መልእኽቲ ወጋሕታ- ኣብ ጉዳይ ሃገር ወሳኒ ህዝቢ’ዩ!

0
312

[audioplayer file=”http://sallina.com///audio/Melekti-Wegahta/melekti wegahta 22-10-2016.mp3″]

ኣብ መብዛሕትአን ሃገራት ዓለም ዝርከቡ መንግስታት ሃገር ዘመሓድሩን ዝምርሑን ብህዝቢ ካብ ዝተዋህቦም ውክልና’ዩ። ብመሰረት’ዚ ክርኣይ ከሎ በዓል ዋና ስልጣን ህዝቢ ከምዝኾነ’ዩ ዘረጋግጽ። ኣብ ዓለምና ዝተፈላለዩ ፍልስፍና ፖለቲካ ዘሰጉሙ ሰልፍታት  ስልጣን ንምዕታር  ብሽም ህዝቢ ይሰብኩ። እቲ በዓል ዋና ስልጣን ዝኾነ ህዝቢ ኣፍልጦ ክህቦም ዝኽእል ኣብ ምርጫ ብዝገብርዎ ንሕንሕ ስለዝኾነ። ፖለቲካዊ ሰልፍታት ኣብ ምርጫ ንክዕወቱ ኩሉ ጊዜ ምእዙዛት ድሌታት ህዝቢ ከምዝፍጽሙ ቃል ይኣትውን ይመጻብዑን።

ብፌዴራላዊ ስርዓት ኮነ ኣሃዳዊ ስርዓት ዝምርሑ ሃገራት ብፍቓድ ህዝቢ ሃገር ዘመሓድሩ ከምዝኾኑ ክገልጹ ከለው ወሳንነትን ልኡላዊ ስልጣን ናይ ህዝቢ ከምዝኾነ ብዝተረኸበ ኣጋጣሚ ንህዝብታቶም ይገልጹ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ድንጋጌኡ ህዝቢ ናይ ገዛእ ርእሱ ዕድል ባዕሉ ናይ ምውሳን መሰል ከምዘለዎ መረጋገጺ ዝሃበ ህዝቢ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ቀንዲ በዓል ዋና ምዃኑ ንምምልካት’ዩ። ኣብ ጉዳይ ሃገር ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን ወሳኒ ህዝቢ’ዩ።

ናብ ጉዳይ ሃገርና ምስ እንምለሰ ኣብ መንበረ ስልጣን ዝርከብ ኢሳይያስ ዝመርሖ ጉጅለ ንህዝቢ ዘለዎ ክብሪ ብቃል ካብ ዝዝረብ ብተግባር እንታይ ይመስል? ዝብል ጉዳይ ምርኣይ ኣገዳስነት ኣለዎ። ናይ ህዝቢ ልኡላዊ በዓል ዋና ስልጣን ዝብል ኣምር ፖለቲካ ኣብ ምትግባርን ንድሌታት ህዝቢ ተገዛኢ ኣብ ምዃን እዚ ጉጅለ ዘሰጉሞ ፖሊሲ ብኸመይ ይግለጽ? ህዝባዊ ኣተሓሳስባ ኣብ ባህርያት እዚ ጉጅለ ህዝቢ ከመይ ይግነዘቦ?ሓልዮትን ድሌታትን ህዝቢ ኣብ ምፍጻም ህዝባውነት ባህርይ ዘለካ ንምምሳል ሃልኪ መግለጽታትን ጎስጓሳትን ምስ ባህርያት ናይ’ዚ ጉጅለ ከመይ ይጠዓዓም? ድሌታት ህዝቢ መሰረት ዝገበሩ ፖሊስታትን ስትራቴጅታትን ኣብ ምሕንጻጽን ብህዝቢ ዘለዎ ተቐባልነትን ብኸመይ ይግለጽ ወዘተ ዝብሉ ጉዳያት ምስ እነልዕል እቲ ውጽኢት እንታይ ይመስል?

ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ህዝብን ብሕታዊ ሰልፊ ጉጅለ ህግደፍን ፈጺሞም  ዘይቃደው ኮይኖም ንረኽቦም፡፡ ኢሳይያስ ዝመርሖ ጉጅለ ህግደፍ ቂምን ቅርሕንትን መርዛም ድሑር ፖለቲካ ካብ ምንዛሕን ሃገርና ብውሽጥን ብደገን ሓዊ ብምስዋር ከምዝረሰነት ሞቕሎ ረመጽ ክትከውን ካብ ምግባር ዝሰገረ ዝረብሕ ስራሕ ኣይሰርሐን፡፡ ነቲ ንቡር ልምድታት ክብርታትን ተኸኣኢልካ በብሄርካን ሃይማኖትካን ምንባር ኣኽሒኑ ብዓሌት፡ ቀቢላን ኣውራጃውነትን ክተፋነን ሰራም ፖለቲካ’ዩ ዘሰጉም ዘሎ፡፡

ኤርትራ ባይቶ ዘይብላ፡ ብዘይ ቅዋም እትመሓደር፡ ምርጫ ዘይካየደላ፡ ንጹር እትምርሓሉ ፖሊሲታትን ስትራቴጅን ዝተሓረመት፡ ወግዓዊ በጀት ዘይሰልዓላ፡ ብሕጋዊ ማዕከናት ዜና ዘይፍቀደላ፡ ፖለቲካውያን ሰልፍታት ዘይንቀሳቐሱላ፡ ናጽነት ሃይማኖት ነውሪ ዝኾነላ፡ ዜጋታት ብዘይ ኣፍልጦ ኣብያተ ፍርዲ ዝእሰሩላ፡ ዝጭወዩላ፡ ዝቕንጸሉላ፡ ብግዱድ ዕስክርና መንእሰያት ኣብ ባርነት ዝተቐየዱላ ኮታ’ስ ብሓጺር ኣገላልጻ ሰብኣውን ዲሞክራሲያውን መሰላት ዘይክበረላ ሃገር’ያ፡፡

ስርዓተ ሕጊ ዘይፍለጠላ፡ ፍትሕን ርትዕን ዝተረገጸላ ሃገር ስለዝኾነት ዜጋታትና ክነብሩ ስለዘይክኣሉ ግዳይ ስደትን ብርሰትን ኮይኖም ይጸንቱ ኣለዉ፡፡ እዚ ሕሰምን ኣደራዕን ዝፍታሕ ከምቲ ኣብ ዓለምና ዝትግበር ዘሎ ህዝባዊ መንግስቲ ኣብ ኤርትራ ምስ ዝትከል’ዩ፡፡ ወሳንነት ህዝቢ ክረጋገጽ ኣለዎ፡፡ በዓል ዋና ስልጣን ህዝቢ ከምዝኾነ ኤርትራውያን ክነረጋግጽ ይግባእ፡፡ ኣብ ጉዳይ ሃገር ወሳኒ ህዝቢ’ዩ ዝብል መትከል ክትግበር ኣለዎ፡፡ ልዕልነት ህዝቢ ምስ ዝረጋገጽ’ዩ ሰላም፡ ዕብየት ብልጽግና ፍትሒ፡ ልዕልነት ሕጊ ክትግበር ዝኽእል፡፡ እዚ  ከኣ ብምህለላን ጸሎትን ዝመጽእ ኣይኮነን ብህዝባዊ ቃልሲ’ዩ ሓርነት ጋህዲ ዝኸውን፡፡ እቲ ብሕጋዊ ኣማራጺ እዚ ጥራይ ከምዝኾነ ኤርትራውያን ተገንዚብና ዝተጨውየ ሓርነትና ካብ መንጋጋ ዓማጺ ኣውጺእና ሰላምና ነውሕስ!

 

 

ኩሎም ጸገማትና ኣብ መቓብር ኢሳይያስ ይፍትሑ

ሕመረት ልምዓትና ኣብ ዳራ ዓወትና

ኤዲቶሪያል ቦርድ ወጋሕታ ሳሊና

22 ዓመተ 2016

NO COMMENTS

LEAVE A REPLY