምንታይ መሪጹ? ንሕናኸ ካብዚ ብምብጋስ ግዴና እንታይ ይኹን ኣብ ናይ ሎሚ ሓሙስ 27 ሓምለ 2017 ሰሙናዊ መደብ ትንታኔ ዜናና ንተናኽፎ ክኸውን ’ዩ፡፡

—————————————-/////////////——————————————

ሽግራት ከጋጥሙ ባህርያዊ ኮይኑ፡ ነቶም ሽግራት ግና መበገሲኦም እንታይ’ዩ እንተዘይተፈሊጡ መፍትሒኦም ንምርካብ ከም ዘይከኣል’ዮም ተንተንቲ ዝገልጹ፡፡

መበገሲ ናይቶም ሽግራት ካብ ዝመጽኡ ይምጽኡ ሱሮም ክፍለጥን መፍትሒኦም ብትግሃት ክናደን እንተኾይኑ ድማ ቅንዕና መሰረታዊ ምዃኑ የስምርሉ፡፡

የመን ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣጋጢሙዋ ዘሎ ቅልውላው ንኣብነት ምስ እንርኢ ኩለመዳያዊ ’ዩ፡ ዝብል መትከል ዘለዎም እቶም ተንተንቲ፡ ኣብ ርእሲ እቲ የመናውያን ዘካይዱዎ ዘለው ኵናት ሓደሕድ ተፈጥሮኣዊ ድርቂ’ውን ተሓዊሱዎ ንሕሱም ኩነታት እታ ሃገር ኣጋዲዱዎ ምህላው ንሓበራዊ መግለጺ ናይቶም ኣብታ ሃገር ዑደት ዘካየዱ ላዕለዎት መራሕቲ ሰብኣዊ ትካላት ሕቡራት ሃገራት ብምጥቃስ የብርሁ፡፡

ጀነራል ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ዳይሪክተር ውድብ መግቢ ዓለምን ዳይሪክተር ላዕለዋይ ትካል ጉዳይ ህጻናት እቲ ውድብ ኣብ የመን ድሕሪ ዘካየዱዎ ትዕዝብቲ ኣብ ዝሃቡዎ ናይ ሓባር መግለጺ የመን ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣጋጢሙዋ ዘሎ ኩለመዳያዊ ቅልውላው ብዓቕሚ የመን ጥራሕ ክፍታሕ ኣሸጋሪ ስለዝኾነ ማሕበረሰብ ዓለም ኢደይ ኢድካ ኢሉ መፍትሒ ከንብር ዕዮ ገዛ ክወስድ ኣትሪሮም ኣተሓሳሲቦም’ዮም፡፡ እዚ ድማ ኣብ ሓንቲ ሃገር ዘጋጥም ቅልውላው ብቀጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ኣብ ዓለም ኣሉታዊ ተጽዕኖ ከም ዘንብር ዘነጽር ’ዩ፡፡

ብመሰረት ኣገላልጻ ተንተንቲ ፖለቲካ ዜጋታትና፡ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ንኤርትራ ኣማሓድር ኣለኹ ዝብል ዘሎ ውልቀ መላኺ ኢሳይያስ ንሃገር ካብ ዞባውን ዓለማውን ምትሕግጋዝ ነጺሉ ብኩሉ መዳያታ ዝወደቐት ሃገር ክትከውን ክሰርሕ ጸኒሑን ይሰርሕ ኣሎን፡፡

ጉጅለ ህግደፍ ኤርትራ ክመርሕ ካብ ዝጅምር ሃገርና ምስ ዘይተጋጨወታ ጎረቤት ሃገር የላን፡፡ የመን፡ ሱዳን ኢትዮጵያን ጁቡትን ኩለን ምስታ ህግደፍ ኣመሓድራ ኣለኹ ዝብላ ሃገርና ተጋጭየን ’የን፡፡ ክሳብ ሕጂ’ውን እንተኾነ ዝተመሓየሸ ዝምድና ኣለወን ዝበሃል ኣይኮነን’ኳ ደኣስ ብዝገደደ እናሓርፈፈ ይኸይድ ምህላው ኩነታት ባዕሉ እናገለጾ ይርከብ፡፡

እቲ ምልካዊ ጉጅለ ምስ ጎረቤት ጁቡቲ ብዝጸንሖ ዶባዊ ዘይምርድዳእ ዓቃቢ ሰላም ቀጠር ኣብቲ ዘስሓሕብ ቦታ ኣትዩ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ቀጠር ምስ ዘጋጠማ ናይ ባዕላ ውሽጣዊ ኩነታት ነቲ ዓቃቢ ሰላም ሰራዊታ ናብ ሃገር ከም ዝሰሓበቶ፡ እንተኾነ መላኺ ጉጅለ ኢሳይያስ ነዚ ዕድል ተቐዳዲሙ ክቆጻጸሮ ከም ዝተራእየ ተረጋጊጹ፡፡

ብኣፍሪቃዊ ሕብረት ኢጋድን ሕቡራት ሃገራትን ነውሪ ኣብ ዝተባህለሉ እዋን ድማ ተገልቢጡ ንጹህ ንምምሳል’ዩ ፈቲኑ፡፡ ሕጂ’ውን ንልዕልና ሕጊ ዘለዎ ኣብያ በዚ ኣረጋጊጹዎ’ሎ፡፡

ብመሰረት ዝወጹ ዘለው ጸብጻባት ነቲ ነገር ንዘይምትህድዳእ እቲ ምልካዊ ጉጅለ ካልእ ጓል መንገድታት እናፈጠረ ካብ ክውንነት ይሃድም ከም ዘሎ’ዩ ዝፍለጥ፡፡

ጉዳይ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ ንባዕሉ ካብቲ ኣትዩዎ ዘሎ ወጥሪ ንምውጻእ ኮነ ኢሉ ዝሃንደሶ እምበር ናይ ብሓቂ ስራሕ ይሰርሕ ከም ዘየለ ምስክር’ዩ ’ውን ይብሉ እቶም ተንተንቲ ፖለቲካ፡፡

ጠንቂ ናይዞም ኩሎም ሓርፋፋት ዝምድናታቱ ንሕጊ ካብ ዘለዎ ዘይምእዙዝነት’ዩ ዝብገስ ዝበሉ እቶም ተንተንቲ ብኸምዚ ዝቕጽለሉ ኣብነት ስለዘየለ ኩሉ ንሃገረይን ህዝበይን ይሕለቕ’ዩ ዝብል ዜጋ ነዚ ጠንቂ ኩሉ መከራና ኮይኑ ዘሎ ተሓባቢሩ ክኣልዮኸ ሀኸነኸ ¸ ጸዊዖም፡፡

NO COMMENTS

LEAVE A REPLY

four × 1 =