ዝርዝር ዜና 12-07-2017

0
339

ስርዓት ህግደፍ ኣብ ክንዲ ህንጻታት በብእዋኑ ኣብያተ ማእሰርቲ ይሃንጽ ከምዘሎ ተረጋጊጹ፡፡

 

መላኺ ኢሳይያስ ከምቲ ብማዕከናት ዜንኡ ሃገር ትምዕብል ኣላ ትሕተ ቅርጽና ተማዓራርዩ ኣሎ እናበለ ዝነዝሖ ዘሎ ፕሮፖጋንዳ ዘይኮነስ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ኣብ ክንዲ ግርማ ከተማ ዝኾኑ ዓበይትን ምዕሩጋትን ህንጻታት ምድኳን ሰሪሕወን ንዘሎ ኣብያተ ማእሰርቲ መመሊሱ የስፍሐን ኣሎ ክብል ምስ ሬድዮ ወጋሕታ ብተሌፎን ዕላል ዘካየደ ተጋዳላይ ሞባእ ክፍለ ገሊጹ፡፡

እዚ ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ሃገሩ ናብ ስደት ዝገዓዘ ዜጋ እቲ ህግደፍ ዝብሎን ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታትን ዘራኽብ የብሉን ድሕሪ ምባል ሰብ ንምድጓን ኣብያተ ማእሰርቲ ኣብ ምስፋሕ ጥራይ’ዩ ተጸሚዱ ዘሎ ክብል ኣነጺሩ፡፡

ስርዓት ህግደፍ ገደብ ግዜ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ሕጂ ናብ ንቡር መሊሰዮ’የ ዝብሎ ዘሎ ውጹእ ሓሶት’ዩ ድሕሪ ምባል ኩነታት ዝተረጋግአ እንተድኣ ኮይኑ መንእሰይ ሃገሩ ገዲፉ ዘንፍጽ ኣይምሃለዎን ክብል ጠቒሱ፡፡

ሓፈሻዊ ኩነታት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሕማቕ ኩነታት’ዩ ዘሎ ኩሉ ዘዘርከበ ሕልሙ ስደት ጥራይ’ዩ ኮይኑ ዘሎ ምኽንያቱ ከኣ እቲ ንኡስ ወለዶ ሕጂ ዝወርሶ ዘሎ ነገር እንተድኣሃልዩ ስደት ጥራይ’ዩ ክብል ገሊጹ፡፡

—————————————————/////////////////////———————————————-

 

 

 

 

 

ቀዳም 12/08/2017

ሕስረት ኤርትራውያን ደቐንስትዮ ኣብ እዋን ህግደፍ ልክዑ ሓሊፉ ከም ዘሎ ተገሊጹ።

ኤርትራውያን ደቐንስትዮ ኣብ ዘመነ ስርዓት ህግደፍ ካብ ግኡዝ አቅሓ ንታሕቲ ከም ዝሓሰራ’ኳ ዝፍለጥ እንተኾነ ኣብዚ እዋን’ዚ ግን መመሊሱ ይገድድ ኣሎ ክብሉ ንዘተ ኤርትራውያን ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሳሊና ዝተኸታተሉ ወገናት ገሊጾም።

እቶም ዜጋታት ወ/ሮ ንጽህቲ ሃይለ ጠንቒ ስደት ኤርትራውያን እንታይ’ዩ ኣብ ዝብል መዛተዪ ዛዕባ ኣድሂባ ኣብ ዘቅረበቶ ሓሳብ ስግረዶብ ክትከዲ ሓሲብኪ ብዝብል ምስምስ ንልዕሊ 5 ወርሒ ናብ ቤት ፍርዲ ድሕሪ ምምልላሳ ንዓመት መመላእታ’ውን ህጻውንቲ ቆልዑ ገዲፋ ኣብ ማሕዩር ህግደፍ ምስቓያ ዘሕዝን ኣጋጣሚ ምዃኑ ጠቒሶም።

ኣብ እዋን መግዛእቲ ኮነ ተባሂሉ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ደቀንስትዮ ወሪዱ ዘይፈልጥ ግፍዕን መከራን ሕጂ ኣብ ዘመነ ህግደፍ ክብረን ተቐንጢጡ ኣደዳ ማእሰርትን ግፍዕን ይኾና ምህላወን ከም ዘተሓሳስቦም ገሊጾም።

ብርክት ዝበላ ኤርትራውያን ደቐንስትዮ ኣብ ምሕደራ ህግደፍ ግዳይ ዓመጽ፡ ግህሰት መሰልን ኣደራዕን ይኾና ከምዘለዋ ይፍለጥ።

———————————————//////////////—————————————-

 

 

 

 

 

 

ቀዳም 12/08/2017

መዓልቲ ሓርበኛታት ኤርትራ ብድምቀት ከምዝተኸበረ ተገሊጹ፡፡

ኣሰና ኣብ ዝዝርገሐቶ ሓበሬታ፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ከተማ ለንደን ዝቕመጡ ኤርትራውያን ብ5 ነሓሰ 2017 ብድምቕ ዝበለ ኣገባብ ንመዓልቲ ሓርበኛታት ኤርትራ ኣኽቢሮም ከምዝዋዓሉ ሓቢራ፡፡

