እዋናዊ ዛዕባ- ሓሶትን ምድንጋርን ከየጥፍኣና

0
1022

[audioplayer file=”http://sallina.com///audio/Ewanawi-Zaeba/ Ewanawi Zaeba 04-10-2016.mp3″]

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጉጅለ ንህዝብና ኣስታት ንርብዒ ክፍለዘመን ዝኸውን ሓድሽ ወረን ሓሶትን እናሰንዐ ከደናግሮ ፈቲኑ’ዩ። ኩሎም አመራርሓ ናይዚ ጉጅለ ብሓሶት ልዑል መዓርግ ዘለዎም’ዮም።

ዘይተገብረ ተጌሩ፡ ዘይተባህለ ተባሂሉ፡ ዘይተፈጸመ ተፈጺሙ ኢሎም ሓሶትን ቤላቤሎን ዝነዝሑ ኣባላት ብወግዒ ኣጣይሹ ነዊሕ ዓመታት ሰሪሑሉ። 03 ዝብሃል ናይ ሓሶትን ቤላቤሎን ዝነዝሕ ትካል ከምዝኾነ ዳርጋ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈልጦ ናይ ሓሶት ትካል’ዩ። ኢሳይያስ ክፍኣትን ሽርሕን ኣብ ዝውጥነሉ እዋን፡ ውጥኑ ንምዕዋት ዘይትግበር መብጽዓ በዚ ትካል ኣቢሉ ሓሶትን ምድንጋርን ይነዝሕ።

ኣብዚ ሕሉፍ ዓመታት ብዙሓት ዘይትግበሩ መብጽዓታት ተኣትዮም’ዮም። ኣብ ሃገር ዘየለ ሓድሽ ናይ ምድንጋር ቤላቤሎታት ተነዚሖም’ዮም። ካብ’ቶም ብዙሓት ንገለ ዕብይ ዕብይ ዝበሉ ህዝቢ ከም መዘራረቢ ኣጀንዳ ጌሩ ክሓስቦም ነቲ ህልዊ ኩነታት ሓቂ ኣዛናጊዖም ኣብ ወረን ብዕራይ ወለደን ህዝቢ ክጽመድ ዝገበሩ ገሊኦም።

  • መሃያ ሰራዊት ክመሓየሽ’ዩ
  • ኤርትራ ብትሕተ ቅርጺ ብልጽቲ ሃገር ክትከውን’ያ
  • ምጥያሽ ሰራዊት ኣብ ሓጺር እዋን ክተግበር’ዩ
  • ብጸጋታት ኤርትራ ህዝቢ ወርቅን ጨርቅን ክኸውን’ዩ
  • ኤርትራ ሲንጋፖር ክንገብራ ኢና ወዘተ….. ወዘተ እንዳተባህለ ህዝቢ ብሕልሙ ጠስሚ እንዳሰተየ ክሓድር እንዳተገብረ ጸኒሑን ኣሎን።

ዓመት ዓመት ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናብ ማዕከናት ዜና ኤርትራ እንዳቐረበ ዘይትኣደኑ መብጽዓታት ይኣቱ። ዝተሰርሐ ምዝራብ ገዲፉ ዘይተሰርሑ ሓደሽቲ ውጥናት ከምዝተወጠኑ ቃል ይኣቱ’ምበር ዝሰርሖ ስለዘየለ ዝሰርሖ ክዛረብ ተሰሚዑ ኣይፈልጥን።

ብሓይልን ምድንጋርን ናብ መንበረ ስልጣን ካብ ዝድይብ ስጋብ ሕጂ ዝሰርሖምን ዝፈጸሞምን እንተሃለዉ

  • ሃገር ብመገዲ ጥፍኣት ሒዝካ ምህላል
  • መወዳእታ ኣብ ዘይብሉ ግዱድ ዕስክርና ንዜጋታት ጅሆ ምሓዝ
  • ኵናት ኣሳዊርካ ንህዝቢ ኣብ ዘይወጾ መዋጥር ምእታው
  • መንእሰያት ከደምትን ጊላን ኮይኖም ዕድመ ንእስነቶም ክበሊ ምግባር
  • ብዘይ ፍርዲ ብጋህድን ብመጭወይትን ዜጋታት ምሕቓቕ
  • ንጥፍኣት ዜጋታት ዘገልግላ ኣብያተ ማእሰርቲ ሃኒጽካ ማእለያ ዘይብሉ ግፍዕን ስቅያትን ምውራድ
  • ህዝቢ ቀሲኑ ዝሓርስ ከይሓርስ፡ ዝነግድ ከይነግድ፡ ዝምሃር ከይምሃር ዝሰርሕ ከይሰርሕ እገዳ ኣምቢርካ ኣብ ክቱር ድኽነትን ጥምየትን ክነብር ምግባር
  • ዜጋ ካብን ናብን ኣብ ውሽጢ ሃገሩ ከይንቀሳቐስ እገዳ ምንባር
  • ሃገር ከም ሃገር ብዘይ ቅዋም ክትመሓደር ምግባር
  • ንጹር ፖሊሲታትን ስትራቴጅታትን ከይሓንጸጽካ ሃገር ብውልቀመላኺ ሰናይ ድሌት ምምሕዳር
  • ወግዓዊ መሓውራት መንግስቲ ሓጋጊ፡ ተርጓሚ ሕግን ፈጻሚ ኣካልን ዘይብላ ሃገር ክትከውን ምግባር
  • ገበን ንዝፈጸሙ ብሕጊ ከይሕተቱ ዝደስከለ ቤትፍርዲ ምፍጣር
  • ዜጋታት ኣብ ሃገሮም ቀሲኖም ከይነብሩ ዲክታቶርያዊ ጉጅለ ፈጢርካ ሃገር ራሕሪሖም ክበታተኑ ዘይተኣደነ ሽርሒ ምፍሓስ

እዚ ዓፋኒ ጉጅለ ካብ ዝፈጸሞም ውሑዳት ገበናት’ዮም ሃገር ንልዕሊ ርብዒ ክፍለዘመን ዝኣክል ብዘይ ቅዋምን ሃገራዊ ባይቶን ክትምራሕ ተጌሩ። ብመገዲ ገዲፍካ ብጓል መገዲ ዕንክሊል ምባል ዕምሪ ስልጣንካ ንምንዋሕ ዝግበር ዘሎ ሽርሕን ተንኮልን ምዃኑ ኤርትራውያን ክንዝንግዕ ኣይግባእን።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኤርትራ ሰላምን ቅሳነትን’ምበር ዘይጭበጥ ተስፋ ኣይኮነን ዘድልያ። ለውጢ ድኣ’ምበር ዘይጭበጥ መብጽዓ ኣየድልያን። ሕቶ ህዝቢ ሰሚዑ ጸገማት ህዝቢ ዝፈትሕ ህዝባዊ ስርዓት’ምበር ብቤላቤሎን ሃገር ብመገዲ ጥፍኣት ሒዙ ዝጸድፍ ጉጅለ ኣይኮነን ዘድልያ። ተግባር’ምበር ሕልሚ ኣየድልን። ስለዚ ኤርትራውያን ዝሓለፈ ሕሰምን ኣደራዕን ይኣኽለና። መከራናን ስቅያትናን ከብቅዕ ኣለዎ። ሓሶትን ምድንጋርን ከየጥፍኣና ክንበራበር ይግባእ ንብል።

NO COMMENTS

LEAVE A REPLY