ኣብቲ ጽንብል፡ ኣብ ቃልሲ ኤርትራ ንሃገራዊ ነጻነት ብኣካል ዝተሳተፉ፡ ድሒሮም ዝተወልዱ ሓደሽቲ መንእሰያት፡ ከምኡ’ዉን ወጻእተኛታት ኣዕሩኽ ኤርትራ ዝተረኽብሉ ኣጋጣሚ ፡ ንታሪኽ ሓርበኛታት ኤርትራውያን ዝገልጹ ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ከምዝቐረቡ’ዉን ኣነጺራ፡፡

ኣብቲ ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ ዝካየድ መዓልቲ ሓርበኛታት ኣብ ስደት ዝተፈላለዩ ኣብቲ ቃልሲ ብኣካል ተሳቲፎም ኣካሎም ዝጎደሉ ዜጋታት ተረኺቦም ነቲ ዘሕብን ታሪኽ ቀዳሞት ኣያታቶም ብግቡእ ክምርምሩን ክምሃሩሉን ብምዝኽኻር፡ ኣወንታዊ ታሪኽ ህዝብናን ሃገርናን ናትና ታሪኽና ብምዃኑ ንምዕቃቡ ብሓላፍነት ክንሰርሕ ኣለና ኢሎም ክትብል ኣሰና ብተወሳኺ ሓቢራ’ያ፡፡

——————————————————/////////////////////——————————————-

 

 

 

 

 

 

 

 

ቀዳም 12/08/2017

ደቀንስትዮ ንሰላም ኣፍሪቃ ተሳተፍቲ ክኾና ከምዘለወን ጻውዒት ቀሪቡ፡፡

ተራ ደቀንስትዮ ኣብ ምርግጋጽ ሰላምን ጸጥታን ኣህጉር ኣፍሪቃ ክብርኽ ከምዝግባእ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምጽውዑ ኣገልግሎት ዜና ሲጂቲ ኤን ጸብጺቡ፡፡

ሰላም አብ ልምዓታዊ ገስጋስ ዘይትካእ ግደ ኣለዎ ክብል ዝጠቐሰ ሕቡራት ሃገራት ስለዝኾነ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሪቃዊ ሕብረትን ተሳትፎ ደቀንስትዮን ኣብዚ መዳይ ክብርኽ ዓቕመን ዘዕብያሉ መድረኻት ከሳልጡን ከምዝግባእ’ውን መተሓሳሰቢ ኣቕሪቡ’ዩ፡፡

ሰላም ኣብ ዘይብሉ ደቀንስትዮን ህጻናትን’ዮም ቀንዲ ተጠቃዕቲ ዝኾኑ ዝበለት ምክትል ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣሚና መሓመድ ጾታዊ ዓመጽ፡ ግዱድ መርዓን ካልኦትን ድማ ገለ ካብቶም ንደቀንሰትዮ ዝሃስዩ ተግባራት ስለዝኾኑ ነዚ ንምግታእ ግደ ሰላም ዝለዓለ ክኸውን ተሳትፎ ደቀንስትዮ ልዑል ክኸውን ጸዊዓ፡፡

————————————————–//////////////////////———————————————-

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

ቀዳም 12/08/2017

ፍሕፍሕ ፕዮንግዮንን ዋሽንግተንን ንምፍታሕ ዘተ እቲ ቀዳማይ ኣማራጺ ምዃኑ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ኣሜሪካ ገሊጹ፡፡

ፖለቲካዊ ወጥሪ ሰሜን ኮርያን ኣሜሪካን ናብ ዝለዓለ ጥርዙ ኣብ ዝበጽሐሉ ህሞት ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣሜሪካ ጀምስ ማቲስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ንምህዳእ ዘተ ቀዳማይ ኣማራጺ ኣሜሪካ’ዩ ክብል ገሊጹ፡፡

ሚኒስተር ጀምስ ማቲስ ኣብ መግለጺኡ ነቲ ወጥሪ ንምህዳእ ዝተጀመረ መስርሕ እወታዊ ውጽኢት እናተራእየሉ ከምዝርከብ ኣረጋጊጹ፡፡

ኵናት ካብ ዕንወት ሓሊፉ ዝርከበሉ ረብሓ የለን ዝበለ ሚኒስተር ማቲስ፡ ስለዝኾነ ዲፕሎማሲያዊ ዘተ እንኮ መፍትሒ እቲ ወጥሪ ክኸውን  ምርጫ ኣሜሪካ’ዩ ክብል ሓቢሩ፡፡

ሚኒስተር ማቲስ ኣብ መወዳእታ ሰሜን ኮርያ ንጻውዒት ሰላም ሸለል ብምባል ኣብ ልዕሊ ኣሜሪካ ዝኾነ መጥቃዕቲ ምስ እትፍኑ ዘየዳግም ስጉምቲ ንምውሳድ ድልውቲ ምህላዋ ኣጠንቂቑ፡፡

——————————————————//////////////////———————————————

 

NO COMMENTS

LEAVE A REPLY

five × 3 =